ኮሮናቫይረስ፡ ስም ቢል ጌትስ ስለምንታይ ምስ ሽርሒ ኮሮናቫይረስ ይለዓል?

ምንጪ ስእሊ, TOBIAS SCHWARZ
ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ትጽቢት ዝግበረሉ ክታበት ብኣግኡ ብዙሓት ጥርጣረታትን ግምታትን እናተውሃቦ እዩ።
ነዞም ክታበታት ዝቃወሙ ወፍርታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሓት ሰዓብቲ ይረኽቡ ኣለዉ።
ቢቢሲ ድማ ንገሊኦም ግምታት ከቃልዕ ጸኒሑ እዩ።
'ማይክሮቺፓት ናብ ሰብነትና ከእትዉ ደልዮም' ዝብል ሓቂ ድዩ?
ኣመጻጽኣ ኮሮናቫይረስ፡ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ኣዘራረብቲ ኮይኖም ዝነበሩ ክልሰ ሓሳብ ሽርሒ ሓደ፡ እቲ ቫይረስ ካብ ውሽጢ ደቂ ሰባት ሓበሬታ ክህቡ ዝኽእሉ ደቀቕቲ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት (ማይክሮቺፓት) ናብ ደቂ ሰባት ከእትዉ ምእንቲ ዝፈጠርዎ እዩ ይብል።
ብመሰረት እዚ ናይ ሽርሒ ትንታነ ድማ፡ ተሓባባሪ መስራቲ ኩባንያ ማይክሮሶፍት ዝኾነ ቢል ጌትስ ከምዘሎ ይሕብር።
እዚ ማይክሮ ችፕ ዝተባህለ ረቒቕ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ የማናይ ኢድ ሰብ ከምዝገጥምን፡ እዚ ድማ ኣብታ ሓያል ሃገር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተግባራዊ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።
በቲ መገዲ ማይክሮ ችፕ ድማ ሰባት ናይ ባንኪ ሕሳብ፡ ኩነታት ጥዕንኦም፡ ምንቅስቓሳት፡ ክትቆጻጸሮ ከምትኽእል እቲ ዝተዘርገሐ ሽርሒ ይገልጽ።
ኮይኑ ግና ነዚ መከራኸሪ ሓሳብ ዝድግፍ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣይረኸብናን፡፡ 'ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስ ፋውንዴሽን' እውን ነቲ ሓሳብ "ሓሶት" ክብል ነጺግዎ እዩ።
ሓላፊ ኮሚኒስት ፓርቲ ሩስያ ኣብዚ ሰሙን፡ ገለ ብስሞም ዘይጠቐሶም "ዓለም ለኻውያን " ኢና በሃልቲ፡ ግዱድ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ብምግባር ተመሊሶም ሃሰስ ክብልዎም ዝኽእሉ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት ናብ ውሽጢ ሰባት ክኣትዉ ይሰርሑ ኣለዉ" ክብል ተዛሪቡ፡፡
ንቢል ጌይትስ ግን ብሽሙ ኣይረቖሖን።
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ነበር፡ ሮጀር ስቶን ግን ቢል ጌትስን ካልኦትን ነቲ ቫይረስ "ማይክሮቺፓት ናብ ውሽጢ ሰባት ኣእቲዮም ሓደ ሰብ ተመርሚሩ ኣይተመርመረን ንምፍላጥ" ይጥቀሙሉ ነይሮም ኢሉ።
1640 ሰባት ኣብ ዝተሳተፍሉ መጽናዕቲ፡ 28% ሚእታዊት ኣመሪካውያን፡ ቢል ጌትስ እቲ ክታበት ማይክሮቺፓት ናብ ሰባት ከእትወሉ እዩ ዝደሊ ኢሎም ከምዝኣምኑ ይገልጽ፡፡
ነዚ ሓሳብ ዝኣምኑ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ድማ 44% ሚእታዊት ከምዝበጽሕ ይንገር፡፡
ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ቢል ጌትስ "ኣብ መስርሕ መን ድሒኑ፥ መን ተመርሚሩን መን ተኸቲቡን ዘርኢ ዲጂታላዊ መረጋገጺ ክህልወና እዩ" ኢሉ ከምዝተዛረበ ወረታት በዚሖም ነይሮም፡፡
ብዛዕባ ማይክሮ ቺፕ ግን ዝተዛረቦ ነገር ኣይነበረን፡፡
ብምቕጻል ድማ ቢል ጌትስ ኮሮናቫይረስ ንምቅላስ ማይክሮቺፓት ክጥቀም ምዃኑ ዝገልጽ ሓደ ጽሑፍ ብብዝሒ ተዘርጊሑ።
እቲ ጽሑፍ ኣብ ሓደ ብቢልጌትስ ዝድገፍን ናይ ክታበት መረዳእታ ዝስንድን ቴክኖሎጂ ኣብ ምፍጣር ዝነጥፍ መጽናዕቲ መሰረት ዝገበረ እዩ፡፡

