ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ዕርቅን ሰላምን ኣብ ምውራድ እንታይ ግደ ኣለዋ?

ስላሴ ካቴድራል ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትካላት ሃይማኖት፡ ሃይማኖት ከይፈለያ ሰላም፣ ፍቕሪን ምክኣእልን ከስፍና ዓብይ ልኡኽ ሓንጊጠን ይንቀሳቐሳ።

ኣብ ሃገረን ጥራሕ ኣይኮናን ብብርኪ ዓለም ሰላም ክሰፍንን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክጉልብትን ዘይነዓቕ ተራ ኣለወን።

ኢትዮጵያ ፌደራላዊ መንግስቲ ካብ ትምስርት ርእያቶ ዘይትፈልጥ ናዕብታትን ምፍሳስ ደምን ምምዝባልን እንተጋጥማ፡ ንብረት ህዝብን መንግስትን እንትባድ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዕርቅን ሰላምን ኣብ ምፍጣር እንታይ ግደ ነይርዋ?

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ብዘጋጠመ ናዕቢ ፣ ብሄር ተኮር መጥቃዕትን፣ ፖለቲካዊ ምውጣጥን ዝወለዶም ብርክት ዝበሉ ጎንፅታት ተላዒሎም፡ ንፋስ ሰላምን ሓድነትን ኣብ ሕቶ ኣትዩ ጸኒሑ።

ኣብ ጎንደርን ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮምያን ዝነበረ ጃምላዊ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ፣ ኣብ ክልል ሶማል፣ ጋምቤላን ደቡብን ዘጋጠመ ሕድሕድ ጎንፅን ስዒቡ ዝተፈጠረ ምምዝባል ዜጋታትን ምፍሳስ ደምን ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮታት እዮም።

ነዞም ኣጋጣምታት ዓለም ለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን ክኹንንዎም ፀኒሖምን።

እዚ ዘይዛሪ ናዕቢን ዕግርግርን፣ ሕድሕድ ምጥቕቓዕን ምፍሳስ ደምን ካብ ምስዓብ ብዝዘለለ፡ ሃዋህው ፖለቲካዊ እታ ሃገር እውን ክልወጥ ዘገደደ ኣጋጣሚ'ዩ።

ክልተ ግዝ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክእውጅ ምኽንያት እንትኾን፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር እታ ሃገር ሃይለማርያም ደሳለኝ'ውን ብዓርሰ ፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ምኽንያት ኾይኑ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዝሽየሙ ንነዘ፡ እቲ ናዕቢ ዝሃድአ እንተመሰለ'ዉን፡ ሕዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታትን ክልላት እታ ሃገር ምፍሳስ ደም፣ ምምዝባል፣ ብሄር ተኮር መጥቃዕትን ምጥፋእ ህይወትን፡ ምጥራጣራትን መልክዑ ቐይሩ ይቕፅል ኣሎ።

"ኣብያተ ክርስትያን እንተዝጥዕያ ነይረን"

ምሁር ስነ-መሎኮትን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዯጵያ ኣባል ስራሕ ፈፃሚ፡ ማሕበር ስነ-መለኮትን ኣይተ ተፈሪ የማነ፡ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክትስትያን እታ ሃገር፡ ኣብታ ሃገር ዘጋጠሙ ቅልውላው ክፈትሓን ኣብ ማሕበረሰብ ጎንፅታት ንከይፍጠር ክሰርሓን እኳ እንተተገብአን፡ ሕዚ ዘሎ ብፍላይ መሪሕነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን እታ ሃገር ግና ሰላምን ዕርቅን ኣብ ምስፋን ኣይንቀሳቐስን ብምባል ይነቅፉ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብቲ ማሕበረሰብ፡ ጎንፂ ከይፍጠር ዝሰርሓ ኣይነበራን። ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣመራርሓ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ግዕዝይናን ኣብ ምጥቕቓምን ስለዘለዉ እዮም። ኣብያተ ክርስትያናት እንተዝጥዕያ ነይረን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ፍቕርን ምዓሰለ ነይሩ" ይብሉ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተርኣየ ኣጋጣሚ ብምዝካር።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ቤተ-ክርስትያን ሳህሊተ ምህረት፡ ዝነበረ ሓለቓ ሃፍቲ እታ ቤተክርስትያን ንውልቅኡ ኣውዒሉ ብዝብል፡ ህዝቢ ወቒዖም እዮም ኣባሪሮሞ። ናይዚ መረዳእታ ድማ፡ ንሱ ምስ ተባረረ እታ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ክሳብ 7 ሚልዮን ብር ክትረክብ ክኢላ እያ።

