ነብይ እዩ ጩፋ፡ "ካራተ ኣጋንንቲ ከውጽእ ኢለ ኣይኮንኩን ተማሂረዮ"

ነብዪ እዩ ጩፋ

ነብይ እዩ ጩፋ፡ ነብይን ሃዋርያን ኢሎም ካብ ሞንጎ ዝተልዓሉ ሓደ'ዩ። ክራይስት ኣርሚ ኢንተርናሽናል ዝተብሃለ ናይ ፕሮቴስታንት ቤተክርስትያን መስሪቱ፡ ብዙሓት ሰዓብቲ ኣፍሪዩ'ዩ።

ክራይስት ኣርሚ ብዝተብሃለ መደበር ቴሌቪዥን ብዝመሓላለፉ ናይ ፈውሲ [ድሕነት] ምርኢታት፣ 'ኣጋንንቲ ብካራቴ ብምውዳቕ'ን ብካልእ ምኽንያታትን፡ ኣዛራረቢ ዝኾነ 'ነብይ' እዩ ጩፋ፡ ሓቲትናዮ ኣለና።

"መን'ዩ ነብይ ኢሉካ? ብፍላይ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ክልል ደቡብ፡ ነብያትን ሃዋርያትን ብምብዝሖም ጸጸር መደርበዪ ቦታ የለን'ዩ ዝብሃል። እንታይ ትብል?

ነብይ እዩ ጩፋ - ሓቂ'ዩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘገልግሉ ብዙሓት ነብያትን ሃዋርያትን መበቆሎም ደቡብ'ዩ። ኣነ'ውን ካብቲ ኸባቢ'የ። እግዚኣብሄር ቃል ኪዳን ይህልዎ ይኸውን።

ደቡብ ኾነ ሰሜን ናይ እግዚኣብሄር'ዩ። ኾይኑ ግን ኣነ ኣብ ዝተወለድኹሉ ከባቢ ወላይታ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኣቦታት ወንጌል ስለ ዝነበሩ፡ ምስ'ዚ ክተሓሓዝ ይኽእል'ዩ ኢለ ይኣምን።

ቅዱስ መጽሓፍ፡ ሓሰውቲ ነብያት ብበዝሒ ዝመጽእሉ ግ ስለ ዝመጽእ ተጠንቀቑ ይብል። እዞም ነብያትን ሃዋርያትን ኩሎም ሓቀኛታት ድዮም?

እዩ ጩፋ- ኣብዚ ግዜ ክልቲኡ ኣለው። ብስርሖምን ፍርኦም ድማ ይፍለጡ። ኣነ ግን ወንጌል እግዚኣብሄር ዘገልግል ዘለኹ ናይ እግዚኣብሄር ነብይ'የ ኢለ ይኣምን።

ግን ንስኻ'ውን ገንዘብ ኸፊሉ ምስክርነት ይህብ'ዩ፡ ናብ ንግዲ ዘንበለ ሃይማኖታዊ ኣካይዳ'ዩ ዝኽተል ይብሉኻ?

እዩ ጩፋ- ሓቂ'ዩ፡ ገንዘብ ኸፊሉና'ዩ ዝብሉ ሰባት ዝሓዘ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ድረገጽ ተዘርጊሑ ነይሩ። እዚ ሓሶት'ዩ፤ ኣብ ኢድ ኣጋንንቲ ዘለው እሱራት ነጻ ከውጽእ እየ ተቐቢአ።

ስለምንታይ፡ ኣጋንንቲ ከእውዩ ይኸፍል? ከምዚ ንምግባር መዓልታዊ እቶተይ 10 ሚሊዮን እንተዝኸውን'ውን ኣየዋጽአንን። ሰብ ድማ ዘዋጽኦ'ዩ ዝሰርሕ። ሎጂካሊ ዘዋጽእ ስለዘይኾነ፡ ኢልካ ምሕሳብ ይክኣል'ዩ።

መን'ዩ ነብይ ኢሉ ሸይሙካ?

