ታሪኻዊ ዘተ መራሕቲ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ዉጽኢታዊ ነይሩ

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ አን (ጸጋም) ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራም (የማን)

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮያ ኪም ጆንግ ኣን ዝገበሮ ታሪኻዊ ዘተ ብስምምዕ ከምዝተዛዘመን "ዓብዪ" ከምዝነበረን ተዛሪቡ።

ክልቲኦም መራሕቲ ሓበራዊ ስምምዕ ዝፈረሙ እንትኾን፡ ቐጠና ኮርያ ካብ ኣጽዋር ኒኩለር ናጻ ምግባር እቲ ሓደ'ዩ።

እንተኾነ ግና ትራምፕ ድሕሪ እቲ ናይ ክልቲኦም ሓበራዊ መግለጺ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብቲ ዝተፈረመ ወረቐት ዘለዉ ዝርዝራት ዝምልከት ኣይተዛረበን።

ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝካየድ ወተሃደራዊ ምንቅስቃስ ጠጠዉ ከምዘብሎ'ዉን ገሊጹ።

መራሕቲ እዘን ሃገራት ገጽ ንገጽ ክራኸቡ ንፈለማ እዋን'ዩ።

ሕዚ ክልቲኦም ዝበጽሑዎ ስምምዕ ድማ ኣብ ቐጠና ኮርያ ዘሎ ወጥሪ ምንካይን ኣጽዋር ኒኩለር ምእላይን'ዩ።

ክልቲኤን ሃገራት ሓድሽ ምሕዝነት ክፈጥራ ክተሓባበራን፡ ኣሜሪካ ድማ "ዉሕስና ደሕንነት" ክተቕርብን መራሕተን ዝተሰማምዕሉ ዛዕባ ከምዝኾነ'ዉን ተገሊጹ ኣሎ።

ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ምንሕናሕ፡ ዶናልድ ትራምፕን ኪም ጆንግ ኡንን ኣብ ስልጣን እንከለዉ ዝተራኸቡ መራሕቲ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ፈላሞት ኮይኖም።

ፕረስደንት ትራምፕ እቲ ዝርርብ ም ኪም ካብ ትጽቡት ናይ ካልሎኦት ዝሐሸ ክል ገሊጽዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ምዕጥጣይ ድማ ክልቲኦም መርሕቲ ትማሊ ኣብ ደሴት ሴንቶሳ፡ ሲንጋፖር ኣብ ዝርከብ ሓደ ኣዝዩ ዓብይ ሆቴል ናይ ኢድ ሰላምታ ተለዋዊጦም፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣወጊድካ ወጥሪ ንምእላይ ድማ ይዛተዩ ኣለዉ።

ገለ ተንተንቲ፡ እቲ ርክብ ከም ዓወት ፕሮፓጋንዳ ኪም ጆን ኡን ክርእይዎ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ናብ ሰላም ዘምርሕ ጉዕዞ`ዩ ይብሉ።

ግብረ መልሲ ዓለም?

ዓበይቲ ሓይልታት እቲ ቐጠና ንጉባኤ ኪም ጆንግ ኣንን ትራምፕን ዝምልከት እወንታዊ ግብረ መልሲ ሂቦም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃ-ኢን፡ "ክልቲኤን ኮርያን ኣሜሪካን ኣብ ምትሕብባርን ሰላምን ሓድሽ ታሪክ ክጽሕፋ'የን" ኢሉ።

ቐንዲ መሓዛ ዲፕሎማስን ቑጠባን ሰሜን ኮርያ ዝኾነት ቻይና ብወገና ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ምርካብ "ሓድሽ ታሪክ' ፈጢሩ ኢላ። ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ቻይና ከምዝብሎ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ብዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቕመጡ ማዕቐባት ክንክዩ ይኽእሉ'ዮም ኢሉ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ብወገኑ ን"መሪሕነትን ጻዕርን" ፕረዚደንት ትራምፕ ናእድኡ ዝገለጸ እንትኾን፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ምምዕባል ኒኩለር ዝነበራ መትከል ክቕየርን ኣብ ዙርይኣ ዝርኣዩ ጸገማት ክፍትሑን ሓጊዙ'ዩ ክብል ርእእትኡ ሂቡ።

እቲ ታሪኻዊ ርክብ ከመይ ነበረ?

እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብ ጥቓ ባንዴራታት ክልቲኤን ሃገራት ተጸጊዖም ስጡም ናይ ኢድ ሰላምታ ተለዋዊጦም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ምስ ሚስተር ኪም `ኣዝዩ ጽቡቕ ዝምድና`ክህልዎ ምዃኑ ግምቱ ሂቡ።

`ኣዝዩ ጽቡቕ ይስማዓኒ`ሎ። ጽቡቕ ዘተ ከነካይድ ኢና፡ `ኣዚና ድማ ዕዉታት ክንከውን ኢና` ኢሉ ትራምፕ።

እቲ ኹሉ መሰናኽል ብዘየገድስ ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ተዛንዮም ኮፍ ኢሎም።

