ጉዳይ ምቛም 'ቤት ጽሕፈት ቤተክህነት ኦሮሚያ' ኣብ 30 መዓልታት ክምለስ ገደብ ግዜ ተቐሚጡ

ቀሺ በላይ መኮነን (ማእከል)
መግለጺ ስእሊ, ቀሺ በላይ መኮነን (ማእከል)

'ቤት ጽሕፈት ቤተ ክህነት ኦሮሚያ' ከቕውም ዝሰርሕ ዘሎ ኣወሃሃዲ ኮሚቴ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክምልስ ገደብ ግዜ ኣቐሚጡ።

እንተዘይኮይኑ ግን "ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ከምዝወስድ" እቲ ኮሚቴ ገሊጹ ኣሎ።

ኣካቢ ናይቲ ኮሚቴ ዝኾኑ ቀሺ በላይ መኮንን ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ሕቶ ቅድም ኢሉ ቀሪቡ ምንባሩን "ኣብ እዋን ፓትርያርክ ኣቡነ ጳውሎስ ኣድላይነቱ ተኣሚንሉ ከምዝነበረን" ገሊጾም።

እቲ ብቀሺ በላይ መኮንን ዝምራሕ ኮሚቴ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኮይኑ፡ ግን ድማ ብደረጃ ክልል ኦሮሚያ 'ቤት ጽሕፈት ቤተክህነት' ክቐውም እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

"እቲ ሕቶ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሲኖዶስን ሓደ ፓትርያርክን ምምራሕ ከምዘሎ ኾይኑ፡ ናይ ዶግማን ቀኖናን ለውጢ ከይተገበረ፡ ናይ ምሕደራ ጸገም ዝፈትሕ መሓውር ንክህሉ ጥራይ እዩ" ኢሎም።

ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ተቐቢሉ እንተደኣ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ፍቓድ ሂቡ "ኣመዳድባ ሓይሊ ሰብን ኣፈጻጽምኡን ብዝምልከት፡ እዚ ኮሚቴ ምስ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኮይኑ ብሓባር ክሰርሕዎ እዮም" ኢሎም ቀሺ በላይ።

"ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘይውስን እንተኾይኑ ግን፡ ጸገም ናይታ ቤተክርስትያን ንምፍታሕ፡ ነቲ ዝተበተነ ምእመን ንምእካብን፡ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስን" ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወስድ እቲ ኮሚቴ ኣጠንቂቑ።

እታ ቤተክርስትያን "ብዝተፈላለየ ቋንቋ ናብ ዝተፈላለየ ሕብረተሰብ" ተበጻሕነት ክህልዋ ከምዝግባእ ዝገለጸ እቲ ኮሚቴ፡ ነዚ ንምግባር ድማ መሓውር ወሳኒ እዩ ኢሉ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ "[ንኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን] ከም ጓና ናይ ምርኣይ ዝንባለ" ከምዘሎ ዝገለጹ እቶም ቀሺ፡ ነዚ ንምፍታሕ ንቋንቋ ኦሮምኛ ኣድህቦ ዝህብ ክልላዊ ቤት ጽሕፈት ቤተክህነት ምቛም ኣድላይ ምዃኑ ገሊጾም።

ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ግን፡ ንምንቅስቓስ እዚ ኮሚቴ ብጽቡቕ ኣይተቐበሎን። ብቀዳም፡ መንግስቲ ነቲ ሎሚ ዝተውሃበ መግለጺ ደው ከብሎ ቀዲሙ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ቤተክህነት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ቤተክህነት ኦሮሚያ ንምቛም ዝቐርብ ሕቶ ምእመናን ዘትዮምሉ እዩ ክመጽእ ዝግበኦ እምበር፡ ብድልየት ውሑዳት ሰባት ኣይኮነን" ኢሎም ነይሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣካቢ ናይቲ ኮሚቴ ዝኾኑ ቀሺ በላይ መኮነን፡ ዋላኳ ቅድም ክብል ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ልዑል ሓላፍነት እንተነበሮም፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓባሲ ንብዓት ክልል ኦሮሚያ ምዃኖም ብምጥቃስ ምንቅስቓስ ናይቲ ኮሚቴ ግቡእ ዘይምዃኑ ምግላጾም ይዝከር።