ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዋጅ ዕጽዋ ፍታሕ ክኾነሉ ዘይኽእል ምኽንያት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣዋጅ ዕጽዋ ኣዊጀን ዜጋታተን ምንቅስቓሶም ክግደብን ካብ ገዝኦም ከይወጽኡን ኣዚዘን ይርከባ።
ሰብ ሞያ ግን ህዝቢ ባዕሉ እቲ ዘዐውቶ ክመርጽ ዕድል ክውሃቦ ክኽእል ኣለዎ ይብሉ።
ጸሓፊ 'ስለምንታይ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘየለ 'ኤይድስ ኤንድ ፓወር'ን ዳይሬክተር ፋውንዴሽን ሰላም ዓለም ዩኒቨርሲቲ ቱፍትስ ኣሌክስ ድ ዋል ከምኡ'ውን ጸሓፊ 'ኢቦላ፡ ብኸመይ ናይ ደቂ ሰባት ሳይንስ ለበዳ ከብቅዕ ኣኽኢሉ'? ክኢላ ስነ ሰብ ፖውል ሪቻርድ ከምዚ ይብሉ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ኤችኣይቪ ኤድስን ኢቦላን ዝበሉ ተላባዕቲ ሕማማት ኣብ ምግጣም ዝነበረን ተሞኩሮ፡ ለባዳ ኮቪድ-19 ኣብ ምቁጽጻር ከም ሓደ ኣወንታዊ ብልጫ ክውሰድ ዝከኣል'ዩ።
እቲ ቅውም ነገር ህዝቢ ኣብ ግንባር ኮይኑ ክዋሳእ ምግባር እዩ። እዚ ሃይማኖታዊ መጻውድያ ዘይኮነ ሓቂ ህይወት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መጀመርታ፡ ለበዳ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብዝተፈላለየ መገዲ ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ይልሕኹ።
ቐጺሉ፡ መንግስታት ክቆጻጸሩዎም ዘይኽእሉ ከም ኣዋጅ ዕጽዋ ዝበሉ ስጉምታት ካብ ፍቓድ ህዝቢ ወጻእ ክትግበሩ ይጅምሩ።
ይኹን'ምበር፡ ዝርግሐ ዝኾነ ለበዳ ንምቁጽጻር ዘኽእሉ መደባት ትልምታቶምን ኣፈጻጽምኦምን ምስ ህዝቢ ክዝተየሎም እንከሎ'ዮም ውጽኢታዊ ዝኾኑ።
ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ሕማም ኤድስ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ሰበ ስልጣን "እቲ ለበዳ ፍለጡዎ፣ መልሱ ፍለጡዎ፤ በዚ መሰረት ፖለቲካዊ ስጉምቲ ውሰዱ" ዝብሉ ጠቐምቲ መምርሒታት ኣቕሪቦም ነይሮም።
ኮቪድ-19 ድማ፡ ስቕ ኢሉ ዓለምለኻዊ ለበዳ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ኣብ መላእ ዓለም፡ እዚ ቫይረስ ዝመሓላለፈሎም መገዲታት ሓደ ዓይነት እዮም።
ግና እዚ ሕማም ዝመሓላለፈሉ ናህሪ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተፈላለየ እዩ።
ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ከተማ መጠን ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ማእከላይ እቶት ካብ ዘለዎ ከባቢ ይፍለ።
ብተወሳኺ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ መዓስከር ስደተኛታትን ዘላን ማሕበረሰብን ዝህልዎ መጠን ምትሕልላፍ ዝተፈላለየ እዩ።
