ኤርትራዊት ኣደ፡ ምስክር ስቓይን ጽንዓትን መንሽሮ

ምርምር ማእከል መንሽሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንሽሮ እትብል ቃል ማዕረ ካልእ ክሰምዖ ዘይደሊ ዓይነት ሕማማት እተንቀጥቅጠኒ ሕማም እያ። ካብ መንሽሮን ሕማም ጾታዊ ርክባትን፡ ዘይምሕር ሓደጋ ክወስደኒ እየ ዝምነ።

ግን ከኣ ህይወትን ጽሕፍቶን ትዕድልትን ስለዝኾነት እያ እመስለኒ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰለፈይ ከም ዋዛ ዝጀመረትኒ ሰሓን ዕንፉርርን እናገፍሐትን እናሰፍሐትን ከይዳ ብቓንዛ ለልያትኒ። በብቑሩብ እናሓበጠት ከኣ ከም ጽኪ ሳቕያትኒ።

"መንሽሮ ሕክምና ኣይትፈቱን እያ፤ ሓንሳብ መላጸ ሓካይም እንተሓሊፉዋ ኣይትሓውን እያ" ስለእትበሃል ንሕክምና ክኸይድ ኣይደፈርኩን።

ባህላዊ ሕክምና ብዘይ ኣፍልጦን ሳይንሳዊ ምርምርን፡ ብተሞኩሮ ብዝተጠርየ ፍልጠት ዝካየድ ብምኻኑ፡ ደጋፊቱ ኣይነበርኩን። ኣብ ርእሲኡ እቲ ዝወሃብ መድሃኒታት ፍሉጥ ዓቐን ስለዘይብሉ ወትሩ ስክፍታ ነይሩኒ።

ስለዝኾነ ንዝኾነ ይኹን ጉዳይ፡ ካብ ናብ ሕክምና ናብ ባህላውያን ፈወስቲ ንዝኸዱ ሰባት ብውሽጠይ እድንግጸሎምን ነይረ።

ዓቕመይ ብዘፍቅዶ ከአ ሰባት ካብ ናብ ቆጽለ መጽለ ባህሊ፡ ሳይንሳዊ ምርምር ናብ ዝድግፎ ሕክምና ከኸዱ እየ ዝምሕጸንን ዝመክርን ነይረ።

እታ ነገር ኣባይ ምስ በጽሐት ግን ነቲ ዝስከፈሉ ዝነበርኩ ባህላዊ ፍወሳ ክፍትኖ ተገዲደ።

"ኣብ ዱባሩባ፡ ንሕማም መንሽሮ ቖጽለ መጽሊ ጠፍጢፋ እተሕዊ ምኩርቲ ሰበይቲ ኣላ" ስለዝበሉና፡ ኣድራሸአን ንምርካብ ይፈልጡ እዮም ንዝበሃሉ ሰባት ኣጣይቕና ክንከይድ ወሰንና።

ኣይደንጎናን "ዓባይ ሓፍተይ ከየስፋሕፍሐት እንከላ ንዒ ቀልጢፍና ንኺድ" ምስበለትኒ ኣይተማታእኩን፡ ኣውቶቡስ ተሰቒልና ዱባሩባ ተራኢና።

ሓደ ሰብ መንሽሮ ሓሚሙ ክበሃልን ሞይቱ ክሰምዕን ዳርጋ ሓደ ስለዝነበረ፡ ካብቲ ቀንዲ ሕማም እቲ ስነ-አእምሮኣዊ ጭንቀት እዩ ከፊኡኒ።

ብፍርሒ ኣጓኒየዮ እንተዘይኮይነ፡ ኩሉ ሰብ ሕማም መንሽሮ እንተሰሚዑ ከምዚ ከማይ ዝጭነቕ እዩ ዝመስለኒ። ዳርጋ ብድፍረት ክብሎ እኽእል እየ-ኣነ ጥራሕ ዘይኮንኩ፡ መላእ ሕብረተሰብ ከምኡ'ዩ ዝመስለኒ።

ብሓጺሩ፡ መንሽሮ ሓሚምካ ክትሰርር ትኽእል ኢኻ ዝብል እምነት ስለዘይጸንሓኒ ከም መንሽሮ ገይሩ ዘሻቕለኒ ሕማም ኣይነበረን።

ሽዑ ከኣ ደቀይ ገና ዕሸላት እዮም ነይሮም - ደቂ ኣርባዕተን ሽዱሽተን። ወላዲኦም ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ፡ መቑረጽቲ ልዕሊ ብርኪ ስለዘጋጠሞ ክኣልዮም ኣይክእልን እዩ። ካብ ሕማመይ ንላዕሊ ብእኦም ክቑንዞን ብዝኽትነኦም ክሓስብን ድቃስ ኣይነበረንን።

ኣነ ዓይኒ ዓይኖም ክርኢ ንሶም ብሕማመይ ተሻቒሎም ኣብ ሕቑፈይ ሕግብግብ ክብሉ እንከለው፡ ንብዓት ውሽጠይ ስቕ ኢሉ እዩ ዝፈስስ። ነቢዐ ከየንብዖም ግን ንብዓተይ ንግዳም ኣይፈሰሰን።

