ሰባት ንምንታይ ነፍሰ ቕትለት ይፍጽሙ?

ዝተጨነቐ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወዲ ሰብ ኣብ ዓለም እንትነብር፡ ብዙሓት ጥዑማትን ከበድትን እዋናት ክሓልፍ ባህርያዊ እዩ። ብዙሓት ብሩሃት ገጻት ህይወት እናሓሰቡ፡ ከበድቲ ኩነታት እንትገጥሞም ድማ፡ ጽባሕ ክሓይሽ እዩ ብዝብል ብድሆታቶም ክሰግሩ ይቃለሱ። ውሑዳት ዘይበሃሉ ሰባት ድማ፡ ጾር ህይወት ምስካም ይኣብዮም እሞ ብገዛእ ፍቓዶም ናብቲ ዘይምለሱሉ ይኸዱ።

ከም ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዓመት ከባቢ 8 ሚእቲ ሽሕ ሰባት ዓርሰ ቕትለት ይፍጽሙ።

ጸብጻብ 2019 እቲ ውድብ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ምብራቕ ኤሮጳዊት ሃገር ሉቲንያ፡ ካብ 100 ሽሕ ሰባት እቶም 31.9 ዓርሰ ቅትለት ስለ ዝፍጽሙ፡ ካብ ዓለም ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ኮይናላ። ሩስያ ካብ 100 ሽሕ ሰባት 31፣ ጊያና ድማ 29.2 ዓርሰ ቕትለት ብምፍጻም ካልኣይን ሳልሳይን እየን።

ኤርትራ ካብ 100 ሽሕ ሰባት፡ ብ7.9 መበል 85 ደረጃ ዝሓዘት እንትኾን፤ ኢትዮጵያ ድማ ብ7.2 መበል 96 ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 29 ኣብ ዘለዉ ሰባት፡ እቲ ካልአዋይ ቀንዲ ምኽንያት ሞት ከምዝኾነ ይግለጽ።

ንምዃኑ ሰባት ንምንታይ ዓርሰ ቕትለት ይፍጽሙ?

በዓል ሞያ ክሊኒካል ሳይኮሎጂ ዝኾነ ተኽለ ኣድሓኖም ምኽንያታት ነፈሰ ቕትለት፡ ንጹር ጭብጢ (Implicit evidence) ወይ ዘይንጹር ጭብጢ (Explicit evidence) ዘለዎም ኢልና ክንከፍሎም ንኽእል ይብል።

ምኽንያታት ነፍሰ ቕትለት አዐርዮም ብዙሓትን ዝተሓላለኹን እዮም።

ኮይኑ ግና እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ብዕድመ፣ ጾታ፣ ኣመለኻኽታትን ከፊልና ክንሪኦም ንኽእል ይብል ኣቶ ተኽለ።

''ዕድመ ክበሃል ከሎ፡ ብፍላይ ኣብዚ ዘለናሉ ዘበን፡ ንኣብነት ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ኣብ ክሳብ 1500 መናእሰይ ነፍሰ ቅትለት ይፍጽሙ'' ዝብል እዚ በዓል ሞያ፤ እቲ ምኽንያት ድማ ኣብ ዝበዝሑ ምስ ጾታዊ ዝምድና ዝህሉ ዘይምርድዳእን ምፍልላያትን ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ይገልጽ።

መድሓኒት ዝወስድ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፉ 17 ዓመታት መጠን ነፍሰ ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ዝኾና ግዝኣታት ኣመሪካ ብ 30 ምኢታዊ ከምዝወሰኸ እትገልጽ ዶክተር ዲቦራ ስቶን፤ ኣብ ጾታዊ ዝምድና ዘለዉ ጸገማት ከምኡውን ፋይናንሳዊ ጸገማት፡ ቀንዲ ምኽንያታት ናይቲ ኣብታ ሃገር እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ዓርሰ ቅትለት ከምዝኾነ ትገልጽ።

