ኣህጉራዊ መዓልቲ ሓጎስ፡ ሕጉስ ንምዃን ዝሕግዙ ሓሙሽተ ሜላታት

ሕጉሳት ገጻት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሕጉሳት ገጻት

20 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሓጎስ ተባሂሉ ይኽበር። ይኹን'ምበር ደስ እንድሕር ዘይበለካ ኣይትጨነቕ፡ ሕጉስ ንምዃን ልምምድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ብዝተፈላላዩ ምኽንያት ሓጎስ ዘይክስማዓና ይኽእል ይኸውን። እዚ ምስ ዝኸዉን፡ ሕጉሳት ንሙዃን ስልጠናን ትምህርትን ይሓትት'ዩ።

ንኣብነት ስነጥበባዉያ፡ ስፖርተኛታትን ንኽስልጥኑ ቐጻሊ ልምምድ ይወስዱ። ብኡ ኣቢሎም ድማ እናተማሓየሹ ኣብ ዓወት ይበጽሑ። ስለዚ ሕጉስ ንሙዃን ድማ ተመሳሳሊ ጻዕሪ ይሓትት።

ኣብ አመሪካ ዩኒቨርሰቲ ዬል፤ ፕሮፈሰር ስነ ኣእምሮን 'ኮግኒቲቭ' ሳይነስን ላዉሪ ሳንቶስ፡ "ሕጉስ ምዃን ብኣጋጣሚ ዝመጽእ ሓሳብ ኣይኮንን፤ ልምምድ ምስ ተዘዉትር ግን ኣብ ዝሓሸ ሕጉስ ህይወት ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ሰፊሕ ይኸዉን" ክትብል ገሊጻ።

ሳንቶስ ንሓደ ጸዋግ ገጽ ዘለዎ ሰብ ናብ ብሩህ ገጽ ዘለዎ ሰብ ናይ ምልዋጥ ኪኢላ'ያ፤ ክፍሊ "ስነ ኣእምሮን ምዕሩይ ህይወትን" ዝብል መደባ ኣብዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዬል ሽም ከም ዝረኸበን ኣብ ታሪኽ ድማ ኣብ መበል 317 ዓመት እታ ቤት ትምህርቲ ብዝሰፍሐ ቑጽሪ ኣስታት 1200 ነጠፍቲ እዚ መደብ ከተመዝግብ ክኢላ።

"ደስታ ወይ ሓጎስ ካብ ሕልና ዝተበገሰ ጻዕሪ ይሓትት፤ ብርክት ዝበለ ግዜ'ዉን ይጠልብ ቐሊል ነገር ኣይኮንን። እዚ ድማ ብሳይንስ ተረጋጊጹ'ዩ" ክትብል'ያ ተረድእ።

ዘይከኣል ነገር የለን እትብል ፕሮፈሰር ሳንቶስ፤ ነዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ሜላታት ኣብ ተግባር ከነዉሎም ተተባብዕ።

1. ዝርዝር ምስጋና ምቕራብ

ሕጉስ ወዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሳንቶስ ንተማሃሮኣ ብሰነድ መሰረት ንምስጋና ይበቅዕ ኢዩ ኢሎም ዝኣምንሉ ሓሳባት ብዝርዝር ከቕርቡ ሓቲታ፤ እዚ ድማ ንሓደ ሰሙን ኮይኑ ለይቲ ለይቲ ዝካይድ ንጥፈት ኢዩ።

እዚ ተግባር ናይ ምስጋና ዝርዝር ተባሂሉ ይጽዋዕ።

"እዚ ንጥፈት ቐሊል ክመስል ይኽእል'ዩ። ኮይኑ ግን ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ነዚ ሜላ ብምጥቓም ሕጉሳት ክኾኑ ርእየ" ኢላ።

2. እኹል ዕረፍቲ ወይ ድቓስ ምዝዉታር

ኣብ ሳዕሪ ዝደቀሰት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሳዕሪ ዝደቀሰት ጓል ኣንስተይቲ

ኩሉ ግዜ ሓደ ሰብ ንኣስታት ሸሞንተ ሰዓታት ክድቅስ ኣለዎ። ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ክፍተን ገይራ።

