ሜላንያ ትራምፕን ቀዳመይቲ እመቤት ነበር ላውራ ቡሽን ንፖሊሲ ትራምፕ ይቃወማ

ዶብ ኣመሪካ-ሜክሲኮ ክሰግሩ ዝተረኽቡ ዓበይቲ ስደተኛታት ሽዑ ንሽዑ 'ዮም ናብ ማእሰርቲ ዝውሰዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳመይቲ እመቤት ነበር ላውራ ቡሽ ነቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ'ታ ሀገር ንዝኣትዉ ስደተኛታት ህፃናት ካብ ወለዶም ዝፈላሊ ኣካታዒ ፖሊሲ ዶናልድ ትራምፕ ኮኒና።

ኣብ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝተሓተመ ፅሑፋ፤ ነቲ ንህፃናት ካብ ወለዶም ናይ ምፍላይ ጨካን ተግባር ፣ ስነምግባር ዝጎደሎን ዘሕዝንን ክትብል ገሊፃቶ።

ቅድም ክብል ሜላንያ ትራምፕ 'ውን ብዘይተለመደ መልክዑ ብዛዕባ እቲ ፖሊሲ ዘለዋ ስግኣት ገሊፃ ነይራ'ያ።

ውሃቢት ቃል ቀዳመይቲ እመቤት ከምዝበለቶ "ሜላንያ ህፃናት ካብ ወለዶም ክፍለዩ ምርኣይ ኣይትፎቱን"።

ሜላንያ ትራምፕ ድማ ከምቲ ሰብኣያ ዝበሎ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት መፍትሒ ንምምፃእ "ክልቲኦም ወገናት" ክሰርሑ ፀዊዓ። ግንከኣ፤ ነቲ ጉዳይ ብቕርበት ዘፅንዑ ሰባት ከምዝብልዎ እዚ ፖሊሲ እዚ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ምምሕዳር ናይ ትራምፕ ዘምፀኦን ናይ ኮንግረስ ስጉምቲ ዘይደልን'ዩ ይብሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ሰሙናት፤ ኣብ ልዕሊ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝሰግሩ ስደተኛታት ብዝተገበረ ስርሒት፤ ኣስታት 2,000 ቤተሰብ ክፈላለዩ ከምዝኸኣሉ ይዝረብ።

እንታይ ተባህለ?

በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበርን ኣባል ሪፓብሊካን ፓርትን ጆርጅ ቡሽ ዝኾነት ላውራ ቡሽ ኣንፃር እቲ ፖሊሲ ብግልፂ ተዛሪባ።

"እዚ ፖሊሲ ጨካን እዩ። ኣዝዩ እዩ ኣሕዚኑኒ" ክትብል ኣብ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ፅሒፋ።

ብፀጋም ላውራ ቡሽ፤ ብየማን ድማ ሜላንያ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters/Getty Images

ቅድም ክብል ድማ ሜላንያ ትራምፕ "ህፃናት ካብ ወለዶም ክፍለዩ ምርኣይ ኣይፎቱን፤ ስለዝኾነ ድማ ዕውት ምምሕያሽ ጉዳይ ስደተኛታት ንምምፃእ ክልቲኦም ወገናት [ኣብ ኮንግረስ ዝርከቡ ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ተወከልቲ] ክሰርሑ ተስፋ እገብር" ኢላ።

"ንኹሉ ሕግጋት ዘኽብር ሃገር ክንከውን ኣለና፤ ግን ከኣ ኣገዛዝኣና እውን ካብ ልቢ ክኸውን ይግባእ" ክትብል ወሲኻ ኣብ መግለፂኣ።

መን እዩ ተሓታቲ?

ፕረዚደንት ትራምፕ "ኣባላት ዲሞክራት ፓርቲ ዝሃቡና" ሕጊ እዩ ነዚ ፖሊሲ ፈጢርዎ እኳ እንተበለ፤ ነየናይ ሕጊ ይጠቅስ ከምዘሎ ግን ግልፂ ኣይኮነን።

ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ትዊተሩ ኣብ ኮንግረስ ዝርከቡ ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ተወከልቲ ሓዱሽ ሕጊ ንምውፃእ ክሰርሑ ፀዊዑ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፤ ንህፃናት ካብ ወለዶም ፈሊኻ ምእሳር ዝሓለፈ ወርሒ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ምምሕዳር ትራምፕ ዘምፀኦ ፖሊሲ ምዃኑ ነቐፍቲ ትራምፕ ይሕብሩ።

ተንተንቲ ከምዝብልዎ እቲ ዝዓበየ ለውጢ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ንፈለማ እዋን ዶብ ጥሒሶም ንዝሰገሩ ወለዲ ብገብን ተሓተትቲ ክኾኑ ምውሳኑ እዩ። እቶም ቆልዑ ግን ብገበን ኣይኽሰሱን እዮም፤ እዚ ማለት ድማ ምስወወለዶም ክእሰሩ ኣይክእሉን'ዮም ማለት እዩ።