እቲ ሕጉስ መንፈስ ድማ ኣብ ዝምድና እቶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ዘይመልእ እዋን ዝተፃረፉን ክዋግኡ ዝተነሓንሑን መራሕቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዓብይ ለውጢ የርኢ።

`ኣብዚ ንምብጻሕ ዝነበረ ሃዋሁው ቀሊል ኣይነበረ። መሰናኽላት ነይሮም`ዮም፡ ሰጊርናዮም ግን` ኢሉ ኪም ጆንግ ኡን።

ክልቲኦም መራሕቲ ብተርጎምቲ ተሓጊዞም ንኣስታት 40 ደቓይቕ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ዘትኦም ወዲኦም ኣለዉ። ብድሕሪ`ዚ ድማ ኣማኸርቶም ዝተሳተፍዎ ናይ እዋን ምሳሕ ዘትኦም ኣካይዶም።

መራሕቲ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እዚ ርክብ`ዚ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

እዚ ዓቢ ኣጋጣሚ ንነፍሲ ወከፍ መርሒ ዓቢ ክብረት ከውህቦ ተኽእሎ`ሎ፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ግን ኣዕናዊ ዝኾነ ዝኸፍአ ሕፍረት ከስዕበሎም ይኽእል`ዩ።

ዕዉት ውጽኢት ምስ ዝርከቦ፡ ንግዚኡ፡ ትራምፕ ውጽኢት ናይቲ `ልዑል ጸቕጢ` ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ምንባር ዝብል ጎስጓሱ ምዃኑ ክገልጽ`ዩ።

ንኪም ጆንግ ኡን ግን፡ ኣቡኡ ይኹን ኣባሓጉኡን ዘይረኸብዎ ምስ ሓደ መራሒ ናይ ኣሜሪካ ምርኻቡ ንባዕሉ ዓወት`ዩ።

ብዓይኒ ሰሜን ኮርያ፡ ከምዚ ዝበለ ርክብ ኣብ ልዕሊ መራሒኣ ሕጋውነት ዘልብስ ብምዃኑ ዓወት`ዩ።

ትራምፕን ኪምን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሲንጋፑር ሆቴል ካፔላ

ኣብ`ቲ ርክብ እንታይ`ዩ ክዝተይ?

ኣሜሪካ ሰሜን ኮርያ ኑክሌራዊ ኣጽዋራታ ዳግማይ ክተሰርሖም ብዘይትኽእለሉን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከጻርዮ ብዝኽእል መንገድን ገይራ ከተዕንዎም ትደሊ።

ኣሜሪካ `ፍጹም ዝኾነ፣ ንድሕሪት ዘይምለስን ክጻረ ዝኽእል ምጥፋእ ኑክሌራዊ ኣጽዋር` ጥራይ`ያ ትቕበል፡ በምሳያኡ ግን ኣሜሪካ ንሰሜን ኮርያ `ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ` ናይ ጸጥታ ውሕስነት ክትህባ`ያ ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ።

ወግዓዊ ምዝዛም ውግእ ኮርያ`ውን ክዝተየሉ ይኽእል`ዩ። እቲ ናይ 1950-53 ውግእ ኮርያ ብውዕል ዘይኮነ ብስምምዕ ቶኽሲ`ዩ ደው ኢሉ። ፕረሲደንት ትራምፕ ናይ ሰላም ውዕል ምፍራም `እቲ ዝቐለለ ክፋል` ክኸውን ይኽእል`ዩ ኢሉ።

ብኸመይ ኣብዚ በጺሕና?

ቅድሚ ሓደ ዓመት ትራምፕን ኪምን ይዘላለፉ ኣብ ዝነበርሉ እዋንን ሰሜን ኮርያ ባሊስቲክ ተወንጨፍቲ ትፍትነሉ ኣብ ዝነበርት እዋን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣብዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ መድረኽ ክብጻሕ ዘይሕሰብ`ዩ ነይሩ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ምስ ኪም ክራኸብ ንዝቐረበሉ ዕድመ ብምቕባል ድማ ንዓለም ኣገሪሙዋ።

እቲ ጉዕዞ ናብዚ ናይ ሎሚ ርክብ ግን ልሙጽ ኣይነበረን። ተለዋዋጥን ናይ ዲፕሎማሲ ሓርጎጽጎጽ ዝበዝሖን`ዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ እዋን ድማ ትራምፕ ነቲ ርክብ ንሓጺር እዋን ሰሪዝዎ ነይሩ`ዩ።

ሕጂ`ኸ እንታይ`ዩ ክስዕብ?

እቲ ዘተ 40 ደቒቕ ወዲኡ፡ ኪም ጆንግ ኡን ድማ ናብ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ናብ ሃገሩ ክምለስ`ዩ። ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ናይ መወድእታ መግለጺ ግን ምጥርጣራት ክህሉ ይኽል`ዩ።

እንታይ ክንጽበ ከምንኽእል ንጹር ኣይኮነን፡ ትማሊ ዝወጹ ጸብጻባት ግን እቶም ተጋባእቲ ኣብ ሓደ ዓቢ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ስምምዕ ከምዘይበጽሑ ሓቢሮም።