ጸውራ ሕማም ኣፍሪቃ ዝተፈለየ ምዃኑ
ኣብ ሓድሕድ ነገር፡ ከም ሰላምታ፣ ምትሕውዋስ፣ ምሕጻብ ኢድን ኣካላዊ ርሕቐትካ ሓሊኻ ምፍንታትን ዝበሉ ማሕበራዊ ባህሪያት ናይ ባዕሎም ጽልዋ ኣለዎም።
ብሰብ ሞያ ዝወሃቡ መምርሒታት ኣብ ማእከላይ ገምጋምን ግምትን ዝተሞርኮዙ ክኾኑ ይኽእሉ፤ ግን፡ እቶም ዝብሃሉ ነገራት እንታይ ምዃኖም ክፈልጦም ዝኽእል ህዝቢ ጥራሕ'ዩ።
ኣፍሪቃ፡ ምስ ካልኦት ኣህጉራት ክትርአ እንከላ ዝተፈለየ ጸውራ ሕማማት ኣለዋ።
ኮቪድ-19፡ ሕማም ዓባይ ሰዓል ወይ'ውን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ብኤች ኣይቪ ኤድስ ዝተዳኸሞም ብዓሰርታት ሚሊዮናት ሰባት ንዝቑጸሩ ከብጽሖ ዝኽእል ኣደራዕ ቀሊል ከም ዘይኮነ ተረዲእና ክንሰግእ ይግባእ።።
እዚ ሕማም፡ ግዳያት ሕማም ዓሶ ንዝኾኑን ብሕጽረት መግቢ ንዝተጠቕዑን ሰባት ዝህልዎ ሳዕቤን ጌና ብዙሕ ኣይተፈለጠን።
ብኻልእ ወገን፡ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ ቑጽሪ ዝሕዝ መንእሰይ እዩ።
ጥልያን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ልዑል ቑጽሪ ሞት ዘመዝገበትሉ ምኽንያት፡ መብዛሕትኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ምዃኖም እዩ።
23 ሚኢታዊት ህዝባ፡ ዕድሚኡ ልዕሊ 65 ዓመት'ዩ። ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ድማ፡ ብቐሊሉ ብኮቪድ-19 ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ኣለዎም።
ብኣንጻሩ፡ ኣፍሪቃ እቲ ልዕሊ 65 ዓመት ዝኾነ ህዝባ ትሕቲ 2 ሚኢታዊት ጥራሕ እዩ። በዚ ሓደ ምኽንያት ጥራሕ ኣብ ኣፍሪቃ በዚ ቫይረስ ክመውት ዝኽእል ሰብ ቑጽሩ ትሑት እዩ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኣፍሪቃ እዚ ቫይረስ ኣብ ምምካት ንህዝበን ዝጥዕም መገዲ ክኽተላ ይግባእ።
መንግስታት ንህዝቢ ከዘራርብሉ ዝግባእ ምኽንያት እንታይ'ዩ?
መንግስታት፡ ትኽክለኛ መረዳእታ ትንበያ ሰብ ሞያ የብሎምን፤ እንተሃለዎም'ውን መብዛሕትኡ ግዘ ቐልጢፉ ኣይሕግዞምን።
ግን ከአ ካልእ ዝሓሸ መገዲ ኣሎ፤ ምስ ህዝቢ ምዝርራብ።
ዶኳትርን ሰብ ሞያ ሕማማት ለበዳን እቶም ናይ ሕክምና መረዳእታታት የቕርቡ። ህዝቢ ድማ ኣብ ሕሉፍ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ኣብ ምምካት ዝሓገዙዎ መገዲታትን ኣተገባብርኦምን ዝምልከት ከአንፍት ይኽእል።
ቻይና፣ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ሓደ ዓይነት ስጉምቲ ወሲደን፤ ኣዋጅ ዕጽዋ።
መንግስታት ኣፍሪቃ'ውን ነዚ እግሪ ስዒቦም። ግን ብሓፈሻ እዚ ስጉምቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘዋጽእ ኣይኮነን።
