ትራምፕ፡ ካብ ሳልሳይ ዓለም ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ቀዋሚ ሕጊ ከጽድቕ'ዩ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ የማናይ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ ኣብ ዋይትሃውስ እናተዛረበ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሳልሳይ ዓለም ዝመጽኡ ሰደተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል 'ነባሪ እገዳ' ከንብር መደብ ከም ዘለዎ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተሰመየ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣፍሊጡ።

ትራምፕ፡ ብምኽንያት መዓልቲ ምስጋና (ታንክስ ጊቪንግ ደይ) ኣብ ዘመሓላላፎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ካብ ሳልሳይ ዓለም ዝመጽእ ዝዀነ ስደተኛ ናይ ምቕባል መደብ ከም ዘይብሉን ፈጺሙ ክእግዶ ምዃኑን ገሊጹ።

ነዚ ስጕምቲ'ዚ መበገሲ ዝዀነ፡ ሓደ ኣፍጋናዊ ስደተኛ ብረቡዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ሃገር ብረት ብምትኳስ፡ ንሓንቲ ቀቲሉ ንሓደ ድሕሪ ምቝሳሉ'ዩ።

ነዚ ተኸቲሉ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ 19 ሃገራት መጺኦም መንበሪ ፍቓድ ዝተወሃቦም ዜጋታት፡ ንመንበሪ ፍቓዶም ዳግማይ ክምርመር ኣዚዙ'ሎ።

ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ኣመሪካ ክትዓቢ እንተዀይና ካብ ኵለን ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ቀዋሚ እገዳ ከንብር'የ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብ እዋን ጆ ባይደን ናብዛ ሃገር ክኣትዉ ዝተፈቐዶም ሚልዮናት ስደተኛታት'ውን መንበሪ ፍቓዶም ክስርዞ'የ፡" ብምባል ፈኪሩ።

ኣገልግሎት ዜግነትን ኢምግረይሽንን ኣመሪካ ብረቡዕ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ምስ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ብምትሕሓዝ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ካብ 19 ሃገራት ዝመጽኡ ዜጋታት፡ ዝነበሮም ፍቓድ መንበርን ዕዮን፣ ከምኡ'ውን ዘቕረቡዎም ሕቶታት ዳግማይ ክምርመር ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

ምስዚ ውሳነ ተተሓሒዙ'ዩ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ሳልሳይ ዓለም ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ቀዋሚ ሕጊ ከጽድቕ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ዋላ ደኣ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃብ እምበር፡ እተን ሳልሳይ ዓለም ተባሂለን ዝግለጻ ሃገራት እተን ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ድኽነት ዝርከባ፡ ካብ ቅናት ምድሪ ንደቡብ ዝርከባ ሃገራት ምዃነን'ዩ ዝእመን።

ካብቲ እገዳ ብተወሳኺ፡ ትራምፕ "ንኣመሪካ ጠቐምቲ ዘይኰኑን ንኣመሪካ ክፈትውዋ ዘይክእሉን፡" እውን ካብ ኣመሪካ ከም ዝወጽኡ ክገብር ምዃኑ ፈኪሩ ኣሎ።

ዜግነት ናይ ኣመሪካ ዘይብሎም ክንሱ ብመንግስቲ ክወሃቦም ንዝጸንሐ ዝተፈላለየ ድጐማታት'ውን መንግስቲ ደው ከብሎ ምዃኑ ትራምፕ ኣፍሊጡ ኣሎ።

"ሰላም እዛ ሃገር ዘናውጹን ክስታት ዘለዎም ዜጋታት ደቂ ካልእ ሃገርን ዜግነቶም ምሕዳግ። ስግኣት ጸጥታ ዝዀኑን ምስ ምዕራባዊ ምዕባለ ዘይሰማምዑን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት፡" ካብ ኣመሪካ ናይ ምስጓጎም መደብ ከም ዘሎ'ውን እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ኣብ ዘስፈሮ ነዊሕ ጽሑፍ፡ "መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ወጻእተኛታት ካብ ቅልውላው ዘለወን ሃገራት ዝመጽኡ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኮነ ካብ ትካላት መእለዩ ሕማም ኣእምሮ ዘለዎም ዝወጽኡ፡ ኣጠፋፋእትን ኣዘዋወርቲ ዕጸ-ፋርስን'ዮም፡" ብምባል ናይቲ ኣብ ኣመሪካ ዝፍጸም ገበናት ተሓትቲ ምዃኖም ኣአንፊቱ።

ትራምፕ፡ ምስ ሲኣይኤ ዝሰርሕ ዝነበረን ወዲ 29 ዓመት ተወላዲ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዋሽንግተን ሞት ዘስዓብ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ'ዩ ከምዚ ኢሉ ዝዛረብ ዘሎ።

እቲ ኣፍጋናዊ መንእሰይ፡ መንግስቲ ኣመሪካ እቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ንመንግስቲ ኣመሪካ ዝተሓባበሩ ዝነበሩ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ድሕሪ ምፍቓዱ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ኣመሪካ ዝኣተወ'ዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ንኽምረጽ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ጎጐጓስ፡ ናብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንምእታው ዝግበር ፈተነታት ብምዕጻው፡ ኣብ ኣመሪካ ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከብሎ መዃኑ'ዩ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ዳግማይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ምስ ስደትን ስደተኛታትን ዝተኣሳሰር ኣዝዩ ብዙሕ ሓደስቲ ሕግታት ኣተኣታትዩ።

በዚ ምኽንያት፡ ብዝሒ ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ ስደተኛታት ብልዑል ቍጽሪ ከም ዝነከዮ ይግለጽ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ ዓመት 7,500 ስተኛታት ጥራይ ከም ዝቕበል ምሕባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ቍጽሪ እዚ ካብ 1980 ጀሚሩ እቲ ዝወሓደ ኣሃዝ ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።