ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ክልተ ፓትርያሪክ ክህልዋ እዩ

ኣቡነ ማቲያስ (ፀጋም) ኣቡነ መርቆሪዮስ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Ephrem Ephrem/FB

ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ተፈላልዮም ዝፀንሑ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን፡ ሲኖዶሳት ውሽጢ ዓድን ወፃእን፡ ተዋሂዶም ብሓባር ንክሰርሑ ተስማዕሚዖም።

ክልቲኦም ሲኖዶሳት ትማሊ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ናብ ናይ ቀደም ክብራን ሓድነታን ንክትምለስ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሲኖዶሳት ዝነበረ ፀገም ብዘተ ንክፍታሕ ብምስምዕምዖም፡ ካብ ክልቲኦም ሲኖዶሳት ዝተወከሉ ኣቦታት ብዕምቆት ከምዝተዘራረቡ ተገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ ድማ እዞም ሲኖዶሳት ብዛዕባ ዝበፀሕዎ ውሳነ ሓባራዊ መግለፂ ኣውፂኦም። ብመሰረት እዚ ድማ ብ1983 ዓ፡ም ካብ ሃገር ዝወፅኡ ኣቡነ መርቆርዮስ፡ ብናይ ፓትሪያርክነት ክብርን ደረጃን ናብ ኢትዮጵያ ንክምለሱ ተስማዕሚዖም።

ኣብ ቀፅሪ ፓትሪያሪክ ኢትዮጵያ መንበሪ ንክዳለወሎም ድማ ወሲኖም። ኣብ ክፍፍል ስራሕን ኣፈፃፅማን ብዝምልከት ድማ፡ ፀሎትን ቡራኬን ብምግባር ነታ ቤተ-ክርስትያን ንከገልግሉ ተስማዕሚዖም።

ብፁእ ወ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ እውን ብመሰረት ሕጊ ቤተ-ክርስትያን ናይ ምምሕዳር ስራሕ እናሰርሑ ንክቕፅሉን፡ ብፀሎትን ቡራኬን ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡ እውን ኣብቲ ዘውፅእዎ ሓባራዊ መግለፂ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ክልቲኦም ፓትሪያሪካት ብህይወት ክሳብ ዘለዉ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ብመዓረ ንክትሕዞምን ንክተርዮምን፡ ከምኡ እውን ናይ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ሲኖዶሳት ዝብል መፀውዒ ተሪፉ፡ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝብል ተስማዕሚዖም።