ብመንጽር ኣፈላላይ ጾታ ዘሎ ተቓላዕነት እንትንርኢ ድማ ''መብዛሕትኡ ግዘ እቶም ዝሰዓሩ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ኣብ ማእኸላይ ዕድመ ኣብ ዝርከቡ መናእሰያት ናይ ቅረታን ተስፋ ምቑራጽን ስምዒት ከጋጥሞም እንከሎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓሸ ናይ ምግጣም ክእለት ከም ዘለወን መጽናዕቲታት የርኢ'' ይብል ኣይተ ተኽለ ኣድሓኖም።

ብተግባር ጸገም እንተጋጥመን፡ ደቂ ኣንስትዮ ሓሳባተን ንካልኦት ብምክፋል ዘሐሻ እየን። ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ ግን ስምዒቶም ኣብ ውሽጦም ዓፊኖም፡ ናይ ምሓዝ ባህሪ ስለዘለዎም፡ ካብ ልክዕ ንዝሓልፍ ጭንቀት ኣእምሮ ዝተቓልዑ ይገብሮም።

ከም ሓበሬታ ብሪትሽ መዲካል ጆርናል፡ መባእታዊ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ናይ ዝረኽቡ ደቂ ተባዕትዮ ቁጽሪ፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብ 32 ምኢታዊ ዝወሓደ እዩ።

ብርግጽ ፈተነ ዓርሰ ቅትለት ብምግባር ደቂ ኣንስትዮ ዝበዝሓ ከምዝኾና መጽናዕቲታት ይሕብሩ። ኮይኑ ግና እቶም ብደቂ ተባዕትዮ ተግባራዊ ዝግበሩ መገዲታት ቅትለት፡ አዐርዮም ሓደገኛታት እዮም።

''ኣብ ዝምድና (ፍቕራዊ) ጽቡቕ ነይሩ፤ ኩሉ ይዛረበሉ ዝነበረ ሰብ፡ ምፍልላይ ክመጽእ ከሎ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝተነጸለ ወይ ተስፋ ዘይብሉ ህይወቱ ዝጸልመተ ገይሩ ክርኢ ይኽእል።

"ኣብዚ ድማ ነፍሰ ቅትለት እንኮ ኣማራጺ ገይሮም ክወስዱ ይኽእሉ'' ይብል በዓል ሞያ ክሊኒካል ሳይኮሎጂን ኣማኻርን ኣይተ ተኽለ ኣድሓኖም፡ ገለ ካብ ግጉያት ኣመለኻኽታታት እንተልዕል።

ምስ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ጭንቀት ኣእምሮን ግዙእነት ኣልኮላዊ መስተን ተተሓሒዙ ዝመጽእ ምቅዋስ ኣእምሮ፡ ካብቶም ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝረአዩ ምኽንያታት ዓርሰ ቅትለት ከምዝኾኑ ዝገልጽ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ብሓፈሻ ግን ኣብ ህይወት ዘጋጥሙ ወጥሪታት፡ ንኣብነት ፋይናንሳዊ ጸገማት ንምፍታሕ ዓቕሚ ምስኣን፣ ኣብ ጾታዊ ዝምድና ዘለዉ ፍልልያትን ከቢድ ስቓይ ዘስዕቡ ሕማማትን ከም ቀንዲ ምኽንያታት የልዕል።

በይና ኮፍ ዝበለት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓዘንን ጓህን ዝፈጥሮ ንነብስኻ ከም ገበነኛ ጌርካ ናይ ምውሳድ ኣጋጣሚታት፡ ንሓያል ጭንቀት ከምዘቃልዕ ምሁራት ስነ ልቦና ይገልጹ።

