ደቂ ተባዕትዩ ክዛረቡሎም ዘይመርጽዎም ሓሙሽተ ነገራት፡ ስለምንታይ ይጨንቆም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓለም ኣብ ነብሲ ወከፍ 40 ካልኢት ሓደ ሰብ ነብሰ-ቅትለት ይፍጽም። መብዛሕቲኡ እዋን ነብሰ-ቅትለት ዝፍጽሙ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ናይዚ መበገሲ ድማ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ሽግራት ንሰብ ስለዘየካፍሉን ሓገዝ ስለዘይሓቱን'ዩ።
ስለዚ ደቂተባዕትዮ ብግልጽነት ክዘራረቡሎም ዝግብኡ ዛዕባታት እንታይ'ዮም?
ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ሓቅነት ወይ ክውንነት
ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ዝለዓለ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ።
ብዩኒቨርሲቲ ፐንሰልቫንያ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዘጥፋእዎ ግዜ፡ ዝያዳ ተነጽሎን ቅዛነትን ይቓልዑ።
"ማሕበራዊ ሚድያ ምጥቃም እንድሕሪ ነኪና፡ ንስምዒታት ተነጽሎን ቅዛነትን ዝህልወና ተቓላዕነት ይንክይ" ትብል ኣባል እቲ መጽናዕትን ምህርቲ ስነ-ልቦናን መሊሳ ሃንት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጉድኣት ማሕበራዊ መራኸቢ ድኣ እንታይ'ዩ?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ሙሁር ስነ-ልቦና ዝኾነ ፕሮፌሰር ኦስካር ይባራ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጥቅዑ [ስእልታትን ጽሑፋትን] ምስቲ ትኽክለኛ ህይወት ወይ ምስ ክውንነት መነባብሮኦም ከም ዘይራኸብ ይዛረብ።
"ማሕበራዊ ገጽትኩም ክትኸፍቱ ከለኹም፡ ምስሉያት ዝኾኑ ዛዕባታት'ዮም ዝጸንሑኹም" ይብል።
ጽምዋ
ቢቢሲ ኣብ 'ዊልካም ኮሌክሸን' [ኣብ እንግሊዝ ዝርከብ ሙዝየምን ቤተ-መጻሕፍትን] ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ሞንጎ 16 ክሳብ 24 ዓመት ዕድመ ዘለው መንእሰያት ንጽምዋ ብዝያዳ ከም ዝተቓልዑ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 2017 ኣብ ኦክስፎርድ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ድማ፡ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ጽምዋ ንምንጋፍ ብጣዕሚ ከም ዝጽገሙ ይሕብር።
ጽምዋ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክሰግር ከሎ፡ ኣብ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጥዕና ከቢድ ጸቕጢ ክህልዎ ይኽእል'ዩ።
ንሕማም ረሲዕ፣ ሕዱር ሕማማትን ካልኦት ጸገማት ጥዕናን መንቀሊ ክኸውን ከም ዝኽእል መጽናዕትታት የመልክቱ።
ምብካይ (ብኽያት)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኽያት ንነብስኻ ክተረጋግእ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንስምዒት ሰባት ናይ ምግንዛብ ዓቕሚ ክምዕብልን ማሕበራዊ ምትእስሳር ንምጥንኻርን ኣገዳሲ ከም ዝኾነ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ኣብ እንግሊዝ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ መንእሰይ እቶም 55% ሚእታዊት፡ ምብካይ (ብኽያት) ንተባዕታዊ ባህርያቶም ዝጻባእ ወይ ዘነኣእስ ከም ዝኾነ ይኣምኑ።
ኮልማን ኦድሪስኮል ዝበሃል ኣብዚ ዛዕባ ዝሰርሕ ሙሁር "ንቖልዑ [ደቂተባዕትዮ] ስምዒታቶም ከይገልጹ ገይርና ኢና ነዕብዮም። ምኽንያቱ ስምዒትካ ምግላጽ 'ድኽመት' ከም ዝኾነ ስለዝእመን" ይብል።
ሓላፍነት ምዕንጋል ስድራ
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ካብቶም ኣብ ርክብ (ሓዳር ወይ ፍቕሪ) ዝርከቡ ደቂተባዕትዮ እቶም 42% ሚእታዊት ካብታ መጻምዶም ወይ በዓልቲ ሓዳሮም ዝሓሸ ኣታዊ ክህልዎም ከም ዝግባእ ይሓስቡ።
ኦሊምዴ ዱሮጃዬ ሓደ ካብኣቶም'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
"ኣቦይ ሓላፍነት ምዕንጋል ስድራ ተሰኪሙ ይርኢ ነይረ። ለይትን ቀትርን ይስርሕ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ይገይሽ። ኣነ'ውን ከምኡ ክኸውን እደሊ" ይብል።
"እታ መጻምተይ ከም እትጽበዮ ዓይነት 'ሰብኣይ' ክኸውን ስለዘለኒ፡ ገንዘብ ክረክብ እደሊ" ክብል ይዛረብ።
ፋይናንሳዊ ሰከም [ኣብ ገዛ ንዘድልይ ወጻእታት] ኣብ ልዕሌኻ ከም ዝተጸዓነ ምሕሳብ፡ ናብ ናይ ኣእምሮ ጸገማት ከስዕበልካ ይኽእል'ዩ።
መጠን ሽቕለት-ኣልቦነት ብ1% ሚኢታዊት ብዝወሰኸ ቑጽሪ፡ ኣብ መጠን ምፍጻም ነብሰ-ቕትለት 0.79 % ሚእታዊት ወሰኽ የጋጥም።
ኣካላዊ ቅርጺ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ገለ መደባት ቴሌቪዥን፡ ኣካላዊ ቅርጺ ደቂ ተባዕትዮ ከም ሓደ ዛዕባ መንእሰይ ኮይኑ ክቕረጽ ብምግባሮም ይንቀፉ።
ዝሓሸ ኣካላዊ ቅርጺ ክህልዎም ዝብህጉ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ማእከላት ጂምናስቲክ (ጂም) ብዙሕ ግዜ ከሕልፉ ይመርጹ።
ኣብ ገማግም ባሕሪ፡ ድልዱልን ብስፖርት ቅርጺ ዝሓዘን ሰብነት ዘለዎ ሰብ ብምርኣይ ንነብሶም ምስቲ ሰብ ብምንጽጻር፡ ዝሽቑረሩ ደቂተባዕትዮ'ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ከኣ ኣብ ደቂ ተባዕቲዮ ብዙሕ ጸቕጢ ይፈጥር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