ከም ሩዋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራሕ እየን ከምዚ ዓይነት ምእኹል ስትራቴጂ ናይ ምምሕዳር ዓቕሚ ዘለወን።
ኣብ መዓልታዊ እቶት ዝተደረኸ ህይወት ዘለዎም ሰባት፡ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ሞንጎ ድኽነትን ጥምየትን ዘሎ ኣፈላላይ እዩ ዝኾኖም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ድሮ ብሸቕሊ ኣልቦነት፣ ድርቅን ወራር ኣንበጣ በረኻን ንዝፍተን ዘሎ ህዝቢ ድማ፡ እቶም ጸገማቱ ብማሕበራዊ ምትሕግጋዝ'ዩ ክሰግሮም ዝኽእል።
ዕጽዋ ነዚ ማሕበራዊ ርክብ ዝበትኾ እንተኾይኑ ግን፡ እቲ ጸገም ናብ ድኽነት ክወስዶ ይኽእል።
ብተወሳኺ እዚ ዓይነት ስጉምቲ፡ ቀረባት መድሓኒት ዓባይ ሰዓል፣ ኤችኣይቪ ኤድስን ካልኦት ሕማማትን ከተዓናቅፎ ይኽእል። ኣዋጅ ዕጽዋ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተተረኺቡ ግን፡ ስጉምቲ ሓገዝ ህጹጽ ግዘ የድሊ።
እዚ፡ ብምኽንያት እቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ስርሖም ወይ'ውን ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ካብ ዝርከቡ ስድርኦም ዝረኽቡዎ ገንዘብ ንዝስኣኑ ሰባት ክባጻጻሕ ዝግብኦ ረድኤት መግብን ካልኦት ቐረባትን'ውን ዘጠቓልል እዩ።
ወጽኢታዊ ዘይኮነ ኣዋጅ ዕጽዋ
ገለ ሃገራት፡ ንኣብነት ኡጋንዳን ሩዋንዳን መግቢ ብናጻ የቕርባ ኣለዋ። ጋና፡ መብራህትን ማይን ከምኡ'ውን ግብሪ ናጻ ከም እትገብር ኣዊጃ።
ይኹን'ምበር፡ መንግስታት ኣፍሪቃ ዓለምለኻዊ ሓገዝ እንተዘይረኺቦም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓገዛት ብዘላቕነት ከሰጉሙ ዘኽእሎም ዓቕሚ የብሎምን።
መነባብሮ ሕብረተሰብ ውሑስ ክኸውን እንተዘይክኢሉ፡ ኣዋጅ ዕጽዋ ግብራዊ ክኸውን ኣይኽእልን። ድኻታት፡ ኣብ ክንዲ ዝጠምዩ በቲ ሕማም ክልከፉ እዮም ዝመርጹ።
ብ2014 ለበዳ ኢቦላ ኣብ ዝተኸሰተሉ እዋን መንግስቲ ላይበሪያ ሓይሊ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ከተማ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝኾነት ሞንሮቪያ ኣዋጅ ዕጽዋ ከተግብር ኣዚዙ። እንተኾነ፡ እዚ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ደው ከብሎ ኣይክኣለን።
ቐልጢፉ፡ መንግስቲ ናይቲ ሕብረሰተብ ኣመሓደርቲ ዝኾኑ ዓበይቲ ዓዲ እቲ ሕማም ክቆጻጸርሉ ዝኽእሉ ፖለሲ ክቐርጹ ገይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ቀሊል ኣብነት፡ ኣብ ሴራሊዮን'ውን ብተመሳሳሊ ሰራሕተኛታት ጥዕና ተግባራዊ ገይሮምዎ።
ዓለምለኻዊ ኤጀንሲታት ብተሞኩሮ ዝወሰዱዎ ሕብረተሰብ ዝቐረጾም ናይ ባዕሉ ስጉምታት ውሸባ ድማ ተግባራዊ ገይራ።
ስለዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዘድሊ መፍትሒ እንታይ'ዩ?
