ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ 'ፕሮፌሰር ምድቓል ዘርኢ' ፈቴን ኣባይ

ፕሮፌሰር ፈቴን ኣባይ፡ ግዚያዊት ፕሬዝደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኮይና ተሸይማ

ኣብዚ ሰሙን ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ፕሬዝደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝነበረ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ካብ መዝነቱ ከም ዝተላዕለ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ፡ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓንቲ ዝኾነት ተመራማሪት ሕርሻ ፕሮፌሰር ፈቴን ኣባይ ግዚያዊት ፕሬዝደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ኮይና ተሸይማ።

ፕሮፌሰር ፈቴን ኣባይ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ በዚ መዓርግ ዝበጽሐት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ብብዙሕ ኣካዳምያዊ ዓወታት እትፍለጥ ጠንካራ ጓል ኣንስተይቲ'ያ።

ንምዃኑ ፕሮፌሰር ፈቴን መን'ያ?፤ ሓጺር ድሕረ ባይታ ክንነግረኩም።

Short presentational grey line

ጓል ሓረስታይ ስለ ዝኾነት፡ ኣብ ብዙሓት መድረኻት ህይወት ሓረስታይ ክቕይሩ ዝኽእሉ ምርምራት ሕርሻ ክሰፍሑ ከም ዘለዎም ትዛረብ።

ኣብ ትግራይ ካብ መቐለ 36 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ውቕሮ ተወሊዳ ኣብ ውሽጢ ዓብዪ ስድራ ዓብያ።

ስድራ ፕሮፌሰር ፈቴን ኣባይ 12 ቖልዑ ዘፍረየ ኮይኑ፡ ንሳ ፍላይ መንታን ሕሳስ ገዛን እያ።

እንተኾነ ገና ቖልዓ 12 ዓመት እናሃለወት ብዕድመ ዳርጋ ሰለስተ ዕጽፊ ምስ ዝዓብያ ሰብኣይ ክትምርዖ ተሓሲቡ፡ ኣዲኣ ካብ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ከም ዘናገፈታ ይዝረብ።

ንሳ'ውን ነዚ ሰይራ ኣብቲ ሕጂ ዘላትሉ ደረጃ ከም ዝበጽሐት ተሞኩሮ ህይወታ ኣብ ዘካፈለትሎም መድረኻት ትገልጾ'ያ፤ ድሕሪኡ ኣድህቦኣ ኣብ ትምህርቲ ኮይኑ።

ፈለማ፡ ናብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ኣብ ኮሌጅ ሕርሻ ሃዋሳ እጽዋት ሳይንስ ተማሂራ ብዲፕሎማ ክትምረቕ እንከላ፡ ካብ 1985 ክሳብ 1988 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ገጠር ከባቢታት ኦሮሚያን ኣምሓራን ሰሪሓ።

ካብዚ ግዜ ኣትሒዙ ምስ ሓረስቶት ወሪድካ ኣብ ምስራሕ ብዘለዋ ልዑል ተወፋይነት ውጽኢታዊ ስራሕቲ ክትሰርሕ ብምኽኣላ፡ ሓረስቶት ምዕራብ ሃረርጌ ምንጪ ማይ ብምርካቦም ንክብራ ብሽማ ሰይሞምላ'ዮም።

ጎናጎኒ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣላማያ [ሕጂ ሃሮማያ ዩኒቨርሲቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ] ዕድል ትምህርቲ መርሃ ግብሪ ዲግሪ ረኺባ ብ1991 ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተመረቐት ኣብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ተመራማሪት ኮይና ሰሪሓ'ያ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ማለት'ውን ብ1993 ዓ.ም ድማ ካብተን ፈላሞት ደቂ ኣንስተይትዮ መምህራን ኮይና ናብቲ ሓድሽ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተጸምቢራ።

ብሙህሮን ምርምርን ክትቕጽል እንከላ፡ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ብምኻድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዌልስ [ባንጎር] ብምምሕዳር ሃፍቲ ገጠር ካልኣይ ዲግሪ ተማሂራ።

ንውሕ ንዝበሉ ዓመታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብምምሃርን ምስትምሃርን ከምኡ'ውን መጽናዕትን ምርምርን ብምክያድ ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ብ2007 [ኣቆጻጽራ ኤውⶂጳ] ንቐጻሊ ትምህርቲ ሳልሳይ ዲግሪ ናብ ኖርወይ ብምኻድ፡ ብሳይንስ ዘርእን ተኽልን {ሲድ ኤንድ ፕላንት} ሳልሳይ ዲግሪ [ፒኤችዲ] ረኺባ።

"ፍልጠትን ጥበብን ሓረስቶት ክንጥቀም ኣለና" ዝብል እምነት ዘለዋ ፕሮፌሰር ፈቴን ኣባይ፡ ብቐንዱ ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈላለዩ ሓረስቶት ብምስራሕ ኣብ ምምሕያሽ ዓሌት ዘርእን እጽዋትን ከምኡ'ውን ልምዓት ሕርሻ ዘድሃቡ ልዕሊ 45 ጽሑፋት ኣብ ዓለምለኻዊ ጆርናላት ኣሐቲማ'ያ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብ2015 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኢትዮጵያ ብሕርሻን ምርባሕ / ምድቓል ኣትኽልትን ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕሮፌሰር ኮይና። ብተወሳኺ፡ በቲ ግዜ ብደረጃ ሃገር'ውን ሳልሰይቲ ፕሮፌሰር እቲ ዓውዲ'ያ ነይራ።