እዩ ጩፋ- ኣብዛ ዓለም ንሰብ ሰብ ዝሾሞ'ኳ እንተኾነ፡ ሓቀኛ ሸያሚ እግዚኣብሄር'ዩ። ኣብ ቤተክርስቲያን ዝቐደሙና ሰባት ኣብ ልዕሌና ዝተገለጸ ጸጋ ርእዮም ወንጌላዊ፣ ዘማሪ ወይ ነብይ ኢሎም ይሸሙ። ኣነ ድማ ኣዝየ ዘኽብሮምን ዝፈትዎምን ቐሺ በሊና ሃዋርያ ዝብል ሹመት ሂቦምኒ።

ቅድሚኡ ግን፡ ቦዲቲ ኣብ ዝብሃል ቦታ ኣብ ዘገልገልኹሉ እዋን ነብይ ኾይነ ብናይ ቤተክርስቲያን ሰባት ተሸይመ'የ። ባዕለይ ነብይ ኢለ ኣይሸምኩን።

ኣብ ናትካ ቤተክርስቲያን ዘምልኹ ሰበስልጣን ወይ ፍሉጣት ሰባት ኣለው'ዶ?

እዩ ጩፋ- ኣሽማቶም ምጽዋዕ'ኳ እንተዘይኣድለየ፡ ብደረጃ ሚኒስትር ዝርከቡ ኣለው። ግን ድማ ሰብ ስለ ዝበዝሕ ደረጃ ስልጣኖም ምስ ህዝቢ ተሓዊሶም ክኣትው ዘይፈቕደሎም ኣለው። እዚኦም ከም ቲም ከም VIP ረኺበ ዘገልግለሉ ግዘ ኣሎ።

ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ናተይ ይበልጽ'ዩ ኢሎም፡ ቦታ ተታሒዙሎም ከም ሰቦም ተዳፊኦም ዘገልግሉ'ውን ኣለው። ካብ ሃገር ወጻኢ'ውን ንዓበይቲ ሰባት ጸልየ ይፈልጥ'የ። ንኣብነት ዝሓለፈ ናብ ሱዳን ኸይደ ንፕቴዝደንት ሳልቫኪር ኣብ ቤተመንግስቱ ኣትየ ጸልየሉ'የ።

ዓበይቲ ሰባት'ውን ናብ ቤተክስርቲያን ዓዲመ ይፈልጥ'የ።

ነብዪ እዩ ጩፋ

አጋንንቲ ምውጻእን ካራን እንታይ ኣራኺቡዎ? ካራ ተብዝሕ ዲኻ?

እዩ ጩፋ- ካራተ ኣጋንትቲ ከውጽእ ኢለ ኣይኾንኩን ተማሂረዮ። 'ካራቲስት' እውን ኣይኾንኩን። ኣባና፡ ምስ ባህልን ኩነታትን ዝተለመደ ነገር ኣሎ። ካብቲ ዝተለመደ ወጻኢ ካልእ ኣንፈት ሒዝኪ ክትለዓሊ ከለኺ ቑሩብ የገርም'ዩ።

ሓድሽ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ካራተ ዘገረሞ፣ ዘደናገሮን ዘሐጎሶን ኣሎ። ኩል ግዘ ብካራተ ኣጋንንቲ ውጻእ ኣይብልን። መንፈስ ዝኣዘዘኒ'የ ዝገብር።

ብሽም ጌይታ የሱስ ውጻእ ኢለ ኣዚዘዮ፡ ዝወደቐ መንፈስ፡ ኣልዒሎም እንተምጽኡ ብካራተ ወቓዕኹዎ ብቴስታ እንታይ ጸገም ኣለዎ? ኣብ ጅም ወቒዐ ዘውደቕኹዎ ከም ዘሎ ይፈልጥ'የ፤ እዚ ድማ ኣጋንንቲ ዝተዋረደ ምኻኑ ንምርኣይ ካብ ዘለኒ ባህጊ'ዩ።

