ተራ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ኣብ ህይወት ኤርትራውያን

መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ

ምንጪ ስእሊ, ሳ.ቃ

ኣብ ወጻኢ ንዝመደበሩ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ፡ "ነቲ ብማዕከናት መንግስቲ ዘይንገርን ዘይተነግረን ከም ማእስርቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ጋዜጠኛታትን፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣኽርያን ከረንን ዝኣመሰለ እሙን ዜናታት ናብ ህዝቢ ዘብጽሕ መርበብ እዩ" ክብል ይገልጾ መንእሰይ ግርማይ መርሃዊ።

እዛ መርበብ ሓበሬታ እዚኣ ብ 01 መስከረም 2000፡ ሳልሕ "ጆሃር" ቃዲ ብዝተባህለ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዝነብር ኤርትራውን ክልተ ብጾቱን እያ ተመስሪታ።

ኣብ'ቲ እዋን'ቲ፡ ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ብስምምዕ ኣልጀርስ ዝዓረፈሉን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክኣቱ እዩ ዝበሃለሉን፡ ብዛዕባ እቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ አዕናዊ ኩናትን ውጺኢቱን ጽዑቕ ክትዓት ዝካየደሉ እዋን እዩ ነይሩ።

መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ከኣ ህዝቢ ዝተፈለላለየ ሓበሬታ ሰሚዑ ህሉው ኩነታት ንክመዝን ጽቡቕ ዕድል ፈጢሩ ይብል ነታ መርበብ ካብ ነዊሕ ዝከታተላ ዮውሃንስ በርሀ።

"ሳልሕ ቃዲ፡ ሓቂ ረጊጹ ዝምጉት ንፉዕ መዳራይ፡ ዓገብ ንዝበሃል ነገር ዘይሰግር፡ 'ደሃይ' ኣብ ዝበሃል መርበብ ኤርትራውያን ብትብዓት ርእይቶኡ ዝገልጽ ደፋር ሰብ'ዩ ነይሩ" ይብል ካብ ነዊሕ እዋን ዝፈልጦ ዳዊት መስፍን።

ይኹን እምበር እቶም መንግስቲ ክውቀስ የብሉን ዝብሉ ተሓለቕቲ ግን ኣብ ክንዲ ነቲ ሓሳብን ርእይቶን ዝገጥሙ፡ ከም ለማናይ፡ "ኪደልና - ይርዳእካ" ይብልዎ ከምዝነበሩ ይዝክር ዳዊት። ሳልሕ ከኣ ነቲ ኣግላሊ ባህሪ ርእዩ ምስ ብጾቱ ተሓባቢሩ ኣብ መስርሕ ልዑል ተቐባልነት ዘሕደረት መርበብ ዓወተ መስሪቱ፡ ንህዝቢ ተወሳኺ ምንጪ ሓበሬታ ኣቕረበሉ።

ንምዃኑ ስለምንታይ 'ዓዋተ' ዚብል ሽም መረጸ?

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ ዓቢ ታሪኽ ዘሎዎ ተዋጋኢ ኢዩ ነይሩ፣ ብግዜ ግዝኣት ጣልያን ዓስከር ከም ዝነበረ፡ ቋንቋ ጣልያን ዚዛረብን ዝጽሕፍን፡ ከምኡ'ውን ዓረብኛን 3-4 ናይ'ቲ ዞባ ቋንቋታትን ዝጥቀም ናይ ቋንቋ ክኢላ'ዩ ነይሩ።

ካብ ተራ ዓስከር ጀሚሩ ናብ መዓርጋት ሙንታዝ፡ ቡሉቕባሽ፡ ሹምባሽ ዝሰገረ፡ በሊሕ ወትሃደርን ኵነታት ዓለም ዝከታተልን ክመዝንን ዝኽእል ሰብ ነበረ።

እንግሊዝ ንጥልያን ስዒሩ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ድማ ሸፊቱ ንእንግሊዝ ኰነ ንፖሊስ ኤርትራ ላሕ ዘበለ ተዋጋኢ ነበረ።

ኢትዮጵያ ንግዝኣት ኤርትራ ንኽትጥቕልል፡ ንኤርትራውያን ደቀባት ሸፋቱ መልሚላ ንቐጽሪ ደለይቲ ናጽነት ተጻብኣቶ። ሓምድ ከኣ ነዚ ዅሉ ድሕሪ ምዕዛብ ኣብ ልዕሊ ኣንድነታውያን ጽልኢ ሓደሮ። ሽዑ ሽፍትነቱ ምስ ፖለቲካ ኣወሃሂዱ ክሰርሕ ከምዝጀመረ ሰነዳት ይሕብሩ።

