ኮሮናቫይረስ፡ ንክትሓዊ ክሳብ ክንደይ ክወስደልካ ይኽእል?

ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሓወየ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሓወየ ሰብኣይ

ኮቪድ-19 ኣብ መወዳእታ ናይ 2019 ካብ ዝላባዕ ጀሚሩ፡ ንገለ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ንኽሓውዩ ነዊሕ ክወስደሎም ከም ዝኽእል ድሮ ምልክታት ተራእዩ ኣሎ።

ናይ ምሕዋይ ግዜ ኣብቲ ፈለማ ዝተሰመዓካ ደረጃ ናይቲ ሕማም'ዩ ዝምርኮስ። ንገሊኦም ሰባት ቀልጢፉ ይገድፎም ንኻልኦት ግን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጸገማት ከስዕበሎም ይኽእል።

ዕድመ፡ ጾታን ካልኦት ናይ ጥዕና ጸገማትን ንሕማም ኮቪድ-19 ከጋድዶ ይኽእል።

ብተወሳኺ፡ ዝግበረልካ ሕክምናዊ ክንክን ብዙሕ እንተኾይኑን፡ ንነዊሕ ግዜ እንተጸኒሑን፡ ክትሓዊ ዝወስደልካ ግዜ ብእኡ መጠን ይናዋሕ።

ቅልል ዝበሉ ምልክታት ናይቲ ሕማም ምስ ዝህልዉኒ'ኸ?

መብዛሕትኦም ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ንቀንዲ ምልክታት ናይቲ ሕማም ዝኾኑ ከም ሰዓል ወይ ረስኒ የማዕብሉ። ይኹን ደኣ እምበር ናይ ኣካላት ቃንዛ፡ ድኻም፡ ረኽሲ ጎሮሮን ቃንዛ ርእስን እውን ክስምዖም ይኽእል።

እቲ ሰዓል ፈለማ ደረቕ'ዩ። ጸኒሖም ግን፡ በቲ ቫይረስ ዝተቐትሉ ዋህዮታት ሳንቡእ ዝሓዘ ዓኽታ ከውጽኡ ይጅምሩ።

እዞም ምልክታት እዚኦም ከኣ ብምዕራፍ፡ ብዙሕ ፈሳስን ከም ፓራሲታሞል ዝበሉ ፈውሲ ቃንዛን ብምውሳድ ይፍወሱ።

እቶም ፍኹስ ዝበለ ምልክታት ዘለዎም ግን ቀልጢፎም ጽቡቕን ገይሮም ይሓውዩ እዮም።

ዋላ'ኳ ምስዓል ይቕጽል እንተኾነ፡ ረስኒ ሰብነት ግን ኣብ ሰሙን ዘይመልእ ግዜ ይጠፍእ። ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣብ ናይ ቻይና ሓበሬታ ዝገበሮ ትንተና፡ ንክትሓዊ ብማእከላይ ገምጋም ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ይወስድ።

ዝያዳ ሓደገኛ ዝኾኑ ምልክታት እንተለዉኒኸ?

ንገለ ገለ ሰባት እቲ ሕማም ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እዚ ኸኣ፡ ድሕሪ ምልካፍ፡ ኣብ መበል ሸውዓተ ክሳብ ዓሰርተ መዓልቲ ከጋጥም ይኽእል።

እቲ ለውጢ ቅልጡፍ ክኸውን ይኽእል። ናይ ምስትንፋስ ጸገም ይፈጥር፡ ሳናቡእ'ውን ይንድር። ጠንቂ ናይዚ ድማ፡ ዋላ'ኳ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ምስቲ ቫይረስ እንተ ተቓለሰ፡ መጠኑ ዝሓለፈ ግብረ-መልሲ ስለዝህብ ካልኣዊ ሳዕቤን የጋጥሞ።

ገለ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ናይ ኦክስጅን ሓገዝ ዘድልዮም ኽኾኑ ይኽእሉ።

ሓፈሻዊ ሓኪም ሳራ ጃርቪስ ከም እትብሎ፡ "እቲ ዘጋጥም ሕጽረት ትንፋስ ንክመሓየሽ ንውሕ ዝበለ ግዜ ይወስደሉ….እቲ ኣካላት ካብቲ ዘጋጠሞ በሰላን ነድርን ክሓዊ ኣለዎ።"

እዚ ድማ ካብ 2 ክሳብ 8 ሰሙን ክወስድ ይኽእል- ስምዒት ናይ ድኻም ግን ክቕጽል ይኽእል'ዩ።

ሰበይቲ ምስ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጽዑቕ ክንክን ምስ ዘድልየኒኸ?