ኮይኑ ግን እዚ ቐሊል ዝመስል ተግባር ኣዝዩ አጸጋሚ'ዩ ትብል ሳንቶስ።

"እዚ ሓሳብ ቖሎ ጥጥቆ ክመስል ይኽእል። ኮይኑ ግን ኣብ ተግባር ምስ ዝዉዕል ጭንቐት ኣወጊዱ ኣወንታዊ ዝኾነ መንፈስ ድማ ይፈጥር"።

3. ምስትንታን ወይ ድማ ኣዕቕካ ምሕሳብ

ኣብ ኣስተንትመኖ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ሰብ መዓልታዊ ንኣስታት 10 ደቓይቕ ከስተንትን ትምዕድ።

ሳንቶስ፡ ተመሃሪት እንከላ ተደጋጋሚ ምስትንታን ከም ዝጠቐማ ትዛረብ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሳንቶስ ፕሮፈሰር እያ፤ ንተመሃሮኣ ናብ ዝተፈላለዩ መጽናዕቲታት ብምዉካስ ብተግባራዊ ዝኾነ መንገዲ ኣስተንትኖ ብምርኣይ ትተሓጋገዝ። ናይ ስርሖም ንጥፈታት ብኸመይ ናብ ረብሐኦም ቐይሮም ዝሕጎስሉ መገዲ ይፈጥሩ ብዝብል ድማ ሓሳባታ ተካፍሎም።

4. ዝበዝሐ ግዜኻ ምስ ስድረቤትካን ፈተውትኻን ኣሕልፎ

ኣቦን ወድን ኣብ ምዝንጋዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዝተኻየዱ ሓደሽቲ መጽናዕቲ ጠቒሳ፡ ዝበዝሐ ግዜኻ ምስ መዛኑኻን ስደራቤትካን ምስ ተሕልፎ ሓጎስ ይፈጥረልካ- ትብል ሳንቶስ።

ምስ ንፈትዎም ሰባት ዕላል ምክያድ ወይ ድማ "ጥዕና ዘለዎ ማሕበራዉን ዝምድና" ምምስራት ንጉዳይ ጥዕና ደቒ ሰባት ኣዝዩ ሓጋዚ ሙዃኑ ትገልጽ።

እዚ ብዙሕ ዝጠልቦ ነገር የለን ። "ስለዚ እዚ ናይ ሓባር ግዜ ኣገዳሲ እዩ። ምስኣቶም ምስ እትህሉ ግዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ"።

ኣጠቓቕማ ግዜኻ ኣብ ሓጎስካ ዓቢይ ታራ ኣለዎ። "ዝበዝሐ ግዜ ሃብቲ ምስ ገንዘብ ነተኣሳስሮ። ኮይኑ ግን መጽናዕቲ ንሃብቲ ምስ ግዜ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ይገልጽ" ክትብል ሓቢራ።

5. ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝወሓደ ገዜ ምጥቓም

መጻምድቲ ናብ ባሕሪ እናዘለሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ማሕበራዊ መራኸብታት ሓቕነት ዘይብሉ ናይ ሓጎስ መድርኽ ክህበና ይኽል ኢዩ። እነተኾነ ግን ቐልብና ብኡ ንኸይስለብ ከም ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ክረአ ኣለዎ- ትብል ሳንቶስ። ዝበዝሕ ግዘና ኣብ ሓቃዊ ዓለም ክነሕልፍ ትምዕድ።

ፕሮፌሰር ሳንቶስ እናምሃረት

ምንጪ ስእሊ, Yale University OPAC

ሓድሽ መጽናዕቲ ፡ ከም ኢንስታግራም ዓይነታት ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቐምቲ ካብቶም ዘይተጠቐምቲ ንላዕሊ ሕጉሳት ከም ዘይኮኑ ይገልጽ።

እቲ ሜላ፡ ንተምሃሮ ዬል ዩኒቨርስቲ እንተሰሪሑ ንዓኻ ወይ ከኣ ንዓኺ ዘይሰርሐሉ ምኽንያት ኣይህሉን።

መግለጺ ቪድዮ, ሰባት 'ጥዑይ ዲኻ' እንዳበሉ ስሐቕ ይጅምሩ።