ኦማሮሳ ማኒጓልት፡ ዘረባ ትራምፕ ብምስጢር ቀዲሓ

ፕረዚደንት ትራምፕን ኣማኻሪቱ ዝነበረት ማኒጓልትን ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ 2016

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዝሓለፈ ዓመትካብ ስራሓ ዝተሰጎገት ኣማኻሪት ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝነበረት ኦማሮሳ ማኒጓልት፡ ካብ ስርሓ ምስተሰጎገት፡ እቲ ፕረሲደንት ቴለፎን ደዊሉ ዝበላ ብምስጢር ቀዲሐዮ ዝበለቶ ድምጺ ዘርጊሓ።

እቲ ኣብ ቴሌቪዥን ኤን ቢ ሲ ዝተቓለሐ ድምጺ ትራምፕ ዝጥዕም ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ናይ`ቲ ዝደወለሉ ዕለት ብምስጓጋ ክግረም ተሰሚዑ።

`ብዛዕብኡ ዋላ ሓደ ዝነገረኒ ሰብ ኣይነበረን` ክብል ድማ ተሰሚዑ።

ንሳ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተዘክሮታታ ዝሓዘ መጽሓፍ ናብ ህዝቢ ከተቕርብ'ያ። ዋይት ሃውስ ግን ዝኾረየት ሰራሕተኛ ነበር`ያ ኢሉዋ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ግን፡ ካብ ስራሓ ምስ ተሰጎገት'ያ ንዓይ ክተጥቅዕ ጀሚራ ኢሉ ብሰኑይ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ንሓላፊ ቤት ጽሕፈቱ ጆን ኬሊ ነቲ ጉዳይ 'ክከታተሎ' ነጊርዎ ከምዝነበረ ድማ ሓቢሩ።

ጠበቓ ትራምፕ ሩዲ ጁሊያኒ ድማ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኮይና ብሕታዊ ምይይጥ ብምቕድ````````ሓ ሕጊ ጥሒሳ ክትከውን ትኽእል'ያ ኢሉ።

ማኒጓልት ኣብ'ቲ ብትራፕም ዝመሓደር ዘ ኣፕረንቲስ (ተልመዴን) ተባሂሉ ዝፍለጥ ምርኢት ቴሌቪዥን ካብ ዝነበረትሉ እዋን ኣትሒዛ'ያ ነቲ ፕረሲደንት ትፈልጦ።

ኣብ ዋይት ሃውስ ናይ ርክባት ሓላፍነት ቅድሚ ምውሃባ ድማ፡ ኣብ እዋን ምርጫ 2016 ንትራምፕ ኣብ ጉዳያት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ተማኽሮ ነይራ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

Presentational grey line

ምንስፋፍ ንደገን ንውሽጥን

ትንተና ብልእኽቲ ቢቢሲ ኣብ ዋይት ሃውስ ታራ ማክከልቪ

እቲ ፕረሲደንት 'ኦማሮሳ ፈንጤጋር' ኢሉ'ዩ ዝጽውዓ። ከምኡ ምባሉ ግን ሓቅነት ኣለዎ። እቲ ሕጂ ትብሎ ዘላ ኣዝዩ ዘዘናግዕ'ዩ፡ ነቲ ፕረሲደንት ግን ዘሕፍር'ዩ።

ብመንገዲ መጽሓፋ ይኹን ናይ ቴሌቪዥን ቃለ-መሕትታ ንብሕታውያን ምይይጣትን ዘይንቡር ምሕደራን ኣቃሊዓ። ካልእ ዘቃላዓቶ በደል ግን የልቦን፡ ኣይክህሉን ከኣ'ዩ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ርክባት ህዝቢ ኮይና ኣብ ጉዳያት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዘተኮረ ስራሕ'ያ ትሰርሕ ነይራ።

ልዑል ምስጢራት ክትረኽበሉ እትኽእል ቦታ ግን ኣይነበራን። መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ እዋን ውራያት ዋይት ሃውስ ንውሽጥን ንደገን ክትንሳሰፍ ጥራይ'የ ዝርእያ ነይረ።

እቶም ውራያት ኣሰልቸውቲ ኮይኖም ምስ እትረኽቦም ገዲፋቶም ትወጽእ ወይ ከአ ንመሓዙታ እናእዝወረት ቦታታት ተርእዮም ወይ ሻሂ/ቡን ትእንግዶም።

እዚ ሕጂ ፈጺማቶ ዘላ ናይ ምቅላዕ ተግባር ንግዚኡ ኣብ`ቲ ብናይ ተሌቪዥን ከዋኽብቲ ዝተመልአ ዌስት ዊንግ ተባሂሉ ዝፍለጥ ክፍሊ ናይ ዋይት ሃውስ ምክዋስ ፈጢሩ`ሎ፡ እቲ ፍጻመ ግን ነዊሕ ኣይክኸይድን`ዩ።

Presentational grey line

እዛ ናይ ትራምፕ ካሴት እንታይ`ያ ትብል?

ኣብቲ ናይቲ ፕረሲደንት`ዩ ዝተባህለ ድምጺ፡ 'ስራሓ ክትገድፍ ምዃና' ኣብ ዜና ከምዝሰምዐን እንታይ ከምዘጋጠመን ሓቲትዋ።

`ጀነራል ኬሊ ረኺቡኒ፡ ንስኻትኩም ድማ ስርሐይ ክልቅቕ ከምእትደልዩኒ ነጊሩኒ` ኢላ መሊሳትሉ።

"ፍጹም፡ ብዛዕባ`ዚ ዝነገረኒ ሰብ`ውን የለን` ኢሉ መሊሱ ንሱ። ትፈልጢ ዲኺ? ሓደ ዓቢ ስርሒት'ዮም ኣካይዶም። ኣነ ግን ኣይፈለጥኩን ነይረ። ፈጺመ ክትከዲ ኣይደልየክን'የ"።

Skip X post, 3
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 3

ኒጓልት ንምታይ ካብ ስራሕ ተሰጒጋ?

