ዘቢባ ሸካያ፡ ከይተሓለለት "ዘይክኣል" ዝኸኣለት ኤርትራዊት

ዘቢባ ሸካያ

ምንጪ ስእሊ, ዘቢባ ሸካያ

ዘቢባ ሸካያ ኣብ ተኽረሬት ከባቢ ኣቁርድት ዝተወልደት ኮይና፡ ኣብ ኤርትራ ብ1978 ብስርዓት መንግሰቱ ሃይለማርያም ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታት ሰኪሓ ምስ ስድራኣ ንሱዳን ብምኻድ ብማእከላይ ምብርቕ ብምስጋር ብኣውሮጳ ኣቢላ ኣብ መወዳእታ ናብዛ ሓጂ ትነበረላ ዘላ ኣመሪካ በጽሐት።

ናብ ኣመሪካ ንክትኣቱ ዝተሓጋገዛ ብኣደ ሓዋ ዝኾነ ነብሰ-ሄር ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣብ መወዳእታ'ውን ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ዝነበረ ሳልሕ መኪ፡ ምዃኑ ዘቢባ ሸካያ ተብርህ።

ሂወት ግድል እያ፡ ኣብዘይ ዓድኻን ነታ "ማያ ኣስትየኒ" ተብል ሓረግ'ውን ከተረድእ ትኽእለሉ ቋንቋ ኣብዘይትኽእለሉ ከኣ ግድሉ ይብእስ።

ዘቢባ፡ ገድሊ ጉዕዞ ስደት ሰብዓታት፡ ኣብ መንገዳ ዘዋህለለቶ ትርኢትን ተዘክሮን ግን ሓደ ነገረ ኣብ ሓንጎላ ሓደገላ፡ ነቶም ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ህጻናትን ደቂኣንስትዮ ስደተኛታትን ምሕጋዝ ዝብለ ቅዱስ ሓሳብ።

ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ምስ ተበሰረ ምስቶም ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ምስታ ቀዳመይቲ ኣየር ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝኣተወት ኣየር ብምእታው ድሕሪ 13 ዓመታት ናብታ መዳሓንታ ዝተቐበረላ ሃገራ ክትምለስ ክኣለት።

ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መዳይ ትምህርትን ማይክሮፋይናንስን ንኽትሰርሕ ደጋጊማ መዓጹ ቤትጽሕፈታት ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ምጥያቅን ፍቃድ ኣብ ምሕታት ዓመታት ከም ዋዛ ተሾምቦቡ። ሕራይ ኢሉ ንሕልማ ከተተግብር ዝሕግዝ ኣካል ግን ክትረክብ ኣይክኣለትን።

"ኣብ ከረን፡ ኣቁርደትን ኣብ መደበርን ዝርከባ ቤት ትምህርታት ዝርከቡ ተማሃሮ ንምሓጋዝን ካልእ ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋትን ኣብ ዝፈተንክሉ፡ ድኻም ጥራይ ኮይነ እየ ተሪፈ" ድማ ትብል።

ኣይሰለጣን ደኣ'ምበር፡ ብኻሊእ መዳይ ከኣ ፈቲና።

"ኣብ ንኡስ ወፍርታት ንደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ ኣብ ህንዲ ከመይ ከምዝተሰርሓሉን ከመይ ኣቢሉ ዕዉት ክኸውን ከምዝኸኣለን ናብ ህንዲ ከይደ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ መጽናዕቲ ብምክያድ ኣብ ሃገረይ ከተግብሮ ፈቲነ እዚ'ውን ኣይሰለጠንን" ትብል ዘቢባ ሸካያ።

ዘቢባ እዚ ኩሉ ክትገበርን ደጋጊማ ናብ ኤርትራ እናተመላለሰት ንህዝቢ ንኽትሕግዝ ኣብ እትሓተሉ ዝነበረት ንሓዋ ነብሰ-ሄር ሳልሕ መኪ'ውን ካብ ምውካስ ዓዲ ኣይውዓለትን ነይራ።

ክንሕግዝ ክንዲ ዝበናስ. . . . .

"ንዓይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሎም ንህዝቦም ክሕግዙ ዝደልዩ ትኽልክሉ ኣለኹም፡ እንታይ ድዩ ዕላማኹም?" ብምባል ንብዙሓት ሓለፍቲ ትሓትት ምንባራ ትዛረብ።

ዘቢባ ሓፍቲ ሚኒሰተር ሳልሕ መኪ ስለዝኾነት ንብዙሓት ናይ ሽዕኡ ሚኒስተራት ንኽትረኽቦም ትጽገም ዘይምንባራ ብምሕባር፡ እቲ ምስ ካልኦት ሚኒስተራት ትመላለሶ ዝነበረት ኣብ እዝኒ ሓዋ ሚኒስተር ሳልሕ መኪ ክበጽሕ ክኣለ።

"ዘቢባ፡ ዝክኣለኪ ኩሉ ፈቲንኪ ኢኺ ካብዚ ንላዕሊ እንተቀጺልኪ ኣብ ሓደጋ ክትወድቂ ኢኺ፡ ንዓይ'ውን ኣብ ሓደጋ ከተውድቕኒ ኢኺ፡ ኣነ ንዓኺ ክሕግዘ ዝኽእለሉ መንገዲ ክኣ ዋላ ሓንቲ ኣይክህሉነ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ምብራቃዊ ሱዳን ኣብ ዘለዉ ስደተኛታት ኪዲ ፡ ንዖኦም ሓግዚ፡ ናብዚ ገጽኪ ከይትመጺ" ከምዝበላ ዘቢባ ኣብ መጽሓፋ'ውን ዘስፊረቶ ምስ ቢቢስ ኣብ ዝገበረቶ ፃንሒት ትዛረብ።

ንሕሉፍ ሂወታን ነዚ ናይ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝሓለፈቶ መስናኽላትን እተዘንቱ መጽሓፍ BUILDING THE IMPOSSIBLE ንብዙሕ ዛዕባታት ዘልዓለት ኮይና፡ ብብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ኣድናቆት ረኺባ ኣላ፤ ገላ ካብቶማ ኣብ ገበር መጽሓፋ ጦብላሕትኦም ዘስፈሩ፡ ተዓወትቲ ናይ ሰላም ኖበል ጳጳስ ዴዝሞንድ ቱቱን ፕሮፌሰር መሓምድ ዮኑስ ይርከብዎም።

ዘቢባ ሸካያ ድሕሪ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ንክትገብር ባይታ ከምዘየለ ብምርዳእ ናብቶም ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ትልሚ ከምዝጀመረት ትሕብር።

ምብርቅ ሱዳን ምስ ምዕራብ ኤርትራ ዶብ ዘሎዎ ኮይኑ፡ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ሕድሕዱ ንግዳዊ ርክባት ዝነበሮ እዩ።

ኣብ ኤርትራ መግዛእታዊ ሰንሰለታት ኣናኸረረ ኣብ ዝኸደሉ ህዝቢ ምዕራባዊ መታሕትን ከበሳን ኤርትራ ካብ ሞትን መግዝእትን ብምህዳም ናብ ምብራቅ ሱዳን ብብዝሑ ይሰደድ ነይሩ።

ዘቢባ ሸካይ ክኣ ሓንቲ ካብኣቶም ኮይና፡ ነቶም ቅድሚኣ ዝኸዱ ዝረገጽዎ ረጊጻ ኣብ መዓስከራት ሸገራብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝደልይዎ ክትሕግዝ ምህቃን፡ እቲ ዝህባ ሩፍታ ክንድ'ቲ ቀዳማይ ዝሓሰበቶ ዕማም ዋላ ኣይኹን፡ ኣብ ናይ መወዳእትኡ ንከትብጽሖ ድግዲግታ ሸጥ ኣበለት።

መጽሓፍ BUILDING THE IMPOSSIBLE

ምንጪ ስእሊ, ዘቢባ ሸካያ

ሰለስተዶ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት

"ገለ ካብቶም ኣብዚ መዓስከር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ ሰለስተ ኣርባዕተ ወለዶ ዝገበሩ ኣለዉ" ትብል ዘቢባ።

"እዞም ድሒሮም ናብዚ መዓስከር ዝመጹ ንኣሽቱ ቆልዑ፡ ነቶም ኣብዚ መዓስከር ነዊሕ ዝገበሩ ብምርኣይ ተስፋ ቆሪጾም ፈቀዶ ሳህራን ሲናይን ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ተገዲዶም እዮም" ብምባል ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ዘሎ ትዕዝብታ ተካፍል።

