ኣብ ስደት ዝጸንሑ 4ይ ፓትሪያርክ አቡነ መርቆሬዎስ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

እቶም ኣብ ስደት ክነብሩ ዝጸንሑ 4ይ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ መርቆሬዎስ ተፈልዩ ዝጸንሐ ሲኖዶስን ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
ኣብዚ ቐረባ ጊዜ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝጸንሐ ሲኖዶስ ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ኦርቶዶክስያዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብሓደ ሲኖዶስ ክትምራሕን፡ ክልተ ፓትሪያርካት ክህልዉዋ'ዮም።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኽልተ ተኸፊላ ክትሕቆን ጸኒሓ።
ቅድም ኢሉ ኣብ እዋን ፓትሪያርክ ብጹእ ኣቡነ ጳዉሎስ፣ ድሕሪ ሕልፈቶም ድማ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ብብጹእ ኣቡነ ማቲያስ ብዝምራሕ ሲኖዶስን፡ ንብጹእ ኣቡነ መርቆሪዮስ ፓትሪያርኩ ገይሩ ዝወስድ "ስደተኛ" እናተብሃለ ኣብ መንጎ ዝጽዋዕ ሲኖዶስን ዕርቀ ሳለም ንምዉራድ ብርክት ዝበሉ ፈተነታት'ኳ እንተነበሩ፡ ኣይሰመረን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንሓንቲ ቤተ ክርስቲያንን ንኣመንታን ኢና ንዉክል ዝብሉ ክልተ ሲኖዶሳት ዓይኒ ንዓይኒ ከይረኣኣዩ ከልኪልዎም ዝፀንሐ ቅርሕንቲ ተኣልዩ ሓደ ክኾኑ ድሌት ከምዘለዎ ምስ ገለጸ፡ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ግና ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ክልቲኦም ሲኖዶሳት ዕርቀ ሰላም ፈጺሞም።
ዉግዘቶም ኣልዒሎም ድማ ብሓደ ኣመራርሓ ቅዱስ ሲኖዶስ ክሰርሑ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, EPHREM EPHREM/FB
ኣዲስ ኣበባ ኣዝ ዝኣተውሉ እዋን ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ምእመናን፡ ሊቃውንቲ ቤተክርስትያንን ወግዓዊ ኣቀባብላ ጌሮምሎም።
ኣካያዲ ስራሕ ሲሳይ በገና ዝተባህለ ትካል መሰልጠኒ መሳርሒታት ዜማ ዝኾነ ሲሳይ ደምሴ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝነበረ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ካብ ሞንጎ ዝተረኸቡ እዩ።
"በገናናን መሰንቆናን ሒዝና ዝመጻእና እግዝኣብሄር ኣምላኽ ንዝገበረልና ኩሉ ክነመስግን'ዩ" ድማ ይብል።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ፓትሪያርክ እታ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ናይታ ቤተክርስትያን ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ክስከሙ እንከለዉ፡ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ መርቆሬዎስ ድማ ብጸሎትን ቡራኬን ነታ ቤተ ክርስቲያን ክመርሑ'ዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ዝጸንሐ ሲኖዶስ፡ ናብ ሓደ ንምምጻእ ዉጽኢታዊ ስራሕ ምርድዳእ ከምዝሰርሐ ይግለጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ሲኖዶስ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ደገ ዝነበረ ኣብ 1984 (1992)፣ 1985ን(1993) 1999ን (2007) ዓ.ም ኣሕሊፉዎም ዝጸንሐ ዉግዘታት ኣልዒሉ'ዩ። ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነበረ ሲኖዶስ ብወገኑ ኣሕሊፉዎ ዝነበረ ዉግዘት ኣልዒሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ሕጂ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብሓደ ቅዱስ ሲኖዶስ ክትምራሕ እያ። ቀዳም ኣብ ኣዳራሽ ሚለንየም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣምባሳደራት፣ ኣመንትን ዝርከቡዎም ካልኣይ ዕርቀ ሰላም ክግበር ምድላዉ ይግበር ኣሎ ኣሎ።
ሚኒስትር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኣቶ ኣሕመድ ሸዴ "ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝነበሮ ምብጻሕ ብርክት ዝበሉ ነገራት ኣዐዊቱ። ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ናብ ሓደ ክትዋሃሃድ ክኢላ'ያ። እዚ ተዛዚሙ ድማ ብጹእ ኣቡነ መርቆርዮስ ናብ ሃገሮም ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ሓድነት ሃይማኖት ብምዕባይ ሓድነት ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘጠናኽርን፡ ሰላም ሓድነትን ሓበራዊ ህንጸት ሃገርን ንምቅልጣፍ ዝሕግዘና'ዩ" ኢሉ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዘሎ ምክፍፋል ንምትዕራቕ'ውን ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ከም ዝሰርሑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ንሱ ኣብ መንጎ እቶም ፍልልያት ዘለዎም ወገናት ናይታ ቤተክርስትያን ድልውነት ከምዘሎ'ውን ተዛሪቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







