ፈላሚ መደረ ፅልኢ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ብመራሕቲ ዓለም ተነቒፉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንፈለማ እዋን ዘስመዕዎ መደረ ብዝተፈላለዩ ሃገራት ተኾኒኑ።
ብፍላይ እተን ብመደረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተናሸዋ ሃገራት፡ ዘይግቡእ መደረ ክብላ ኮኒነንኦ።
እቶም ፕረዚደንት፡ ሃለዋት ኣሜሪካ ክህሉ ዘይደልያ ዝበልወን ከም ኢራን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ "ውሑዳት ጨቆንቲ ስርዓታት" እንትብልዋ፡ ኣሜሪካ ተገዲዳ ናብ ኲናት እንተኣትያ ድማ፡ ንሰሜን ኮሪያ ከም ተጥፍኣ ገሊፆም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢራን ብወገኖም " መደረ ፅልእን ድንቁርናን ትራምፕ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘይኮነስ ኣብ ማእኸላይ ዘመን ክቐርብ ዝግባእ" ክብሉ ኣናሽዮሞ።
ንዕብየት ዜጋታተን ዝፅዕራ ሉኣላውያን ሃገራት ኣብ ምፍጣር ዘድህብ'ዩ ዝተብሃለ መደረ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝበዝሕ ግዜ ዓለም ሐዚ ንዘላትሉ ፀገም በሪ ዝኸፈታ ኣብ ዝበልወን ሃገራት፡ "ስግኣት ዓለምና ዝኾና ሃወኽቲ ሃገራት"ብምባል ነዊሕ መደረ ኣስሚዖም።
ንሰሜን ኮሪያ ውሳነ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝጠሓሰ ተደጋጋሚ ፈተነ ሚሳይል ኣካይዳ ብምባል፡ ዋሽንግተን ኩሉ ግዜ ክተጠንቅቓ ፀኒሓ እያ።
ትማሊ ሰሉስ ድማ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን "ዓርሱ ናይ ምጥፋእ ልእኽቶ ዘለዎ በዓል ሮኬት " ብምባል ኮኒኖሞ።
ኣሜሪካ ንዓርሳን መሻርኽታ ሃገራትን ንምክልኻል ስጉምቲ ክትወስድ እንተተገዲዳ፡ " ንሰሜን ኮሪያ ግና ካብ ምድረ ገፅ ካብ ምጥፋእ ምንም ኣማራፂ ኣይህልወናን ኢዩ" ኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, UN / EVN
ድሕሪ መደርኦም ካብ ጉባኤተኛታት ሓደ፡ ኣብቲ ኣዳራሽ ገፁ ብኢዱ ብምሽፋን ዓው ኢሉ፡ ድምፂ ተቓውሞ ከም ዘስምዐ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ስዊድን ማርጎት ዋልስቶርም ብወገኖም፡ መደረ ትራምፕ፡ "ኣብ ዘይግዜኡን ንዘይምልከቶ ተሳታፍን ዝቐረበ ግጉይ መደረ ነይሩ" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኢራን "ብሽፋን ዲሞክራሲ ብግዕዝይና ዝተጨማለቐትን ውልቀ መላኺ ኣመራርሓን ዘለዋ ሃገር" ከም ዝኾነት ዝሓበሩ ዶናልድ ትራምፕ "መሰረት ህውከትን ደም ምፍሳስን" ብምባል ገሊፆማ።
ትራምፕ፡ ንቬንዝዋላ እውን ኣብ መደርኦም ብምእታው፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ግዕዙይን ውልቀ መላኽን ብምባል፡ ኣሜሪካ ስጉምቲ ከም ትወስድ ኣጠንቂቖም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቬንዝዋላ ሆርጌ ኣሪዬዛ ግና፡ ነቲ መጠንቀቕታ ብምንፃግ "ትራምፕ ናይ ዓለም ፕረዚደንት ኣይኮንን፡ ናይ ባዕሉ መንግስቲ እኳ ኣየመሓደረን" ኢሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