እምበኣርከስ ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ፡ ንናጽነት ኤርትራ ብረታዊ ግብረመልሲ ዝሃበ ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ ነበረ። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኸኣ ከም ፈላሚ ብረታዊ ቃልሲ ኢዩ ዚዝከር። ብዛዕባኡ ሓደ ብሃይለስላሴ ወልዱ መጽሓፍ ተጻሒፉ ኣሎ።

ሳልሕ ቃዲ

ምንጪ ስእሊ, ሳ.ቃ

ካብ 'ድሃይ' ናብ 'ዓዋተ.ኮም'

መርበብ ዓዋተ ምስ ተመስረተ "ዓዋተ.ኮም ምምስራት ንምንታይ ኣድለየ? እናበሉ ብዙሓት ሰባት ይሓቱኒ ነይሮም" ይብል ሳልሕ። "ንዓይ ምኽንያቱ ብሩህ'ዩ ነይሩ ... ኤርትራ ሓራ ወጺኣ ኢልና ካብ 1991 - 1998 ብዓቕሊ ኵነታት ኤርትራውያን ክመሓየሽ ብዓቕሊ ተጸቢና፣ ኣብ ክንዲ ዝምሓየሽ ግን እቲ መንግስቲ ነቲ ሓልዮት ህዝቢ ክብለጸሉ ጀመረ፣ ኣካዪድኡ ሕብረ-ብዙሕነት ንኸተኣታቱ ዘይኰነስ ኣሃዱኣዊ ኣመራርሓ ከጽንዕ ጀመረ" እናበለ ነቲ ናይ ሽዑ ኵነታት ይገልጾ።

"ኤርትራውያን ምስ ጽቡቕ ድልየቶም ኣብ ዳግማይ ምህናጽ ሃገር እጅጊኦም ሰብሲቦም ክቐርቡ ብብልሓት ምንጻግ፣ ኣብ ስደት ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ንዓዱ ንኸይምለስ 'ጌና ኣይተደራጀናን' ብዜስምዕ ምስምስ ከም ዘይምለስ ምግባር፣ መናበሪኡ እትዀኖ ቤት ንክሃንጽ ድልው ንዝነበረ ዜጋ ስእሊ ማስተር-ፕላን ምስ ወዳእና ቤትኩም ንኽትሰርሑ ዕድል ክወሃበኩም'ዩ ብምባል ምድንጓይ፡ ትካል ንኽተክል ዝተበገሰ ዜጋ ኣብ ዘይውዳእ ቢሮክራስያዊ ኮለል ኣእቲኻ ተስፋ ከም ዝቘርጽ ምግባር" ከምዝነበረ ይሕብር ሳልሕ።

"ኩናት ዶባት መስ ኣጋጠመ ሓበሬታ ተዓጽዩን ጠፊኡን፡ ኣብ ደሃይ እውን ከም ልብኻ ክትዛረብን ሓሳብካ ክትገልጽን ስለዘይተኻእለ ዓገብ እንብለሉ መድረኽ ክንፈጥር ተገዲድና" ይብል ሳልሕ።

ሕልምታት ሳልሕ 'ጆሃር' ቃዲ

ሳልሕ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ኢዩ ነይሩ። በቲ ብ 70'ታትን ፈለማ 80'ታትን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘጓነፈ ዉግእ ሓድሕድ ምኽንያት ሳልሕ ንስደት ኣምርሐ፣ ኣብ ኩዌት ከኣ ሓድሽ ናብራ መስረተ።

ኣብኡ ንግዳዊ ኣማኻሪ ኮይኑ ጽቡቕ እውን ሰጒሙ። ፓስፖርቱ ክወድቕ ምስ ቀረበ ግን ኣይሰለጦን። "ኤምባሲ ኤርትራ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ነቐፌታዊ ጽሑፍ ይጽሕፍ ስለዝነበርኩ ከልኪሉኒ" ይብል።