ግዚያዊት ፕሬዝደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕሮፌሰር ምድቓል ዘርኢ ፈቴን ኣባይ

ምንጪ ስእሊ, Mekelle University/FB

ፕሮፌሰር ፈቴን ኣባይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓረስታይ ኣብ ዙርያ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ ኣተሓሕዛ ዘርእን ዘለዎ ፍልጠት ሓረስታይ ኣፍልጦ ሂብካ ፍርያምነት ንምዕባይ ኣብ እትመርሖም ዝነበረት ፕሮጀክታት፡ "ሓረስታይ ይፈልጥ ድዩ?" ዝብል ግጉይ ርድኢት ከም ዝነበረ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተዛሪባ እያ።

ንሓሙሽተ ዓመት ዝኣክል ግን ኣተሓሳስባ ኣብ ምቕያር ብምስራሕ ዘርኢ ናብ ምድቓል ከም ዝተሰጋገርትን እዚ'ውን ብምርጫን ውሳነን ሓረስቶት ክኸውን ከም ዝተገብረን ትገልጽ።

ካብዚ ብዝብገስ ካብ 1997 ክሳብ 2001 ድማ ብፕሮግራም ፈንድ ኔዘርላንድ ኣብ ትግራይ ዝካየድ መጽናዕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣተሓባቢራ።

እዚ ዓለምለኻዊ ፕሮግራም ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ኮይኑ ፕሮፌሰር ፈቴን ኣብ ትግራይ ዝነበረ ፕሮጀክት ብምትሕብባር ብቐንዱ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕርሻን ምምሕዳር ሃብቲ ተፈጥሮን ዘለወን ፍሉይ ኣበርክቶ ክጎልሕ ከም ዝገበረት ይዝረብ።

እዚ ናብ ደረጃ ሃገር'ውን ዓብዩ ኣብ 18 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤዥያን ኣመሪካን ምስ ዘለው መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብምትሕብባር ናብ ዝስርሐሉ ደረጃ በጺሑ'ዩ።

ፕሮፌሰር ፎቴን ኣባይ ካብ 2015 ጀሚሩ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መጽናዕታት ስነ ከባቢ፣ ስርዓተ ጾታን ልምዓትን ኮይና ተሓጋጋዚት ኤዲተር መጽሄት ድራይላንድ ኣግሪካልቸር እውን'ያ።

ምህዞን ሽልማትን

ፕሮፌሰር ፈቴን ኣባይ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ሞያ መሓዙታን ተመራመርትን ብምዃን ኣብ ዘርኢ ስገም ትኹረት ዝገበረ ምርምር ክተካይድ እንከላ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ኖርወይ ዝመጽኡ ሙሁራት ፕሮጀክት ምድቓል ዘርኢ ብምጅማር ዝተፈላለየ ዓይነት ዘለዎም ዘራእቲ ምሂዛ።

እዚ ብተደጋጋሚ ድሕሪ ዝተኻየፈ ምርምር ዝተረኸቡ ለውጢ ኩነታት ኣየር ክጻወር፣ ዝለዓለ ስነ መዓዛ ዘለዎምን ድርቂ ዝጻወሩን [ታግሉካን፣ ኣይረንን ዚንክን] ሰለስተ ዓይነታት ስገም ኣማዕቢላ።

እዚኦም ካብ ሓደ ሄክታር ካብ 4.5 ክሳብ 5.2 ቶን ፍርያት ክህቡ ዝኽእሉ ኮይኖም፡ ካብ ካልኦት ዘራእቲ ብዝበለጸ ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ወሰኽ ፍርያምነት ዝነበሮም'ዮም።

እዚ ካብ 2011 ጀሚሩ ልዕሊ 30 ሽሕ ሓረስቶታ [ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት] ተበጻሒ ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 500 ሄክታር ዝሸፈነ ዘርኢ ነይሩ።

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ድማ ክሳብ ነዞም ዝተዳቐሉ ዓሌታት ዘርኢ ስገም ዕላዊ ዝገብር ቅድም ኢሉ ዝማዕበለ ዓሌት ስገም ኣይነበረን።

እቶም ዓሌታት ፈላሚት፣ ሕሪትን ፈቲናን ዝብል ሽም ተዋሂቡዎም በቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተመዝገቡ'ዮም።

ብተወሳኺ ተጠቀምቲ እዚ ዝተዳቐለ ዘርኢ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣታዊአን ከም ዝዓበየ ይግለጽ።

ፕሮፌሰር ፈቴን ኣባይ በዝን ካልእን ኣብ ምርምር ሳይንስን ልምዓትን ኣጠቓቅማ ቴክኖሎጅን ዓብዪ ኣበርክቶ ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ'ያ ኮይና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝነበራ ኣበርክቶን ሓገዝን ብህዝቢ እትሽለምን እትምስገንን እያ።

ብ2009፡ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ሞያ ሳይንስ ሓንቲ ካብ ሓሙሽተ ተመራመርቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ኮይና ብምርባሕ ኣዝርቲ ተሓርያ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ብ2010 ሓረስቶትን ሳይንስን ትፈጥሮ ብዝገበረቶ ምትእስሳር ሽልማት ሸሊሙዋ።

ብተወሳኺ ፕሮፌሰር ፈቴን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዓውዲ ሳይንስ ብዘበርክቶ ሽልማት ኩዋሜ ንኩርማህ ተዓዊታ ሽልማት ሎሬት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብ2014 ከም ዝተዓወተት ይዝከር።