ሃይማኖት፡ ራስ-ተፈራያን ማዕረ ካልኦት ሃይማኖታት ምዃኑ ሓደ ኬንያዊ ዳኛ በዪኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ኬንያዊ ዳኛ ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ 'ራስተፈሪነት' ማዕረ ካልኦት ሃይማኖታት ክስራዕ ከም ዘለዎ በይኑ።
ሓደ ቆልዓ ጸጉሩ ስለዝተቖነነ (ድረድሎክስ) ካብ ትምህርቲ ድሕሪ ምስጓጉ'ዩ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።
እቲ ተምሃራይ ናይቲ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ኦሊምፒክ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ወዲ 15 ዓመት፡ ጸጉሩ ስለዝቖነኖ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ተኣጊዱ።
ኣካየድቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ፡ እቲ ቁናኖ ኣካል 'ዩኒፎርም' ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣይኮነን ብዝብል'ዮም ነቲ ተምሃራይ ሰጒጎሞ።
እንተኾነ ግና፡ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤኖክ ቻቻ፡ ኣሰራርሓ ናይቲ ጸጉሪ ንእምነት ራስተፈሪ ዝገልጽ ብምዃኑ፡ እቲ መምርሒ ቅዋማዊ ኣይኮነን ክብል ፍርዱ ሂቡ ክብል 'ዘ ስታር' ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ሃጋር ሓቢሩ።
"ቆልዑ ቅዋማዊ ዝኾነ መሰል ትምህርቲ ኣለዎም። ጸጉራ ራስታ ምግባራ ድማ ንእምነታ ዝገልጽ'ዩ፡ ክትላጸ ምግዳድ ድማ ጌጋን ንሃይማኖታ ዝጻረርን'ዩ"።
ኣቦ እታ ጓል፡ ነቲ እገዳ ብምቅዋም ነቲ ጉዳይ ናብቲ ላዕለዋይ ቤት ፈርዲ ብምውሳድ፡ እቲ ቤተሰብ ተኸታሊ ራስተፈሪነት ምዃኑ መጒቱ።
እታ፡ ቀዳማይ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ትምሃር ዘላ ቆልዓ፡ ትምህርታ ክትቅጽል ግዝያዊ ትእዛዝ ብዝሃቦ መሰረት፡ ትምህርታ ትከታተል ኣላ።
ቅዋም ኬንያ፡ መሰላት እምነት፡ ሕልና፡ ሃይማኖት፡ ሓሳብን ርእይቶን ዘውሕስ'ዩ።
ራስተፈሪነት ኣብ 1930ታት ኣብ ጀማይካ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ሽዑ ራስ ተፈሪ መኮነን፡ ድሒሩ ሃጸይ ሃይለስላሰ ከም ኣምላኽ ዝርኢ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







