ቁጠዐ ዘስዓበ ትልሚ ጉዕዞ ሕደ-ጾታውያን ናብ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, NURPHOTO
ትማሊ፡ ን120 ማሕበራት እምነት ኦርቶዶክስ ዝውክል ሕብረት ሰልስቱ ምእት ማሕበራት፡ ነቲ ሕደ-ጾታውያን (ሆሞሰክሸዋልስ) ኣብ ዝቐረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ከካይድዎ ዝሓሰቡ ምብጻሕ ብምቅዋም ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ።
ብኣንጻሩ፡ ነቲ ጉዕዞ ዘዋሃህድ ትካል፡ ነቲ ምብጻሕ ከም ዘይስርዞ ኣፍሊጡ'ሎ።
ናይቲ ምትእኽኻብ ማሕበራት ኣቦመንበር ዝኾነ ሊቀ ትጉሃን ደረጀ ነጋሽ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ቶቶ ዝተባህለ ትካል ኣብ ቅዱስ ላሊበላን ካልኦት መስሕባትን ብምጻሕ ታሪኻዊ ኣሰርና ክንገድፍ ኢና ምባሎም ብምቅዋም፡ መንግስቲ ሓላፍነቱ ክፍጽም፡ ናይ ሃይማኖት ኣቦታት ነቲ ጉዳይ ኣቶኩሮ ክገብርሉን፡ ህዝቢ'ውን ጥንቃቐ ክገብር ምንቲ'ዩ መግለጺ ክነውጽ ዘድለየና" ኢሉ።
ንሕደ-ጾታውያን ፍቑራት ጉዕዞታት ኣብ ምውዳብ ዝነጥፍ ቶቶ ቱርስ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ን14 መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ምብጻሕ መደብ ብምውጻእ በጻሕቲ ምምዝጋብ ጀሚሩ'ሎ።
ኣብቲ ንሓደ ሰብ 7900 ዶላር ኣመሪካ ዝሓትት ናይ ምብጻሕ መደብ፡ ኣብቲ ናይ ክልተ ሳምንቲ ምብጻሕ ኣርባ ምንጭ፡ ደቡብ ኦሞ፡ ገዳማት ጣና፡ ጎንደር፡ ላሊበላ፡ ኣኽሱምን ካልኦት ናይ በጻሕቲ መስሕባትን ኣብ መደቡ ኣእትዩ ኣሎ።
ሊቀ ትጉሃን ደረጀ እቶም ሕደ-ጾታውያን ዘፍቅሩ ሰባት ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ክመጹ የብሎምን ዘበሎም ምኽንያት ከረድእ እንከሎ፡ "ብሕጊ እታ ሃገር ተግባሮም [ጾታዊ ርክቦም] ገበን'ዩ። ካብ ፈኲስ ማእሰርቲ ክሳብ ሕልፈት ከእስር ዝኽእል'ዩ። ስለዚ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣፍሪሶም ክመጹ ኣይክእሉን'ዮም። ካልኣይ፡ ተግባሮም ብሃይማኖት ዝወገዘ'ዩ። ብባህሊ'ውን ጽያፍ'ዩ" ኢሉ።
"ኣርማኦም ሒዞም ኣብ ላሊበላ ንራኸብ ኢሎም ዋጋ ተሚኖም ምንቅስቓሶም ናይ ድፍረት ድፍረት'ዩ" ክብል'ውን ዘለዎ ነቔፌታ ገሊጹ።
"እዚ እኩይ ተግባር ካብ ሃገርና ክወጽእ ኣለዎ" ዝበለ ሊቀ ትጉሃን ደረጀ "እቲ ሕጊ ተመሓዪሹ መሊሱ ክኸርር ኣለዎ። ናይ ስነ-ምግባር ትምህርቲ ክወሃብ ኣለዎ። ነዚ ምብጻህ እዚ ተቓዊምና [ጥራይ] ደው ኣይነብሎን ኢና"።
ስለዚ ይብል ንሱ፡ "ስለ ኢትዮጵያ ትም ኣይንብልን' ዝብል ንሕደ-ጾታውያን ዝቃወም ካብ ተኸተልቲ እምነታት ኦርዶክስ፡ ምስልምና፡ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ዝተዋጸአ ሃገራዊ ማሕበር ክምስረት ከም ዘለዎ ይዛረብ።
መስራትን ወናኒን ቶቶ ቱርስ ዝኾነ ዳን ዌር ብወገኑ፡ "በቲ ዝተፈጠረ ነገር ኣዝየ እሓዝን። ናብ ኢትዮጵያ እንገብሮ ጉዕዞ ግን ኣይከነቋርጾን ኢና" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ናይ ዝኾነ ሃይማኖት ተኸታሊ ዝኾነ ሰብ ዘፍርሖ ነገር ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን። ናይ ዝኾነ ሃይማኖት ንምፍራስ ይኹን ናይ ባዕልና ኣተሓሳስባ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ከነስገድድ ኣይኮናን ናብ ኢትዮጵያ ንኸይድ። እኳ ድኣስ ነቲ ባህሊ ንምርኣይን ንምርዳእን ከምኡ'ውን ከነድንቕ ኢና ንደሊ"
ብዛዕባ'ቲ ምብጻሕ ዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዋህበ ምላሽ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖ ዝዛረብ ዳን፡ ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ብጥንቃቐ ክከታተሎ ከምሕጸን ከም ዝደሊ ተዛሪቡ።
እቲ ናብ ኢትዮጵያ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ጉዕዞ ከም ዘይተዓናቐፍ ኣርግጹ ድሕሪ ምዝራብ፡ "ናብ ኢትዮጵያ ክንከይድ ኢና፡ ኮይኑ ግና፡ ሕጂ'ውን ንድሕነትና ንሰግእ ኢና" ኢሉ።
ዳን ከም ዝብሎ፡ ንክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ካብ ምፍላጥ ሓሊፎም፡ ብዛዕባ እቲ ጉዕዞ ዓበይቲ ናይ ዜና ማዕከናት ከም ዝዛረብሉ ክንገብር ኢና በሃላይ'ዩ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እንኸደሉ እዋን፡ ሓደጋ እንተ ድኣ በጺሑና፡ ዓለም ምሉእ ክርእዮ'ዩ። በዚ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ቱሪዝምን ሃይማኖትን ሕማቕ ስም ከይረክብ ክጥንቀቑ ይግብኦም" ክብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዘለዎም ርእይቶ ክንረክብ ኣይከኣልናን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