እግዚኣብሄር ሙሉእ ሰውነተይ ከም ዝጥቀም'ዩ ዘርኢ። ኣነ ብካራተ ብድሕረይ ድማ ብኻልእ ቅዲ፡ ኣጋንንቲ ክወቕዑ ዝኽእሉ ነብያት ክለዓሉ ይኽእሉ'ዮም። ካራተ ናይ ባዕለይ ቅዲ'ዩ።

ገለ ነዚ ዝቃወሙ ብቕንኢ፡ ካልኦት ድማ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ወጻኢ'ዩ ብዝብል'ዩ። ካብ ካራተ ዝሓሸ ኣሰራርሓ ዘለዎም እንተሃልዮም ጽቡቕ፡ ይዕድሞም።

ቀይሕ ቖቢዕ ብዝወድዩ ናይ ሚሊታሪ ሰባት ተኸቢብኻ ኢኻ ትንቀሳቐስ። ስምንታይ?

እዩ ጩፋ- ሓደ ወይ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ኣብ ዝርከብሉ ናይ መንፈሳዊ ኮንፈረንስ፡ መንግስቲ ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው ናይ ጸጥታ ሓይሊ የውፍር'ዩ። ኣነ፡ ሓደ ካብቶም ዝሕለው'የ። ካብ እግዝኣብሄር ንታሕቲ ንዓይ ይሕልው። ብዙሕ ሰብ ኸፊለ ዘምጻእኹዎም ይመስሎ።

ብዙሕ ናይ ፖሊስን ወተሃደርን ልብሲ ዝተኸደኑ ብድሕሬኻ ኣሰሊፍኻ፡ "ናይ የሱስ ወተሃደር'የ" ዝብል መዝሙር ክተዘምር ዘርኢ ምስሊ ድማ ኣሎ?

እዩ ጩፋ- ንሱ ኣነ ብደረጃ ክልል ኣብ ዘዳለኹዎ ኮንፈረንስ፡ መንግስቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝሃቦም ሓላፍነት ብተኣማንነት ስለ ዝፈጸሙ ኣብ ናይ መዕጸዊ ፕሮግራም እቶም ፖሊስ ጸዊዐ ዝጸለይኹሉ'ዩ። ምኽንያቱ ንመንግስትን ንሃገርን ክንጽሊ ይግብአና። ንሳቶም ድማ፡ ናይ መንግስቲ ኣካል'ዮም።

ናብ ሃገራዊ ጉዳይ ክንመጽእ'ሞ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ፕሮቴስታንት ዓበይቲ ናይ መንግስቲ ስልጣን ሒዞም ኣለው። እዚ ንዓኻ ዝተፈለየ ትርጉም ኣለዎ'ዶ? በዚ እግዚኣብሄር እታ ሃገር ይባርኻ'ዩ ዘሎ ኢልካ ትሓስብ'ዶ?

እዩ ጩፋ- ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ጸላኢ ዓይኒ ሃገር ትፈርስ ዘላ ክመስሎ ይኽእል'ዩ፤ ብናተይ ግን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ መጽአ ሃገር ትህነጽ'ያ ዘላ። እቲ ሓደ ለውጢ፡ ንእግዚኣብሄር ዝፈልጥን ዝፈርሕን መራሒ ምምጽኡ'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ቅድሚ ምምጽኡ እግዚኣብሄር ብትንቢታዊ መገዲ ዝሃበኒ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈ ነይረ። እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ከም ዝመጽእ እግዚኣብሄር ነጊሩኒ፤ ኣነ ድማ ተዛሪበ'የ። ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ኣብ ዝኾነ እዋን ዝህሉ'ዩ፤ ኢትዮጵያ ግን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ናብ ዝተጽሓፈላ ልዕልና'ያ ትኸይድ ዘላ።

ብዛዕባ ዕብየት ኢትዮጵያ ካብ ኣልዐልኻ፡ ግድብ ሕዳሰ ተሰሪሑ ዝውዳእ ይመስለካ'ዶ?