''ዘይወጽእ ድኽነት ኣለኒ፤ ካልኦት ምሳይ ዝነበሩ ኣብ ዝብጻሕ በጺሖም። ኩስቶ 'ኳ ገዲፍዋ እዛ ዓለም።'' ዝብል ስምዒት ሓደገኛ ምኽንያት ዓርሰ ቅትለት ከምዝኾነ ኣይተ ተኽለ ይዛረብ። ከምኡ ድማ ኣብ ፈተነታት ዓርሰ ቅትለት ቤተሰባዊ ታሪኽ ምጽናዕ ከምዘድሊ ዝገልጽ እቲ ክኢላ፡ ቤተሰባዊ ታሪኽ ተጽዕኖ ከምዘለዎ ይሕብር።

ጎንጺ፣ ወጽዓ፣ ናይ ምስኣን ወይ ብሕታውነት ስምዒት፣ ኣድልዎን መግለልትን ተወሰኽቲ ምስ ዓርሰ ቕትለት ዝተሓሓዙ ምኽንያታት ከምዝኾኑ ጽብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ዓርሰ ቕትለት ምክልኻል ይከኣል ዶ?

መጠን ዓርሰ ቕትለት ምቕናስ ከምዝከኣል ዝገልጽ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ነዚ ንምቕናስ ዘኽእለን ጻዕሪ ክገብራ ዘበረታትዕ ስትራተጂ ምክልኻል ዓርሰ ቕትለት ሓንጺጹ ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምር ጸኒሑ እዩ። እቲ ትካል ተሞክሮታት ዝተፈላለያ ሃገራት እናኣከበ ናብ ካልኦት'ውን ክባጻሕ ይገብር።

ጉዳይ ዓርሰ ቕትለት ዘተሓሳሰባ እንግሊዝ፡ ዝጥቀስ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ካብ ዝገብራ ሃገራት ሓንቲ እያ።

እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 'ሚኒስተር ምክልኻል ዓርሰ ቕትለት' ዘቖመት እንትኾን፤ ብሓበራዊ ጻዕሪ ሰብ ሞያ፣ ገበርቲ ሰናይን መንግስትን፡ መጠን ዓርሰ ቕትለት ኣብ ታሪክ እታ ሃገር ናብቲ ዝተሓተ ደረጃ ክወርድ ከምዝገበረት ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ኣልኮላዊ መስተ እትቐድሕ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓርሰ ቕትለት ክፍጽሙ ፈቲኖም ዘይሰመረሎም ሰባት ወይ ምልክት ዘርእዩ ሰባት ''ሚእቲ ብሚእቲ'ኳ እንተዘይተብሃለ፤ ነቲ ናብ ነብሰ ቕትለት ዝህውኾም ሓሳብ፡ ከህድእ ዝኽእል ኣገባባት ኣሎ'' ዝብል በዓልሞያ ስነ-ልቦና ኣይተ ተኽለ፡ ኣብቲ ዝዕቆቡሉ ጥዕና ጣብያ ወይ መጽንሒ ቦታ ውሕስነቶም ክረጋገጽ ይግባእ ይብል። ወሲኹ'ውን፡ ክረጋግኡ ምእንቲ ጽቡቕ ክንክን ክግበረሎም ይግባእ ኢሉ።

ብሰብ ሞያ ሕክምና፣ ስነ ልቦንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝግበር ስሉስ ኩርናዓዊ መገዲ ድሕነት (Triangular Healing) 'ውን ኣብ ምክልኻል ዓርሰ ቕትለት፡ ጽቡቕ ውጽኢት ከምጽእ ከምዝኽእል ኣይተ ተኽለ ይገልጽ።

በብእምነትካ፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ወይ መስጊድ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንትን ምልዛብ 'ውን ግጉያት ሓሳባት ካብ ኣእምሮና ክውጽእ ከምዝሕግዝን፡ ባዛዕባ ዝውሰዱ መድሓኒታት ድማ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ክህልወና ከምዝግባእ እቲ በዓል ሞያ ይገልጽ።