ኣብቲ ቦታ ብኣካል ብምኻድ፡ ምስ ኣዴታት ብምርኻብ ንዘሎ ሕጸረት ሕክምናን ናይ ማይን ንኽትሕግዘን ኣብ ዝሓተተትሉ፡

ንደቅና ቤት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣስርሕልና ከምዝበላኣ ብምግላጽ፡ ነቲ ዝሓለፈ ወለዶታት ንሰን ዘይረኸበኦ ዕድል ኣብ ደቀን ክድገም ዘይምድላየን ንልባ ከምዝተንከፋ ትገልጽ።

ብፍላይ ሓንቲ ኣደ ዘዕለለታ ወትሩ ኣብ ሓነጎላ ዝመላለስ ዘረባ፡ ንቲ ዕላል'ውን ቃል ብቃሉ ትዝክሮ።

"ጓለይ፡ ካብ መግቢ ትገዝእለይ፡ ሰልዲ ከይውደአና ቁሩብ እሞ ንጥመ ጥራዝ ግዝእለይ ኢላትኒ ስለዚ በጃኺ እቲ ማይ ብሕቆናን ብኣድግን ክንወርድ ንኽእል ኢና ትምህርቲ ግን . . . . . . . ." ዝበለታ ንድሕሪት ተመሊሳ ትዝክር።

ድሕሪ እዚ ዘቢባ ኣብ 2008 ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትምህርቲ ዝሕግዝ ሀሊንግ ብሪጅ ዝብሃል ናይ ግብረ ሰናይ ትካል ብምጥያሽ ኣብ ከሰላ ሱዳን ንብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ክትሕግዝ ኣንከላ፡ ምስ ካልእ ARAHA( American Relief Agency for the Horn of Africa) ብምሽራኽ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ሱዳን፡ ንደቂኣንስተዮ ዘምህር ቤት ትምህርቲ ንምኽፋት ስርሓ ጀመረት።

ድሕሪ ብርቱዕ ሃልኪ፡ ናይ መጀመ ርታ ኣብ መዓስከራት ንደቃንስትዮ መምሃሪ ዝተሃንጸ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብዘቢባ ሸካያ ኣብ መሬት ሱዳን ተሰርሐ።

ዘቢባ ሸካያ፡ ናይተን ህጻናት ንትምህርቲ ዘለወን ሃረርታን፡ እተን ኣዴታት ንደቀንን ንናብራን ዝኸፍለኦ ዘለዋ መስዋእትን ምሒር ፍናን ከምዝኾና ብምሕባር፡ ወላ እኳ እንተድከማ፡ ሳላ ምትብባዕ እቶም ስደተኛታት ነቲ ዘይክኣል ክትክእሎ ከምዝከኣለት ትሕብር።

ሃልኪ ዘበገሶ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓንቲ ካብተን ክልተ ሳንቡኣ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ኮይና ምህላዋ ትሕበር።

እዚ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 150 ተምሃሮ ክሕዝ ዝኽእል ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ብዙሓት ተምሃሮ ኣመሪቁ ናብ ዝልዓለ ደረጃ ዘብጸሕ ቤት ትምህርቲ እዩ፡ ክሳብ ካናዳ ብስኮላር ሽፕ ዝኸኡ ተምሃሮ ከምዘለዉ ብምሕባር ፍረ ፃማኣ ትሓፍሰሉ ግዜ ተስተማቅር ከምዘላ ዘቢባ ብሓጎስ ትገልጽ።

እቲ ኣብ ዓደይ 'ኣይክኣልን እዩ' ዝበሉኒ ከምዝክኣል ብምርኣይ ነታ ንጉዕዞ ሂወተይ እተዘንቱ መጽሓፍ 'building the impossible' ኢለያ ትብል።

ዘቢባ ሸክያ ኣብዚ ከይተሓጸረት ማእኸላት ጥዕና ብምኽፋት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምውዳድ ናይ ቀረባ ሕልማ እዩ።

ዘቢባ ሸካያ ኣብ መጽሓፋ ብዛዕባ ኣማውታ ሓዋ ዝኾነ፡ ሚኒስተር ሚኒስተሪ ጥዕናን ኣብ መወዳእታ'ውን ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ዝነበረ ሳልሕ መኪ ንብዙሓት ኣዘራራቢ ዝኾነ ዛንታ ኣስፊራ ኣላ።