13 ታሕሳስ፡ ንመሳርሕታ ከምተሕርቖም ብማዕከናት ዜና ይጋዋሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እኣ ካብ ስርሓ ተሰጒጋ።

ብዛዕባ ምስጓጓ ኣመልኪታ ኣብ ዘውጽኣቶ ቅዳሕ ድምጺ፡ ናይ ጀነራል ኬሊ ምዃኑ ዝግመት ድምጺ፡ ምኽንያት መስጎጒኣ፡ ዓቢ ጉድለት ጭውነት ምዃኑ ይዛረብ፡ መካይን መንግስቲ ምጥቃማ ድማ ይጠቅስ።

"ኣዝዮም ረዘንቲ ዝኾኑ ዝተጣሕዝሱ ሕጋዊ ጉዳያት ኣለዉ። ንስኺ ድማ ንገለ ሕጋዊ ስጉምትታት ተቓሊዕኪ ኣለኺ። ተስፋ ንገብር ክንቆጻጸሮም" ይብል ንሱ ኣብቲ ዝተቐድሐ ድምጺ።

"እቲ ናትኪ ምልቃቕ ስራሕ ምሕዝነታዊ እንተድኣ ገይርናዮ፡ እቲ ናይ ዋይት ሃውስ እዋንኪ ንሃገር ከምዘገልገልኪ ክትቆጽርዮ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ መጻኢ ድማ ንክብርኺ ብዝምልከት፡ ብዘይ ገለ ጸገም ክትነብሪ ኢኺ" ድማ ይብል።

ፕረሲደንት ትራምፕ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ`ዚ ዝፈልጥ እንተኾይኑ ምስ ሓተተት ድማ፡ "ናብኡ ገጽና ትሒትና ኣንተዘይከድና ይሓይሽ። እዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ምይይጥ ኣይኮነን" ብምባል ነቲ ሕቶ ነጺግዎ።

እቲ ተግባር ምልቃቕ ናይቲ ምስጢራዊ ድምጺ ቅኑዕ ምዃኑ ንምግላጽ፡ እዚ እቲ ኩሉ ሰብ ዝሕስወሉ ዋይት ሃውስ ስለዝኾነ፡ ንገዛእ ርእሳ ክትከላኸል ኢላ ከምዝገበረቶ ሓቢራ።

ንኹሉ`ቲ ኣብ እዋን ስራሕ ዘጋጠመ ነገር ንኸይትዛረብ ዝእግዳ ብዝመስል ኩነት፡ ዝኾነ ይኹን ምስጢር ከይትዛረብ ዝእግድ ውዕል ከቲማ`ያ ኢሉ ትራምፕ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ።

ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ምስጢራት ኣብ ደገ ወጺኦ ከይዛረቡ ዝእግዱ ውዕላት ንኹሎም ላዕለዎት ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ናይ ዓሚ ተዋሂብዎም ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ ነቲ ውዕል ዝጠሓሱ ሰባት ዝውሰድ ስጉምቲ ግን ኣይተገልጸን። ኣብ እዋን ፕረሲደንትነት ባራክ ኦባማ ዘገልገለ ጠበቓ ስነ-ምግባር ዝኾነ ኖርም ኢይሰን ግን ከምኡ ዓይነት ውዕል ሲቪላዊ መሰላት ዝጥሕስ`ዩ ኢሉ።

ትሕዝቶ`ቲ መጽሓፋ እንታይ`ዩ?

እቲ ኣዝዩ ዝገዘፈ ጠቐነ ትራምፕ ኣብ እዋን ምቕዳሕ ፊልም ኣፕረንቲስ ፊደል ኤን (ኔግሮ ንምባል ዓሌታውያን ጸዓዱ ኣሜሪካውያን ዝጥቀምሉ ቃል) ተጠቒሙ ዝብል`ዩ።

ብሰንበት ምስ ኤን ፒ ኣር ሬድዮ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት እታ ቴፕ ሰሚዔያ`የ ኢላ። እታ ኣነዋሪት ቃል ክብላ ከምዝሰምዓቶ ግን ኣብ`ታ መጽሓፍ ኣየስፈረታን።

ዋይት ሃውስ ግን፡ ብዛዕባ`ቲ ትራምፕ ዝተጠቕመሉ ቃል ዝተዛረበቶ ሓሶት`ዩ ኢሉ።

Skip X post, 4
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 4

Skip X post, 5
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 5

እታ ቃል`ቲኣ `ኣብ መዝገበ-ቃላተይ` የላን፡ ከምኡ ዓይነት ዝተቐድሐ ካሴት ከምዘየለ`ውን መረጋገጺ ተዋሂቡ`ሎ ኢሉ ትራምፕ ብመንገዲ ትዊተር።

እታ መጽሓፍ፡ ኦማሮሳ ኣብ ፕረሲደንት ትራምፕ ዝነበራ ኣራኣእያ ከምዝተቐየረ ተርኢ። ምስ`ቲ ኣብ እዋን ምስጓጓ ዝበለቶ ብዝራጸም መንገዲ ድማ እቲ ፕረሲደንት ዓሌታዊ`ዩ ኢላ።