ውሩይ ኬንያዊ ደራሲ ቢንያቫነጋ ዋይናይና ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውሩይ ኬንያዊ ደራሲ ቢንያቫነጋ ዋይናይና ድሕሪ ናይ ሒደት መዓልትታት ሕማም ከምዝሞተ፡ ሓው፡ ጀምስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ 2015 ወቕዒ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ዋይናይና፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ድማ ኣብዚ ክልተ ኣዋርሕ ኩነታት ጥዕንኡ ከንቆልቁል ምጽንሑ ጀምስ ገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ ዝተፈላለዩ ሰባት ናይ ሓዘን መልእኽትታቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይገልጹ ኣለው።
ኣብ መበል 48 ዓመቱ ዝሞተ ዋይናይና ሓደ ካብ ህቡባት ኣፍሪቃውያን ደረስቲ እዩ ነይሩ።
ንሱ፡ ተዓዋቲ ናይቲ ንኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ዝወሃብ ሽልማት 'ከይን' ኮይኑ፡ ኣብ 2014 ሕታም መጽሔት ታይም ካብ መንጎ 100 ጸለውቲ ሰባት ናይ ዓለምና ተባሂሉ ተረቚሑ እዩ።
ዋይናይና፡ ሓደ ካብ እቶም ቀዳሞት ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ርክብ ከም ዘለዎም ወግዓዊ ዝገበሩ ኬንያውያን እዩ።
ኩነታት ጥዕና ዋይናይና ክመሓየሽ፡ ሓካይም ይጽዕሩ ከም ዝነበሩን ክዕወቱ ድማ ትጽቢት ከም ዝነበሮም ጀምስ ተዛሪቡ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