ኮይኑ ግና እቲ መጽናዕቲ ማይክሮ ቺፕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ግዜ ክታበት፡ ንመለለዪ ብዓይኒ ዘይረአ ውቃጦ ምግዳፍ ዝብል ሓሳብ ዘቕርብ እዩ።
ዛጊት ኣብ ጥቕሚ ከምዘይወዓለን ሰባት ክፍለጡ ከምዘይፈቅድን እትገልጽ ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተዋፈሩ ሰባት ሓንቲ ዝኾነት ኣና ጃክለነክ፡ ውልቃዊ ሓበሬታታት'ውን ኣብ መኽዘን ሓበሬታ ከምዘይምዝገቡ ትገልጽ።
ምስ ክታበት ተተሓሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ ወናኒ ማይክሮሶፍት ዝኾነ ቢል ጌትስ፡ ብዙሓት ስኑዓት ሓበሬታታት ክናፈሱ ጸኒሖም እዮም፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሓደ ተጠቃሚ ትዊተር ዝተጽሓፈ "ቢል ጌትስ እቲ ክታበት ብዘይ ጥርጥር 700 ሽሕ ሰባት ከምዝቐትል ኣሚኑ" ዝብል ጽሑፍ ብ 45 ሽሕ ሰባት ተራእዩ'ዩ።
እንተኾነ፡ እቲ ሓበሬታ ስኑዕን ንዘረባ ቢል ጌትስ ብጌጋ ዘቕረበን እዩ።
ኣብ ልዕሊ ቢል ጌትስ ዝቐርብ ክልሰ ሓሳብ ሽርሒ ኣብ ባይቶ ዓዲ ጥልያን'ውን በጺሑ እዩ።
ሓንቲ ኣባል ፓርላማ ጥልያን፡ ኣብ ባይቶ ቀሪባ፡ ቢል ጌትስ ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ ብዝፈጸሞ ገበን፡ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክቐርብ ከምዝግባእ ገሊጻ ነይራ፡፡
ኣንጻር ክታበት ሓያል ወፍሪ ዝካየደላ ኣብ ዘሎ ጥልያን፡ ኮሮናቫይረስ "ሰብ ስርሖ" ከምዝኾነ ዝገልጽ ቪድዮ ኣብ ፌስቡክ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ርእዮምዎ እዮም፡፡
ነቲ ቪድዮ ዘዳለዎ ድማ ስቲፋኖ ሞንታናሪ ዝተብሃለ ብዓውዲ ፋርማሲ ዲግሪ ዘለዎን እቲ ቫይረስ ኩሉ ሰብ ክኽተብ ምእንቲ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ዝኣምንን እዩ፡፡


ስቲፋኖ ነቲ ቫይረስ "ናይ ሕሶት" ይበሎ እምበር፡ ዝኾነ ዘቕረቦ ጭብጢ የብሉን።
ንሱ፡ መድሓኒት ዕላምኡ መኽሰብ ምርካብ'ኳ እንተኾነ፡ መኽሰብ ንምርካብ ሕማም ይምህዙ እዮም ምባሉ ግን አዝዩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ፡፡
ኣብ ሃገረ ህንዲ'ውን፡ "ኮሮናቫይረስ ዘጥፍእ ተኣምራዊ መድሓኒትን" "ካብ ዒባ ከብቲ ዝተሰርሐ ክታበትን" ዝብሉ ሓበሬታታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብብዝሒ ተዘርጊሑ'ዩ።
ላም ቅድስቲ ከምዝኾነት ኣብ እትእመነሉ ሃይማኖት ሂንዱይዝም ድማ ገለ ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ሽንቲ ላም ምስታይ፡ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምዕባይ ካብ ኮሮና ክከላኸል ከምዝኽእል ዝገልጽ ሓበሬታ ተዘርሒ ነይሩ።
ኮይኑ ግና ነዚ ሓስብ ዝድግፍ ዝኾነ ዓይነት መርትዖ ከምዘየለ፡ ህንዳዊ ተመራማሪ ዶክተር ራጂኒ ካንት ይገልጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







