ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ትርከበን 12 ሃገራት ዘንበሮ እገዳ መገሻ ተግባራዊ ኰይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝርከብዎ ዜጋታት 12 ሃገራት ዘንበሮ ናይ መገሻ እገዳ ካብ ሰኑይ ፍርቂ ለይቲ ኣቈጻጽራ ኣመሪካ ጀሚሩ ተግባራዊ ኰይኑ።
እቲ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፈረመሉ፡ ዜጋታት 12 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ንብዙሓት ኤርትራውያን'ኳ እንተ ኣሰንበደ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝተነበረ እገዳ ብወግዒ ዝበሎ ነገር የሎን።
እተን ካልኦት ዜጋታተን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ተኸልኪለን ዘለዋ ሃገራት ኣፍጋኒስታን፡ ምያንማር፡ ጫድ፡ ኮንጎ ብራዛቪል፡ ኢኳተርያል ጊኒ፡ ሃይቲ፡ ኢራን፡ ሊብያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን የመንን እየን።
ዜጋታት ብሩንዲ፡ ኩባ፡ ላኦስ፡ ሲራልዮን፡ ቶጎ፡ ቱርከመኒስታንን ቬነንዝዌላን'ውን ከፊላዊ እገዳ ተነቢሩሎም ኣሎ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ሓቀኛ ምምሕያሻት እንተ ተራእዩ፣ ከምኡ'ውን ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ሓደስቲ ጸገማት ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ተወሰኽቲ ሃገራት ክውሰኻን እቲ ዝርዝር ክኽለስን ከም ዝኽእል ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ትራምፕ ናብ ዝተወሰና ሃገራት ዘነጻጸረ እገዳ መገሻ ከንብር፡ እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ። ንሱ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ኣብ 2017'ውን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ፈሪሙ ነይሩ'ዩ።
ዜጋታት እዘን 12 ሃገራት፡ ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ምሉእ ንምሉእ'ኳ እንተ ተኣገዱ፡ እዞም ዝስዕቡ ግን ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ይፍቀዶም'ዩ፤
- ሕጋዊ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም (ግሪን ካርድ ዘለዎም)፣
- ድሮ ቪዛ ተዋሂቦም ዘለዉ፣
- ናይ ወጻኢ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታት - ኣብ ዝተወሰነ ናንኢሚግራት ቪዛ ዝጠቓለሉ፣
- ተወለድቲ ናይዘን ብጠቕላላ እገዳ ተነቢሩለን ዘሎ 19 ሃገራት ኰይኖም፡ ድርብ ዜግነት ዘለዎም ምስ ዝዀኑ፡ ብፓስፖርት ናይታ እገዳ ዘይተነብረላ ሃገር ክኣትዉ ይኽእሉ፣
- ኣትለታት ወይ ኣባላት ጋንታ ኣትለቲክስ፤ ከም ኣሰልጠንቲ፡ ግደ ናይ ደገፍቲ ዘለዎም፡ ቀረባ ዘመድ፣ ከምኡ'ውን ከም ዋንጫ ዓለም ወይ ኦሎምፒክስ ንዝኣመሰለ ስፖርታዊ ውድድራት ዝገሹ፣
- ናይ ቀረባ ስድራቤት ስደተኛታት ቪዛ (IR-1/CR-1, IR-2/CR-2, IR-5)፣ "ንጹርን ዘእምንን መርትዖ መንነትን ስድራቤታዊ ዝምድናን (ንኣብነት DNA) ዘለዎ፣"
- ብሕጊ ከም ውሉድ ዝርአ (Adoptees)፣
- ፍሉይ ናይ ስደተኛታት ቪዛ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመሪካ።
- ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ኮይኖም ፍሉይ ኢምግራንት ቪዛ ዘለዎም
ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እዘን 12 ሃገራት እገዳ መገሻ ክገብር ምዃኑ ምስ ሓበረ፡ ሃገረ ጫድ ከም ግብረ መልሲ ዜጋታት ኣመሪካ ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ክትክልክል እንከላ፡ ሶማልያ ብወገና ነቲ ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገማት ምስ ኣመሪካ ብምዃን ክትሰርሓሉ ምዃና ቃለ ኣትያ።