እዩ ጩፋ- ናይ እምነት ቃለይ ክህብ ይኽእል'የ። ብውልቀይ ከም ቤተክስርስቲያን ዝጀመርናዮም ዓበይቲ ፕሮጀክታት ኣለው። ሰብ ዘይውዳእ ዝመስሎ ኣነ ግን ከም ዝውዳእ'የ ዝኣምን። ከምዚ ዝብል ገንዘብ ስለ ዘሎ ወይ ብካልእ ምኽንያት ዘይኮነ፡ ኣማኒ ስለ ዝኾንኩን እምነት ናይ ኹሉ ነገር ተስፋ ስለ ዝኾነን'ዩ። ብመሰረት እዚ፡ ግድብ ሕዳሰ'ውን ክውዳእ'ዩ ኢለ'የ ዝኣምን።

ብዛዕባ ምብዛሕ ፕሮቴስታንት ዝኾኑ ሰበ ስልጣን ሓቲተ ነይረ?

እዩ ጩፋ- ፕሮቴስታንት ስለ ዝኾኑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እግዚኣብሄር ዝፈልጡን ዝፈርሑን ብዝብል ተዝገልጾ ደስ ይብለኒ። ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን እግዚኣብሄር ብዘይምፍላጦም፡ ስልጣኖም ሰባት ንምጉዳእ ተጠቒሞምሉ'ዮም። ሕዚ ግን እቶም ፕሮቴስታንት ዝኾኑ ሰበ ስልጣን እግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሑ ጽቡቕ ስራሕ ክሰርሑ'ዮም ኢለ ይኣምን፤ ይሰርሑ'ውን ኣለው።

ቐዳማይ ሚኒስትር ናብ ቤተክስርቲያንካ ዓዲምካዮ ትፈልጥ?

እዩ ጩፋ- ሓደ ግዘ ዓዲመዮ ነይረ፤ ግን ብስራሕ ናብ ጣልያን ከይዱ። ድሕሪኡ ግን ኣብ ሓደ ፕሮግራም ክርከብ ዓዲመዮ ኣለኹ፡ ክመጽእ ድማ ተስፋ ይገብር።

ግዛዕ ምዛዕ ዘይብሉ ድኻ ኾይንካ ትፈልጥ'ዶ?

እዩ ጩፋ- ኣብዚ ደረጃ ቅድሚ ምብጽሐይ ሰብ ዝሓልፎ መገዲ ሓሊፈ'የ። ብዙሓት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት ዕውት ኮይነ ዝመጻእኹ ዝመስሎም ኣለው። ግን፡ ዋጋ ዝኽፈሎ መገዲ ሓሊፈ'የ መጺአ።

ብዙሓት ተኸተልቲ ኣለውኻ? ክንድዚ ዝኣክል ሰዓቢ ክህልወኒ'ዩ ኢልኻ ትፈልጥ?

እዩ ጩፋ- ከም ኣሜሪካ ኣብ ዝበላ ምዕቡላት ሃገራት ከይተረፈ ሰዓቢ ክህልወኒ'ዩ ኢለ'የ ዝሓስብ። ብጻዕረይን ፍልስፍናይን ኣይኮነን ሰብ ዝስዕበኒ። ህዝቢ ክስዕበኒ ዝገብር መጎስ እግዚኣብሄር ስለዘለኒ'ዩ። ሰባት፡ ድኻታት ስለ ዝኾኑን ስለ ዘይተምሃሩን ክስዕቡኒ'ዮም ኢለ ኣይሐስብን። ሙሁራትን ሰብ ሃፍትን ኣለውኒ'ዮም።

እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘዳለዎ እንግዶት ድራር "መኣዲ ሸገር" ዓዲሙካ'ዶ?

እዩ ጩፋ- ኣይሰማዕኹን ኣብ ውሽጢ ዓዲ'ውን ኣይነበርኩን።

ኣዕራብ ክፍወሱ ናባኻ ከም ዝመጽኡ ዘርእዩ ምስልታት ርእየ ነይረ። ስደተኛታት ሶርያ ድዮም ወይስ እማን ናባኻ ዝመጹ ኣዕራብ'ዮም?