"እዚ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ግና ቤት-ፍርዲ እዩ ዝከታተሎ ዘሎ። ዋላ እቶም ፓትሪያሪክ እውን እቲ ጉዳይ ብቀኖና ዝፍታሕ ምዃኑ ረሲዖሞ፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ቤት-ፍርዲ ከርተት ይብል ኣሎ።"

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰል፣ ኣብ ባይቶ ወከልቲን ቤት-ፍርዲን ልዕሊ 250 ክስታት ካህናት ከምዘለዉ ይገልፁ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣይኮነን'ዶ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፀገም ክትፈትሕ ኣመራርሓ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሕማቕ ግዕዝይና ጥሒሎም ከምዝርከቡ ብምስማር።

ነባሪ ከተማ መቐለ ዝኾነ፡ ኣይተ ካሕሳይ ሃይሉ ድማ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነዘ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝተልዓለ ፖለቲካዊ ናዕብን ጎንፅታትን ኣብያተ ክርስትያናት እንከይፈተሕኦ ብዙሓት ግዳያት ሞት ንክኾኑን ሃፍቲ ንክባድምን ምኽንያት ምዃኑ ከምዘሕዝኖም ይገልጽ።

"ልዕሊ 95 ሚእታዊ ኣማኒ ማሕበረሰብ ኣብ ዘለውዋ ሃገር፡ ከምዚ ዓይነት ምግጣሙ ብጣዕሚ እየ ሓዚነ። ኣብያተ ክርስትያናት እውን በቲ ዝነበረ ማሕበራዊን ፖለቲካውን ኩነታት ስለዝተፀለዋ፡ ፀገማት ንምፍታሕ ግደ ኣይነበረንን።

ኣብያተ ክርስትያናትን ሃይማኖት መሰረት ገይረን ዝተመስረታ ትካላትን ናብ ብሄረተኝነትን ፖለቲካን ብምእታው ኣብ ክንዲ ዕርቂ ቤንዚን እየን ዘርከፍክፋ ነይረን" ይብል መንእስይ ካሕሳይ።

ምሁር ስነ መለኮት ኣይተ የማነ እተን ኣብያተ ክርስትያናት፡ ብፍላይ ድማ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ናይ መንግስታት ፖለቲካዊ ኣንፈት እናሰዓባ ምስርሓን ይኹንኑ።

"መብዛሕትአን ነቲ ዝተጣየሻሉ ዕላማ እንተይኮነስ፡ ኣንፈትን ትኹረትን መንግስታት ተኸቲለን ስለዝሰርሓ፡ ሰላምን ዕርቅን ኣብ ምስፋን ግደ ኣይብለንን። ግና ልዕሊ ፖለቲካን ዲፕሎማስን ዓብይ ኣስተዋፅኦ ክህልወን ምተገብአ" ይብሉ።

ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት እታ ሃገር፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ይረኣዩ ዘለዉ ፀገማት ክፈትሓ እንተኮይነን፡ ፈለማ ኣመራርሓ እተን ኣብያተ ክርስትያናት ካብ ዝጠሓልዎ 'ግዕዝይናን ዘርኣውነትን' ክናገፉ ከምዝግባእ እዮም ዝሕብሩ ዘዘራረብናዮም ኣካላት።

ብፍላይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝተጋገየ መገዲ እያ ዘላ፡ ዝብሉ ምሁር ስነ መለኮት ኣይተ የማነ፡ "ፖለቲካ ካልእ እዩ ሃይማኖት እውን ካልእ እዩ። ሃይማኖት ዓርሞ የብሉን፡ ደረት ኣልቦ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብያተ ክርስትያን ልዕሊ እቲ ናይ ፖለቲካዊ ፅልኢ እቲ ሃይማኖታዊ ፍቕሪ ይዓቢ" ብምባል፡ ኣብዚ ክሰርሓ ከምዝግባእ የገንዝቡ።

