ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኤርትራውያን ንዝርከቡዎም ዜጋታት 19 ሃገራት መንበሪ ፍቓዶም ክምርምር እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓላፊ ኣገልግሎት ዜግነትን ኢምግረይሽንን ኣመሪካ ጆሴፍ ኤድሎው፡ "ካብ ነፍስ-ወከፍ [ኣቐዲመን] ዝተመልከታ ሃገራት ዝመጽአ ወጻእተኛ፡ ዝተዋህቦ ግሪን ካርድ ብምሉእን ጽኑዕን ደረጃ ዳግማይ ክምርመር፡" ካብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ መምርሒ ከም ዝተዋህቦ ገሊጹ።
ኣብቲ ዝርዝር ዝርከባ ሃገራት ብዓል መን ምዃነን ቢቢሲ ሕቶ ኣብ ዘቕረበሉ፡ ኣብ ሰነ ኣብ ዝወጽአ ኣዋጅ ዝተጠቕሳ ከም ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ሊብያን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን፣ ከምኡ'ውን ኣፍጋኒስታን፡ ኩባ፡ ሀይቲ፡ ኢራን፡ ሶማልያን ቬንዙወላን ዝኣመሰላ ሃገራት ከም ዘጠቓልል እቲ ትካል ሓቢሩ።
እዚ ምልክታ'ዚ ዝወጽአ፡ ሓደ ኣፍጋናዊ ብረቡዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንኽልተ ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ብጥይት ሃሪሙ ከቢድ መቝሰልቲ ድሕሪ ምስዓቡ እዩ።
እቲ ራሕማኑላህ ላካንዋል ዝተባህለ ጥርጡር፡ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምውጽኣ ንኣፍጋናውያን ዝተዋህበ ፍሉይ ናይ ኢምግረይሽን ከለላ ተጠቒሙ እዩ ኣብ 2021 ናብ ኣመሪካ ኣትዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንዓቢይ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ዘጕልሕ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ ኤድሎው ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ ገምጋም ግን ነቲ መጥቃዕቲ ኣይጠቐሰን።
ኤልዶው፡ "ህዝብን ሃገርን ኣመሪካ ምሕላው ልዕሊ ኵሉ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ኣመሪካ ድማ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ምምሕዳር ኣብ ጉዳይ ፖሊስታት ዳግመ-ምጥያስ ንዝተኸተሎ ሸለልትነት ዳግማይ ኣይክሽከሞን እዩ፡" ይብል።
እቲ ዳግመ መርመራ ከመይ ከም ዝኸውን ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
እቲ ኣብ ሰነ ዝወጽአ ኣዋጅ፡ ንኣመሪካ ካብ፡ "ናይ ወጻኢ ኣሸበርቲ፡ ካልኦት ስግኣታት ሃገራዊ ድሕነት ከምኡ'ውን ድሕነት ህዝቢ፡" ንምክልኻል ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ወጻእተኛታት ንምድራት ዝዓለመ ምዃኑ ኣቐሚጡ።
እቲ ምምሕዳር፡ ስክፍታታት ጸጥታ፡ ብምኽንያት ንግዲ፡ ትምህርትን ምብጻሕን ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሰባት ካብ ዝተመደበሎም ግዜ ንላዕሊ ምጽናሕ ገለ ካብቶም ኣብ ዝርዝር ዝኣተዉ ምኽንያታት ምዃኖም ይገልጽ።
'ብፍሉይ ዝተወደበ ዓለማዊ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ጣሊባን' ንኣፍጋኒስታን ከም ዝተቘጻጸራ ዝገልጽ እቲ ኣዋጅ፡ "ኣፍጋኒስታን ፖስፖርት ኮነ ስቪላዊ ሰነዳት ንምሃብ ዝተሓባበር ብቝዕ ትካል ስለ ዘይብላ፡" ግቡእ ምጽራያትን መርመራታትን ዘካይድ ስጕምትታት ከም ዘይትወስድ ይሕብር።
ኣብዚ ዝርዝር ዝርከባ ካልኦት ሃገራት በርማ፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ሊብያን ይርከብአን።
ኣብቲ ኣብ ሰነ ዝወጽአ እገዳ መገሻ ኤርትራ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ተጠቒሰን ምንባረን ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ሓድሽ ዝወጽአ ሓበሬታ ግን ድሮ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ንዝሓዙ ዝምልከት እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ኣመሪካ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያል ግብረመልሲ እዩ ሂቡ፣ "እዚ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ሃገርና ገጢሙዋ ዘሎ ዝዓበየ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ዘጕልሕ'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ዝሓለፈ ምምሕዳር፡ "ካብ መላእ ዓለም - ክትፈልጦም እኳ ዘይትመርጽ ቦታታት ከይተረፈ - መርመራ ዘይተኻየደሎምን ዘይተጸንዑን 20 ሚልዮን ወጻእተኛታት ክኣትዉ ገይሩ። ዝዀነት ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ንሃገራዊ ድሕነታ ሓደጋ ክትቅበል ኣይትኽእልን እያ፡" ኢሉ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣገልግሎት ዜግነትን ኢምግረይሽንን ኣመሪካ፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ዝነበረሉ ዝኣተዉ ኵሎም ወጻእተኛታት ዳግመ-ግምት ከም ዝግበረሎም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ካብ ረቡዕ ኣትሒዙ ድማ ካብ ኣፍጋናውያን ንዝቐርብ ሕቶታት ኢምግረይሽን ደው ኣቢሉዎ፣ "ፕሮቶኮላት ጸጥታን ምጽራይን" ክሳዕ ዝግምግሙ እቲ ውሳነ ከም ዝተወስደ ኣገልግሎት ዜግነትን ኢምግረይሽንን ኣመሪካ ገሊጹ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







