ፕረዚደንት ጀርመን፡ ብምኽንያት ካልኣይ ኩናት ዓለም ንፖላንድ ይቕሬታ ሓቲቱ

ፕረዚደንት ጀርመን ፍራንክ-ቫልተር ሽታኝማየር (ጸጋም)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ጀርመን ፍራንክ-ቫልተር ሽታኝማየር (ጸጋም) ንፖላንድ ይቕረታ ሓቲቱ

ፖላንድ ብምኽንያት "ምልኪ" ናዚ ንዝበጽሓ በደል ይቕረ ክትብል ፕረዚደንት ጀርመን ፍራንክ-ቫልተር ሽታኝማየር ሓቲቱ።

ሽታኝማየርን ካልኦት መራሕቲ ዓለምን፡ ነቲ ቅድሚ 80 ዓመት ዘጋጠመ ምጅማር ካልኣይ ኩናት ዓለም ክዝክሩ ኣብ ፖላንድ ተኣኪቦም ኣለዉ።

ሰምበት ንጉሆ፡ ኣብታ ፈለማ ብቦምባታት ጀርመን ዝተደብደበት ፖላንዳዊት ከተማ ቬሉኘ ስነስርዓት ዝኽሪ ተኻይዱ።

ሽታኝማየር ነቲ "ምሉእ ንምሉእ ዕንወት ንምፍጸም ካብ ምድላይ ዝተበገሰ" ዝበሎ መጥቃዕቲ ኮኒኑ።

"ግዳያት ምልኪ ጀርመን ንዝኾኑ ፖላንዳውያን፡ ድንን ኢለ ይቕሬታ እሓቶም" ኢሉ ሽታኝማየር።

ሰምበት ድሕሪ ቀትሪ፡ ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርክልን ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ማይክ ፔንስን ሓዊሱ፡ ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ኣብ ርእሰ ከተማ ፖላንድ፡ ዋርሳው ተኣኪቦም ዝኽሪ ከካይዱ እዮም።

ሽታኝማየር ንዝኽሪ ግዳያት ሕቑፊ ዕንበባ ኣንቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሽታኝማየር ንዝኽሪ ግዳያት ሕቑፊ ዕንበባ ኣንቢሩ

ፖላንድ ብምክንያት ካልኣይ ኲናት ዓለም ገዚፍ ማህሰይቲ እዩ በጺሒዋ። ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ዜጋታት ተቐቲሎምዋ እዮም።

ድሕሪ 80 ዓመታት፡ ፖላንድ ንዝበጽሓ ቅትለትን ዕንወትን ካብ ጀርመን ካሕሳ ትሓትት እያ ዘላ።

ብባይቶ ፖላንድ ዝቖመ ሓደ ኮሚቴ፡ መጠን እቲ ካሕሳ ክንደይ ክኸውን ኣለዎ ንዝብል የጽንዕ እኳ እንተሃለወ፡ ጀርመን ግን እቲ ጉዳይ ተወዲኡ ዝሓደረ እዩ በሃሊት እያ።

ካልኣይ ኲናት ዓለም ብኸመይ እዩ ጀሚሩ?

ወጋሕታ 1 መስከረም 1939፡ ሓይሊ ኣየር ጀርመን ንከተማ ቬሉኘ ደብዲብዋ። እታ ከተማ ዋላ ሓደ ወተሃደራዊ ኣገዳስነት ዘይነበራ እያ። በቲ ደብዳብ ኣሸሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝግመት ኮይኑ፡ ኮነ ተባሂሉ ነቲ ሰላማዊ ህዝቢ ንምሽባር ዝተገብረ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ጀርመን ንከተማ ዋርሳው ምስ ደብደበታ ዘጋጠመ ዕንወት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጀርመን ንከተማ ዋርሳው ምስ ደብደበታ ዘጋጠመ ዕንወት

ብትእዛዝ መራሒ ናዚ ጀርመን ኣዶልፍ ሂትለር፡ እዚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ወተሃደራዊ ወፍርታት ደው ክብል ብሪጣንያ ገደብ ግዜ ኣቐሚጣ።

እዚ ገደብ ግዜ ዕሽሽ ምስተባህለ፡ 3 መስከረም፡ ብሪጣንያን ፈረንሳይን ኣብ ልዕሊ ጀርመን ኲናት ኣዊጀን። እዚ ኲናት እዩ እምበኣር ንሽዱሽተ ዓመታት ቀጺሉ፡ ምኽንያት ሞት ብዓሰርተታት ሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ኮይኑ።