ፕረዚደንት ጀርመን፡ ብምኽንያት ካልኣይ ኩናት ዓለም ንፖላንድ ይቕሬታ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፖላንድ ብምኽንያት "ምልኪ" ናዚ ንዝበጽሓ በደል ይቕረ ክትብል ፕረዚደንት ጀርመን ፍራንክ-ቫልተር ሽታኝማየር ሓቲቱ።
ሽታኝማየርን ካልኦት መራሕቲ ዓለምን፡ ነቲ ቅድሚ 80 ዓመት ዘጋጠመ ምጅማር ካልኣይ ኩናት ዓለም ክዝክሩ ኣብ ፖላንድ ተኣኪቦም ኣለዉ።
ሰምበት ንጉሆ፡ ኣብታ ፈለማ ብቦምባታት ጀርመን ዝተደብደበት ፖላንዳዊት ከተማ ቬሉኘ ስነስርዓት ዝኽሪ ተኻይዱ።
ሽታኝማየር ነቲ "ምሉእ ንምሉእ ዕንወት ንምፍጸም ካብ ምድላይ ዝተበገሰ" ዝበሎ መጥቃዕቲ ኮኒኑ።
"ግዳያት ምልኪ ጀርመን ንዝኾኑ ፖላንዳውያን፡ ድንን ኢለ ይቕሬታ እሓቶም" ኢሉ ሽታኝማየር።
ሰምበት ድሕሪ ቀትሪ፡ ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርክልን ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ማይክ ፔንስን ሓዊሱ፡ ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ኣብ ርእሰ ከተማ ፖላንድ፡ ዋርሳው ተኣኪቦም ዝኽሪ ከካይዱ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፖላንድ ብምክንያት ካልኣይ ኲናት ዓለም ገዚፍ ማህሰይቲ እዩ በጺሒዋ። ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ዜጋታት ተቐቲሎምዋ እዮም።
ድሕሪ 80 ዓመታት፡ ፖላንድ ንዝበጽሓ ቅትለትን ዕንወትን ካብ ጀርመን ካሕሳ ትሓትት እያ ዘላ።
ብባይቶ ፖላንድ ዝቖመ ሓደ ኮሚቴ፡ መጠን እቲ ካሕሳ ክንደይ ክኸውን ኣለዎ ንዝብል የጽንዕ እኳ እንተሃለወ፡ ጀርመን ግን እቲ ጉዳይ ተወዲኡ ዝሓደረ እዩ በሃሊት እያ።
ካልኣይ ኲናት ዓለም ብኸመይ እዩ ጀሚሩ?
ወጋሕታ 1 መስከረም 1939፡ ሓይሊ ኣየር ጀርመን ንከተማ ቬሉኘ ደብዲብዋ። እታ ከተማ ዋላ ሓደ ወተሃደራዊ ኣገዳስነት ዘይነበራ እያ። በቲ ደብዳብ ኣሸሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝግመት ኮይኑ፡ ኮነ ተባሂሉ ነቲ ሰላማዊ ህዝቢ ንምሽባር ዝተገብረ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብትእዛዝ መራሒ ናዚ ጀርመን ኣዶልፍ ሂትለር፡ እዚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ወተሃደራዊ ወፍርታት ደው ክብል ብሪጣንያ ገደብ ግዜ ኣቐሚጣ።
እዚ ገደብ ግዜ ዕሽሽ ምስተባህለ፡ 3 መስከረም፡ ብሪጣንያን ፈረንሳይን ኣብ ልዕሊ ጀርመን ኲናት ኣዊጀን። እዚ ኲናት እዩ እምበኣር ንሽዱሽተ ዓመታት ቀጺሉ፡ ምኽንያት ሞት ብዓሰርተታት ሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ኮይኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