"ቤተ ክርስትያንና እናሰርሐት መፂኣ እያ"

ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ሓላፊ ክፍሊ ትምህርትን ስልጠናን ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ብወገኖም፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝረኣይ ዘሎ ሕድሕድ ጎንፂን ምፍሳስ ደምን ከብቅዕ፡ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ እናሰርሐት ከምዝመፀት እዮም ዝሕብሩ።

"ህዝቢ ኢትዮጵያን መናእሰይን ናብ ሰላም ንክዓስሉ፡ ዘለዎም ሕቶ እውን ብሰላም ከቕርቡ፡ ቤተ ክርስትያንና ኣዝያ እናሰርሐት እያ መፅያ" ይብሉ ንቢቢሲ ትግርኛ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ውሽጣ ዝረኣይ ዘሎ ፀገምን ምፍልላይን ንምፍታሕ ትፅዕር ከም ዘላ ድማ ወሲኾም ይዛረቡ።

" ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ፍልልይ ክፍታሕ፣ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዘለዉ ጳጳሳት እውን ናብ ኢትዮጵያ ንክመፁን ሓደ ኣካል ንክኾኑን እናፀዓረት እያ" ኢሎምና።

ምሁር ስነ መለኮት ኣይተ ተፈሪ የማነ (ፀጋም)፡ ኣይተ ካሕሳይ ሃይሉ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, TEFERI YEMANE, KAHSAY HAYLU

መግለጺ ስእሊ, ምሁር ስነ መለኮት ኣይተ ተፈሪ የማነ (ፀጋም)፡ ኣይተ ካሕሳይ ሃይሉ (የማን)

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕምድ ኣብ ቀርባ እዋን ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ግዐዝይናን ምቅርሓንን ክፍታሕ ጻውዒት ምግባሮም ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ንዓመታት ዝዘለቐ ሓርፋፍ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ንቡር ንምምላስ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ እወንታዊ ምላሽ ረኺቡ እዩ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ እውን ዋላ እኳ ዕላዊ እንተዘይኮነ፡ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ ንከብቅዕ እናሰርሐት ከምዝመፀት እዮም ኣባ ሰረቀብርሃን ዝዛረቡ።

"ኣብ ግዘ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስን ኣብ ቀረባ እዋናትን፡ እታ ቤተክርስትያን ምስ ቤተክርስትያን ኖርወይ፣ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ምስ ዝርከቡ ኣቦታት ሃይማኖት ኤርትራን ብምትሕብባር፡ ቅድሚ ሕዚ ሓደ ህዝቢ ኣብ ሞንጎ ዝነበረ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ እናፀዓረት ፀኒሓ እያ፣ ሕዚ እውን ምሉእነት ክረክብ ትሰርሕ ኣላ" ይብሉ።

መፃኢ ተስፋ......?

ዘዘራረብናዮም ኣካላት ግና፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ፡ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ዋዒን ዛሕልን እናረኣዩ 'ምበር፡ ከምቶም ነቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ክቓንዩ፣ ከምህሩ፣ ከረድኡ ዝኽእሉ መራሕቲ ከምዘይኮኑ እዮም ዝገልፁ ።

"ሓደ መራሒ እንትመፅእ ናብ ኣደባባይ ወፅዮም ምብራኽን ምንኣድን 'ምበር፡ ነቲ መራሒ ናይ ቤተ-ክርስትያንን ናይ ህዝቢን ድሌት ብምንጋር ልኡኽ ኣይህብዎን። ስለዝኾነ ድማ ፡ ካብ ትካላት ሃይማኖት እንፅበዮ ነገር በብዕለቱ እናወሓደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።" ይብሉ ኣይተ የማነ ብቐቢፀ ተስፋ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕድሕድ ጎንፅታትን ምፍሳስ ደምን ንከብቅዕ፡ ኣብ ልቢ ሕብረተሰብን መራሕቲ ሃይማኖትን ዘሎ ህልኽ፣ ምጉጅጃልን ብሄርተኝነትን ኢሉ እውን ዝረኣዩ ዘለዉ ፀለመታትን ከብቅዕን፡ ዘይምዕሩይ ዝኾነ ፖለቲካውን ዓሌታውን ኣተሓሳስባታት ክሕፀብ ከምዝግባእ እዮም ኣይተ ካሕሳይ ዝሕብሩ።