ዶናልድ ትራምፕ፡ 'ካብ ስልጣነይ እንተድኣ ወሪደ "ዕዳጋታት ዓለም ሮማዕ ክብሉ'ዮም"

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ንዝነበሮ ዝምድና ንምስታር ገንዘብ ከም ዝኸፈለ ተኣሚኑ

ክልተ ኣገደስቲ ኣማኸርትን ደገፍትን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ሓደ መዓልቲ ገበነኛታት ኮይኖም ድሕሪ ምርካቦምን ሓዲኦም'ውን እቲ ፕረዚደንት ገበን ከም ዝፈጸመ ምምስካሩን ንስልጣን ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሓደጋ ከየእተዎ ኣይተርፍን ይበሃል ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ሎሚ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ (ኢምፒችድ) እንተድኣ ተገዲዱ "ዕዳጋታት ዓለም ሮማዕ ክብሉ'ዮም" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ሰሉስ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብዝርከቡ ኣብያተ ፍርዲ ዝተዋህበ ብይናት፡ እቲ ንዓመታት ጠበቓ ዶናልድ ትራምፕ ዝነበረ ማይክል ኮሆንን፡ ኣካያዲ ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ ዝነበረ ፓል ማናፎርትን ብዝቐረበሎም ሓያሎ ክስታት ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ።

ብመጀመርታ እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ጠበቓ ዶናልድ ትራምፕ ኮይኑ ዘገልገለን፡ ኣብ ክንድኡ ክመውት ድልዉ ምዃኑ ክገልጽ ዝጸንሐ ማይክል ኮሆን፡ ብዝቐረበሉ 8 ክስታት ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ- ባዕሉ ምእማኑን ክተሓበበር ምስምምዑን ነቲ ዝወሃቦ ፍርዲ ከቕልሎ ይኽእል'ዩ።

ማይክል ኮሆን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, 'ኣብ ክንዲ ዶናልድ ትራምፕ ክመውት ድልዉ'የ" ዝብል ዝነበረ ጠበቓ ብትእዛዝ ትራም ገበን ከም ዝፈጸመ ይእመን

ክልተ ካብቶም ዝፈጸሞም ገበናት ፍሉይ ዝገብሮም፡ ንናይ ምርጫ ዝተሓሓዝ ገንዘብ ዝግዛኣሉ ሕግታት ብምጥሓስ ምዃኑ'ዩ። ብውልቁን ሓደ ኩባንያን ካብቲ ብሕጊ ዝተፈቕደ ንላዕሊ ንናይ ምርጫ ጎስጓስ ከወፍዮ ብምግባሩ'ዩ። ካልኦት ምስ ግብሪ ዝተሓሓዙ ገበናት ከም ዝፈጸመ'ውን ተኣሚኑ'ዩ።

እቲ ክፍሊት ዶናልድ ትራምፕ "ብዝሃቦ መምርሒ" ዝገበሮ ምዃኑ፡ ነቲ ብዛዕብኡ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ክማጎት ዝኸረመ ትራምፕ ዘቃልዕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ገበን ኢድ ከም ዘለዎ'ውን ዘጋልጽ'ዩ።

ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ 2016 ዝተገብረ ዶናልድ ትራምፕ ዝተዓወተሉ ምርጫ፡ ንሓንቲ ብ'ስቶርሚ ዳኒኤልስ' እትፈለጥ ተዋሳኢት ወሲባዊ ፊልም ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዝነበራ ርክብ ንምስታር ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ዶላር ከም ዝሃባ ተኣሚኑ። ነዚ'ውን ትራምፕ ብዝሃቦ ትእዛዝ ዝገበሮ ምዃኑ ተዛሪቡ'ሎ።

በዚ ዝተቖጠዐ ትራምፕ፡ ነቲ ንዓመታት ዘገልገሎ ጠበቓ "ሓሳዊ" ክብል ድሕሪ ምጥቃን፡ እቲ ነታ ሰብ ዝተዋህበ ገንዘብ ካብ ሕሳቡ ዝተወስደ እምብር ካብቲ ናይ ጎስጓስ ዘይምዃኑ ገበነኛ ከም ዘይገብሮ ተዛሪቡ።

እቲ ጠበቓ ብወገኑ ዶናልድ ትራምፕ ዝፈጸሞ ገበናት ከቃልዕ ምዃኑ ምሕባሩ፡ ብድሕሪ ሕጂ እንታይ ክመጽእ ከም ዝኽእል በሃንቀውታ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ'ሎ።

ፓል ማናፎርት

ምንጪ ስእሊ, ALEXANDRIA SHERIFF"S OFFICE VIA GETTY

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ ክዕወት ዝገበረ ፓል ማናፎርት ክሳብ 80 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረዶ ይኽእል'ዩ

እቲ ካብኡ ዝዓበየ ጉዳይ፡ እቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብሰሉስ ካብቶም ዝቐረብሉ ሓያሎ ክስታት ብ8 ገበነኛ ኾይኑ ዝተረኸበ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ዋና ኣካያዲ ዝነበረ ፓል ማናፎርት እዩ። እቶም ነቲ ብይን ዝሃቡ ብ'ጁሪ' ዝፍለጡ በቲ ቤት ፍርዲ ዝቖሙ ነቲ ጉዳይ ንምድናይ ዝተመርጹ ዜጋታት፡ ነቶም ዝተረፉ 10 ክስታት ኣብ ምሃብ ማዕረ ድምጺ ብምሃቦም፡ ጌና ተንጠልጢሎም ተሪፎም ኣለዉ።

ንሱ፡ 5 ምስ ግብሪ ዝተሓሓዙ ገበናት ምጥፍፋኣትን ምድንጋራትን፡ ሓደ ብምስጢር ዝተኸፍተ ናይ ወጻኢ ባንክ ሕሳብን ክልተ ናይ ባንክ ምጥፍፋእን ገበነኛ ኸይኑ ተረኺቡ'ሎ።

በዘን ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡለን ዘሎ ገበናት ጥራይ ንዓሰርተታት ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ ይኽእል'ዩ። ዶናል ትራምፕ ብኩነታት ማናፎርት ከም ዝሓዘነ ድሕሪ ምግላጽ "ጥዑም ሰብ" ክብል ገሊጽዎ።

ዶናልድ ትራምፕን እቲ ንሱ ዘቖሞ ናይ ጎስጓስ ኣካልን ምስ መንግስቲ ሩስያ ብምመስጣር ኣብቲ ምርጫ ክዕወት ኪኢሉ ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ሓደ መርማሪ ኣካል ቆይሙ የጻርዮ ከም ዘሎን፡ ክሳብ'ቲ ፕረዚደንት ክበጽሕ ከም ዝኽእልን ይፍለጥ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ሩስያ ርክብ ከም ዝነበሮ ጭብጥታት እንተድኣ ተረኺቡን በቲ ክሲ ገበነኛ ኾይኑ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይኽእል'ዩ። እንተኸነ "ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ'ዩ " ብምባል ነቲ ክሲ ይነጽጎ።