ማእከል መጽናዕቲ መንሽሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምስ ቃንዛ ውሽጠይ እናተቓለስኩ ካብቲ ዘልመድኩዎም ክንክንን ኣልያን ንእሽቶ እውን ኣየጉደልኩሎምን። ኣብ ሕማመይ እትደጋገፈኒ ሰራሕተኛ ከየእቱ ቁጠባና ካብ ኢድ ናብ ኣፍ እዩ ነይሩ።

ከም ማንም ውጻእ ብርኪ፡ ኣብ ሓንቲ እስታንሳ ገዛ እንነብር ጀመርቲ ሓዳር ኢና ነይርና። ግን ልዑል ተስፋ ስለዝነበረና፡ ምስ በዓል ቤተይ፡ "ጥዕና ደኣ እምበር ትሕዞን ሃብትንሲ ጽባሕ ሰሪሕና ከነምጽኦ ኢና ብምባል፡ ሓዳርና ብልዑል ፍቕርን ምክብባርን ኢና ንመርሕ ነይርና።

ዱባሩባ በጺሕና ነታ ባህላዊት ሓኪም ኣደ፡ መምጺኢና ምስሓበርናያ፡ ብፍሕሹው ገጽ እያ ተቐቢላትና። ዝብላዕን ዝስተን ቀሪባ ድሕሪ ምዕንጋል፡ "ኣብ ምንታይኪ እዩ እዛ ጓለይ?" በለትኒ ብትሑት ድምጺ።

ኣነ ከኣ አዕንተይ ቑጽርጽር እናበለኒ፡ "ኣብ ሰለፈይ ብምባል ቀምሸይ ሰብሲበ እቲ ሕበጥ ኣርኣኹዋ''።

ኣብ ሰለፈይ ብምዃና ግዲ ኮይና ገና ከይተናኸፈትኒ፡ "ኣጆኺ እዛ ጓለይ እዚኣ ደኣ ጸገም የብላን ብምባል፡ ኣብቲ ዝሓበጠ ቦታ በጻብዕታ እናጠዋወቐት፡ ኣብ ደሓን ኢኺ እዛ ጓለይ ተባዕታይ እያ። ካብታ ግናይ ኣይኮነትን፡ ሕጂ ምሕው ኣቢልና ከነንጽላ ኢና" ምስበለትኒ እቲ ዘንቀጥቅጠኒ ዝነበረ ቃንዛ ንእለቱ ቅንጥጥ ኢሉ ተኣልየለይ።

ለካ ሕማምሲ ፍርቁ ስነ-አእምሮኣዊ እዩ ክበሃል ሓቂ እዩ። ቅድሚ ሽዑ ሓካይምና፡ ሕማም ኣብ ክልተ እዩ ዝምቀል፡ እቲ 50 ሚእታዊት እቲ ቐንዲ ሕማም፡ ማለት እቲ ብታህዋስያን፡ ባክተርያ ድዩ ቫይረስ ወይ ጣንጡን ባልዕን ዝመጽእ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ፍርቂ ከኣ እቲ ሕማም ዘሕድረልካ ስነ-አእምሮኣዊ ሻቐሎት እዩ ይብሉና ነይሮም።

ሓቆም እዮም። እታ ኣደ "እንቋዕ ደኣ ኣንስተይቲ ኣይኮነትን እምበር ተባዕታይ ደሓን እዩ" ምስበለትኒ ጥራሕ ፍርቂ ናይቲ ሕማም ተቐንጢጡለይ እዩ።

እቲ ዝተረፈ 50 ሚእታዊት ከኣ እዝግሄረይ ሒዘ ክገጥሞ ምስ ነብሰይ ቃል ኣትየ፡ ነቲ ዝመጽእ ክገጥሞ ተዳለኹ።

እተን ወላዲት ጽቡቐይ እናተመነያ፡ በቲ ዝኣምናሉ መድሃኒት ሰሙን ሰሙን እናተመላለስኩ ቆጽለ መጽሊ ጠፍጢፈናኒ። ፍቓድ እዝግሄር ኮይኑ ከኣ ተመሲሉለይ፡ ከምቲ እተን ኣደ ዝበላኒ፡ እቲ ተባዕታይ መንሽሮ ንዝኽሪ ጓንጓ ቦታ ገዲፉ ካብ ሰለፈይ ነጺሉ ተኣልዩለይ።

ሕጂ ድሮ 20 ዓመት ገይረ ኣለኹ። እቶም ከይዝኽትሙ ዝፈራሕኩሎም ደቀይ ዓብዮም ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኮይኖም ኣለው። ብድሕሪኡ እውን አሕዋትን ኣሓትን ወሲኸሎም ምስ በዓል ቤተይ ብፍቕሪ ማሚቚና ንነብር ኣሎና።

በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ኸኣ ንኹሎም በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ስድራ-ቤታት፡ ጽንዓትን ድሕነትን ብምምናይ ከማይ የማስልኩም እብሎም።

እዚ ዘካፈልኩኹም ዛንታ ግን ግዳያት እዚ ሕማም፡ ኣብ ክንዲ ናብ ዘበናዊ ሕክምና ናብ ባህላዊ ሕክምና ኪዱ ማለተይ ኣይኮነን።

ኣብ መወዳእትኡ እቲ ባህላዊ መድሃኒት ብሳይንስ እንተተጸኒዑን እንተተሰኒዱን ንመጻኢ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ኣይጠራጠርን እየ። ጥራሕ ተመኩሮይን ዛንታይን እየ ኣካፊለኩም - ሰሰናዩ ከኣ እምነየልኩም።