ካብዘን እገዳ ዝተነበረለን ሃገራት እተን ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ'የን።
ካብዚ ብምብጋስ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "ኣመሪካ ምስዘን ሃገራት ሃናጺ ምብህሃል፡" ክትክተል ጸዊዑ።
ውሳነ ትራምፕ፡ ኣብ ኣመሪካ'ውን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ'ዩ።
ደሞክራትስ ንውሳነ ኣመሪካ ኰኒነሞ ኣለዉ።
ኣባል ኮንግረስ ፕራሚላ ጃያፓል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ "እዚ ናይ ትራምፕ እገዳ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቀዳማይ እብረኡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣስላም ዘንበሮ እገዳ'ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ክንጽለና ጥራሕ'ዩ ዝኽእል፡" ኢላ።
ብኻልእ ወገን ንውሳነ ትራምፕ ዝደገፉ'ውን ኣለዉ።
ኣባል ኮንግረስ ክለይ ሂግንስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ እቲ ናብ ኣመሪካ ዝግበረ መገሻ፡ "ሓለፋ'ምበር መሰል ኣይኰነን፡" ብምባል፡ ነቲ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ገለ ሃገራት ዘንበሮ እገዳ ግቡእ ምዃኑ ገሊጹ።
ኤርትራ ንምንታይ'ያ ኣብዚ ዝርዝር ኣትያ
ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኤርትራ ፓስፖርትን ስቪላዊ ሰነዳትን ብግቡእ መንገዲ ከም ዝህብ እምነት የብላን። እዚ ድማ ናይ ሰባት መንነት ኣብ ምርግጋጽ ስክፍታታት ዘለዓዕል እዩ ይብል።
ብዘይካ'ዚ፡ መዝገብ ገበን ኤርትራውያን ዜጋታት ንኣመሪካ ክፉት ስለ ዘይኰነ፡ ጸጥታዊ ስክፍታታት ዝፈጥር እዩ። ኤርትራ [ምስ ኣመሪካ] ናይ ዘይምትሕብባር ድሕረ-ባይታ ኣለዋ፣ ብሕልፊ፡ ዝተሰጐጉ (ዝተኣልዩ ውልቀሰባት) ምቕባል ከም እትኣቢ ይገልጽ።
እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ብዛዕባ ካብ ገደብ ግዜ ቪዛኻ ምሕላፍ ኰይኑ፡ ኤርትራውያን ኣብዚ መዳይ'ዚ ልዑል መጠን ከም ዘመዝግቡ ብኣሃዛት ኣሰንዩ የቕርብ።
ካብ'ቶም ብዋኒን ወይ ዓዲ ክርእዩ ዝኣተዉ ኤርትራውያን 20.09 ሚእታዊት ከይተመልሱ ክተርፉ ከለዉ፡ ብትምህርቲ ወይ ብምልውዋጥ በጻሒ ካብ ዝኣተዉ ከኣ እቶም 55.43 ሚእታዊት ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ የመልክት።
ከም ውጽኢት ናይዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ድማ ምእታው ኤርትራውያን ዜጋታት ናብ ኣመሪካ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቛረጸ ይገልጽ። እዚ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ኸኣ ንኢሚግራንት (Immigrant) ከምኡ'ውን ናንኢሚግራንት (nonimmigrant) ቪዛ ከም ዝጸሉዎ እዩ ዝሕብር።
'ኢምግራንት ቪዛ' ዝበሃል፡ ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት (ብመርዓ፡ ሕጸ፡ ምጥርናፍ ስድራቤት ኰነ ብስራሕ) ናብ ኣመሪካ መጺኦም፡ ቀወምቲ ነበረትን ዜጋታትን ንኽዀኑ ዝጥቀምሉ መስርሕ እዩ። እዚ ቪዛ'ዚ፡ መብዛሕትኡ ብቆንስላዊ መስርሕ ዝሓልፍ ኰይኑ፡ እቲ ሰብ ኢምግራንት ቪዛ ዝበሃል ተዋሂቡዎ እዩ ናብ ኣመሪካ ዝገይሽ።
ናንኢምግራንት ቪዛ ዝበሃል ከኣ፡ ንሓጺር ግዜ ኣመሪካ በጺሕካ እትምለሰሉ ዓይነት ቪዛ እዩ። ደቁን ስድራኡን ወይ ሃገር ክርኢ ንዝኸይድ ገያሻይ፣ ከምኡ'ውን ንትምህርቲ፡ ሕክምና፡ ንግዲ ወዘተ ናብታ ሃገር ክኣቱ ዝወሃቦ ቪዛ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