እዩ ጩፋ- እግረ መገዱ ናባይ ዝመጽአ ናይ ወጻኢ ሃገር ዜጋ የለን። ፕሮግራም ሒዞም ትኬት ቖሪጾም'ዮም ዝመጽኡ። ካብ ኢራን፣ ኢራቅ፣ ዱባይን ኦማንን፡ እቲ ዝፍጸም ተኣምራት ኣተርጒሞም ርእዮም ግን ይመጽኡ።

ክንደይ ዝኣክል ሃብቲ ኣለካ?

እዩ ጩፋ- ናተይ ሃብቲ ዘይምርመር ዘይቑጸር ሰማያዊ በረከት'ዩ። ኣገልገልቲ ስለ ዝኾንና እታ ቤተክስርቲያን እነንቀሳቕሰሉ ገንዘብ ይመጽእ'ዩ። መባእ፣ ዕሽርን ህያብን እናረኸብና ድማ መሊስና ንኣገልግሎት ነውዕሎ።

ከምቲ ዝፍለጥ ብሓደ ግዘ 14 ሽሕ ሰባት ዘተኣናግድ 97 ሚሊዮን ብር ወጻኢ ዝሓትት ኣዳራሽ ንሃንጽ ኢና ዘለና። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድማ ክዛዘም'ዩ።

ብውልቂ ዘለካ ምድራዊ ሃብቲከ?

እዩ ጩፋ- ክሳብ ሕዚ ዘለኒ ሃብቲ እታ ዘሽከርክራ መኪና'ያ።

ወንጌል ኣብ ክንዲ ምስባኽ፡ ኣብ ተኣምር'ዩ ትኹረት ዝገብር ተባሂልኻ ትንቀፍ?

እዩ ጩፋ- ንወንጌል'የ ቐዳምነት ዝህብ። ተኣምር ተዘይሃልዩ ድማ ወንጌል የለን።

ጸሎት ንዝተገበረሉ ዘይቲ ክሳብ ክልተ ሽሕ ብር ተኽፍል ኢኻ ይብሃል?

እዩ ጩፋ- ኣኖይንቲንግ ኦይል (anointing oil) ሰባት ኣነ ክበጽሖም ናብ ዘይኽእል ቦታታት እናወሰዱ ንክፍውስሉ ዝተዳለወ'ዩ። ናብ ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ሃገራት ዓረብን ይኣቱ ኣሎ። ኣብ ሃገርና'ውን ናብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ይኣቱ'ዩ ዘሎ።

ናብ ቤተክርስቲያንና ዝመጽአ ኹሉ ብግዲ ይውሰድ ዝብል መምርሒ ግን የብልናን። ብነጻ'ውን ኣይወሃብን። እቲ ዘይትን መዐሸጊኡን ካብ ወጻኢ ተዓዲጉ ዝመጽአ'ዩ።

'ወንጌላይ' ዝተብሃለ መዝሙር፡ ኣብ መድረኽ ክትዝምሮ ከለኻ እተርእዮ ምንቅስቓስ ናይ ወላይታ ሳዕስዒት'ዩ። ከመይ ኢልካ'ዩ ፈጣሪ ብኸምዚ ዝምስገን?

እዩ ጩፋ- ሳዕሳዕቲ'ዮም ካባና ቐዲሖም። ናይ ወላይታ ባህላዊ ሳዕስዒት እንታይ ከም ዝኾነ ከይፈለጥኩ ንእግዝኣብሄር ሳዕሲዐ'የ። ናይ እግዚኣብሄርን ደርፍን ተባሂሉ ዝተጽሓፈ ነገር የለን። ኩሉ ናይ እግዚኣብሄር'ዩ።

በዓል ሞያ ቅዲ ኽዳን ኣለካ'ዶ?

እዩ ጩፋ፡ እወ። ናተይ ዲዛይነራት ግብጻውያን'ዮም፤ ክዳነይ ኣብኡ'ዩ ዝስራሕ።