ብገምጋም ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካብ 20 ሰባት እቲ ሓደ፡ ብመድሃኒት ከም ዝድቅስ ('ሰዴትድ') ተገይሩ፡ ብመሳርሒ ('ቨንቲሌተር') ዘተንፍሰሉ ጽዑቕ ክንክን የድልዮ።

እቲ ሕማም እንታይ ዓይነት ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን (ICU) ዝኣቱ ሰብ ንክሓዊ ነዊሕ ግዜ'ዩ ዝወስደሉ። ሕሙማት ቅድሚ ናብ ገዝኦም ምፍናዎም፡ ናብ ስሩዕ ክፍሊ (ዋርድ) ተሰጋጊሮም ግቡእ ክንክንን ክትትልን ክግበረሎም ኣለዎ።

ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ጽኑዕ ክንክን ዝኾነ መዲሲን ዶክተር ኣሊሶን ፒታርድ፡ ከምዝብሎ፡ ዝኾነ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ኣትዩ ዝነበረ ሰብ፡ ናብ ንቡር ክምለስ ካብ 12 ክሳብ 18 ኣዋርሕ ይወስደሉ።

ነንዊሕ ግዜ ኣብ ሆስትፒታል ምድቃስ ናይ ጭዋዳታት ምድኻም የስዕብ። ሕሙማት ድኹማት ይኾኑ፡ ጭዋዳታቶም ናብ ዝነበሮ ክምለስ'ውን ግዜ ይወስድ። ገሊኦም'ውን ከም ቀደሞም ብእግሮም ክኸዱ 'ፊዝዮተራፒ' የድልዮም።

ብሰንኪ ኣካላት ኣብ ICU ዘጋጥሞ መስርሕ፡ ምህትፍታፍን ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።

"እዚ ሕማም'ዚ ግን ተወሳኺ ነገር ዘለዎ'ዩ ዝመስል -ምስ ቫይረስ ዝተሓሓዝ ድኻም ብርግጽ ዓቢ ረቛሒ'ዩ" ይብል ፓል ትዎዝ፡ ኣብ ካርዲፍ ቬል ዩኒቭርሲቲ ቦርድ ጥዕና፡ ሓኪም ፊዝዮተራፒ ጽኑዕ ክንክን።

ኣብ ቻይናን ኢጣልያን ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዝገልጾ፡ ናይ ምሉእ ኣካላት ድኻም፡ ንእሽተይ ምንቅስቓስ ኣብ ዝግበረሉ ኣዋን ሕጽረት ትንፋስ፡ ቀጻሊ ምስዓል፡ ዘይምዕሩይ ምስትንፋስ፡ ከምኡ ብዙሕ ክትድቅስ ምድላይ ዝኣመሰሉ ተራእዮም።

"ሕሙማት ንኽሓውዩ፡ ኣዋርሕ ክወስድ ዝኽእል ንውሕ ዝበለ ግዜ ክወስደሎም ከምዝኽእል ፈሊጥና ኣለና።"

መደምደምታ ክትህብሉ ግን ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ፡ ገሊኦም ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ንሓጺር እዋን፡ ገሊኦም ግን ብሓገዝ ቨንቲሌተር ንሰሙናት ዝጸንሑ ኣለዉ።

ሳይንቲስት መድሃኒት ክሰርሑ ዝጽዕሩ ዘለው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኮሮናቫይረስ ንጥዕናይ ንነዊሕ ግዜ ክጸልዎ ይኽእልዶ?