ብድሕሪኡ ብምትሕግጋዝ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር. ናብ ሕ.መ.ኣ. ኣተዩ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ከም ናቱ ሽግር ዝነበሮም ኤምባሲ ኤርትራ ምትሕብባር ዝነፈጎም ኤርትራውያን መንግስተ-ኣልቦ (stateless) ኰይኖም ክከላበቱ ይዕዘብ ስለዝነበረ ብኣታቶም ክሕለቕን ክጣበቕን ጀመረ።

ካብኡ ንደሓር ከኣ ቀንዲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ክንቀሳቐስን ክጽሕፍን ጀሚሩ - ዕስራ ዓመቱ መሊኡ እነሆ።

"ናይ ቃልሲ ባይታ ዝፈጠረትለይ ፍቕርቲ በዓልቲ ቤተይ እያ" ብምባል ዕዙዝ ምስጋና የቕርበላ። "ህይወተይ ብጥብቅና ሰብኣዊ መሰላት ምስተዋሕጠ ንናብራ ገዛና ኣጽኒዓ ሒዛቶ። ንሳ እንተዘይትድግፈኒ ኣይምኸኣልክዎን" ከኣ ይብል ሳልሕ።

ሳልሕ ቃዲ

ምንጪ ስእሊ, ሳ.ቃ

ሳልሕ ሓደ ካብቲ ተጊሁ ዝሰርሓሉ ጕዳያት ምቅርራብ ሰባት'ዩ። "ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ብዝሐ ብሄራት፡ ሃይማኖታት፡ ቋንቋታት ሰባት ኣጽቢቦም ክትርጕምዎ ክርኢ ዓቕለይ ይጸበኒ" ይብል ደቂ ከበሳን መታሕትን ንሓድሕዶም ተረዳዲኦም ተኸባቢሮም ፍሉይነቶምን ብዙሕነቶምን ከም ጸጋ ክጥቀሙሉ ካብ ምድላይ።

ሓደ ሓደ ንሳልሕ ብቀረባ ዘይፈልጥዎ ሰባት፡ በታ 'ሳልሕ' እትብል ዳርጋ ብዓብላልነት እስላም ዝጽውዑላ ስሙ ጥራሕ" ከም ኣኽራሪ ኣስላማይ ዝርእዩዎ ሰባት ምህላዎም ብቐረባ ዝፈልጡዎ ሰባት ይዛረቡ።

ሳልሕ ከኣ "እዚ ቅድመ-ፈረድ ወይ ከኣ ኣድልዎኣዊ ኣረኣእያ ካብ ቀደም ዝጀመረ'ዩ" ብምባል ነቲ ኣብ ጊዜ ዓደይ-ዓደይ ኣብ ኣርብዓታት ገለ ክፋል ከበሳዊ ሓይሊ ብኣስላም ክንውረር ኢና ብዝብል ናይ ፍርሒ ጐስጓስ መብዝሕትኡ ህዝቢ ክርስትያን ኣንድነት ይሕሸና ብምባል ንበዓል ኢብራሂም ሱልጣን ዘውረደሎም ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ዝተመዝገበ ኣደራዕ ብምዝካር።

ሕብረት'ዶ ናጽነት ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ ሓምሳታት፡ ኤርትራ ንዓረብ ኣይትሽየጥን እናተባህለ ኣብ ልዕሊ አስላም ጥርጣረ ዘሕድር ጐስጓሳት ይካየድ ምንባሩ፡ ኣብቲ እዋን ዘርከቡ ይዛረቡ።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ እዋን ሰውራ እውን ዜየድሊ ምፍሕፋሕ ተፈጢሩ እዩ። "ህዝቢ ንሃይማኖት ብስክፍታን ፍርሕን ይርእዮ ብምህላዉ" ሳልሕ ንቕሓትን ኣረኣእያን ህዝቢ ከስፍሕ ይኽእል እዩ ዝብሎ ብዙሕ ሃናጽን መሃርን መደባት ብማሕበራዊ መራኸቢታት የቕርብ'ዩ።

ኣብ ሰሙን፡ ብዉሑዱ ሰላሳ ሰዓታት ኣብ ናብዮት መርበብ ዓዋተ ዘሕልፎ ሳልሕ፡ ዓቕሙ ብዝፈቕዶ ንህዝቢ ቅኑዕን እሙንን ካብ ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ከምዘሕልፎን እታ መርበብ ንሓያሎ ነበብትን ተመራመርትን ምንጪ ሓበሬታ ብምዃና ሓበን ከምዝስምዖ ይገልጽ።