ካብ ነዊሕ ዝተኣከበ ሓበሬታ ስለዘይብልና ብርግጽ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን፡ እንተኾነ ግን ካልኦት ኩነታት ክንዕዘብ ንኽእል ኢና።

ናይ ምክልኻል ዓቒሚ ኣካላቶም ዝካኣሎ ጌሩ ምስ ተጸንቀቐን፡ ንሳንቡኦም ምስ ሃሰዮን፡ ከቢድ ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ጸገማት (Acute respiratory distress syndrome) ክምዕብል ይኽእል።

"ሰባት ንዝመጽእ ሓምሽተ ዓመታት ከይተረፈ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸገማት ከም ዝህልዎም ሓበሬታታት ኣሎ፡" ይብል ትዎዝ።

ጀምስ ጊል፡ ሓፈሻዊ ሓኪምን፡ ኣብ ዋርዊክ መዲካል ስኩል መምህርን፡ ብወገኑ፡ ሕሙማት ቀልጢፎም ንክሓውዩ ኣእምሮኣዊ ደገፍ የድልዮም ኢሉ።

"ከተስተንፍስ ትጽገም፡ ደሓር ሓኪም ይብለካ፡ 'ብቨንቲሌተር ከም እተተንፍስ ክንገብረካ ኢና። ከነደቅሰካ ኣለና [ብመድሃኒት]፡ ንቤተሰብካ ደሓን ኩኑ ክትብሎም ትደሊዶ?'

ኣብቶም ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ሕሙማት ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ (PTSD) ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ ብዙሓት ዓቢ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ክገድፍ'ዩ።"

ኣብቶም ድሓን ዝበሃሉ'ውን፡ ከም ድኻም ዝበለ ንነዊሕ ክጸንሕ ዝኽእል ናይ ጥዕና ጸገማት ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።

ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሓወየ ንመሬት እናሰዓመ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዛጊት ክንደይ ሰባት ሓውዮም ኣለዉ?

እቲ ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝሞቱ ክትረክብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ማዕከን ሓበሬታ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከም ዝሕብሮ፡ ክሳብ ዕለት 24 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ከም ዝሓበሮ ክሳብ ሕጂ ካብቶም ልዕሊ 2.6 ሚልዮን በዚ ለበዳ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 700,000 ሰባት ሓውዮም ኣለዉ።

እንተኾነ ግን ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተፈላለዩ ናይ ምስናድ ሜላታት ይጥቀማ ስለዘለዋ፡ እቲ ቁጽሪ ክፈላለ ይኽእል'ዩ። ገሊአን ቁጽሪ ናይ ዝሓወዩ ኣይምዝግባን፡ ብዙሓት ቅልል ዝበሉ ምልክታት ዘርኣዩ'ውን ኣይምዝገቡን።

ካልኣይ ግዜ ኮቪድ-19 ክሕዘኒ ይኽእልዶ?

ሓንሳብ ምስ ተለኸፍካ ብዛዕባ እተማዕብሎ ኣካላዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብዙሕ ክበሃል ይስማዕ'ዩ፡ ይኹን እምበር እኹል ጭብጥታት የብሉን።

ሓንሳብ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ነቲ ቫይረስ ክብድህዎ እንተኺኢሎም፡ ኣካላዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ (ኢሚዩን ሪስፓንስ) ከማዕብሉ ግድን'ዩ።

ሰባት ንኻልኣይ ግዜ ተለኺፎም ዝብል ጸብጻብ፡ ኣቐዲሞም ብጌጋ ከም ዝተለኽፉ ተነጊርዎም ዝነበሩ ክኾኑ ስለዝኽእሉ'ዩ።

ሕቶ ምምዕባለ ኣካላዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ (ኢሚዩኒቲ)፡ ሰባት ካልኣይ ክልከፉ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖምን፡ ዝኾነ ዝምዕብል ክታበት ክሳብ ክንደይ ኣድማዒ ክኸውን ይኽእል ንዝብል ኣገዳስነት ኣለዎ።

ኮሮና
ኮሮና