ለበዳ ንምቁጽጻር ክውሰድ ዝግብኦ ቑልፊ መፍትሒ፡ ቐልጢፍካ ስጉምቲ ምውሳድ'ዩ። ሃገራት ኣፍሪቃ ክገብርኦ ዝግባእ እውን እዚ'ዩ።
ስርዓት ጥዕና ኣፍሪቃ ልዕሊ ዓቕሙ ዝተወጠረ እዩ። ኮቪድ-19 ድማ ካብ መንግስታት ጀሚሩ ክሳዕ ታሕቲ ዝወረደ ናይ ሓደጋ ግዜ መልሲ ይጠልብ።
ሆስፒታላት ኣፍሪቃ መመርመሪ ኣቑሑ፣ መሐለዊ ጽርት ናውታት፣ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ዘድልዩ መከላኸሊ ናውቲ ከምኡ'ውን ሕሙማት ዘድልዮም መተንፈሲ መሳርሒ ክህልዎም ይግባእ።
ብደረጃ ዓለም ግን ሕጽረት እዞም ኣገደስቲ ጠለባትን፡ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዝርአ ዘሕፍር ምቅድዳም ኣነ ኣነን ይርአ ኣሎ።
ኩለን፡ ንኣፍሪቃ ኣብ ድሕሪት ሰሪዐን እቶም ዘድልዩ ቀረባት ንባዕለን ዘውዕላሉ መገዲ እየን ሒዘን ዘለዋ።
ግን ድማ ዓለምለኻዊ ምላሽ ግዘ ረኺቡ እንክመጽእ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ እቲ ዘድልዮም ቀረብ ብምትሕብባር ኣዳሊዮም ክጸንሑ ይግባእ።
እኹል ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዘይክህሉ ስለ ዝኽእል፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ወይ ናጻ ከባቢታት ድንኳናት ብምትካል ምድላው ብምግባር ቅልል ዝበሉ መገዲታት ክጥቀሙ ይግባእ።
ቀንዲ ዕላማ እዚ መገዲ ድማ፡ እቶም ዘለው ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ብዝኾነ መልክዑ ከይጎዳእኻ፡ እቲ ብኮቪድ-19 ዝሓመመ ሰብ ብናይ ቐረባ ቤተሰቡ ክትትል ክግበረሉ ንምግባር እዩ።
ብኻልኦት ምኽንያታት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሕማማት ዘስዕቡዎ ወሰኽ ሞትን ሕማምም ዝርግሐ እዚ ባይረስ ንክዓርግ ስለ ዝገብሩዎ፡ እቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ኣገባባት ተኸቲልካ እተን ትካላት ሕክምና ካብ ምትንኻፍ ኮቪድ-19 ናጻ ክኾና ብምግባር ንኣዴታትን ህጻናትን ኣገልግሎት ክህባ ትገብር።
ኣብዚ ግዘ እቲ ሕብረሰተብ ምስ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምትሕብባር መዕቆቢ ማእከላት ብምህናጽ፣ ሕሙማት ብምልዓል፣ ሕክምና ክወሃበሉ ዝኽእል ቦታ ብምእላሽ ክተሓጋገዝ ይኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካልእ ዓብዪ ግድል፡ እቲ ቑጠባ ቐጻልነት ክህልዎ ምግባርን ናብ ድኽነትን ጥምየትን ዝወስድ መገዲ ደው ምባልን እዩ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ዕዳግአን ክዓጽዋ ኣይክእላን፤ ወይ ድማ ህዝበን ክጠሚ እዩ።
ግን፡ ዝሓሸ ሓለዋ ጽርየት ብምፍጣር፣ ዓበይቲ ምትእኽኻባት ብምቁጽጻር፣ ካልኦት ዝርግሐ እዚ ሕማም ንምቁጽጻር ዘዐንቅፉ ኣካላዊ ምቅርራባት ብምንካይ፡ እቲ ዕዳጋ ከፊትካ ጽልዋታት ክንክየሉ ዝኽእል ዕድል ምፍጣር ይከኣል።
ኣብነት፡ ካብ ሓደ ገዛ መግቢ ንምዕዳግን ካልእ ዕዳጋታት ንምግባርን ሓደ ሰብ ጥራሕ ክምድብ ኣለዎ። መንግስቲ ነዚ ንምቁጽጻር ነቲ ዝወጽእ ሰብ ካርዲ የዳልወሉ። ነዛ መለለይት ዝሓዘ ዓዳጊ፡ ናብ ገዝኡ ምስ ተመለሰ ካብ ካልኦት ኣባላት ስድርኡ ተፈልዩ ክጸንሕ ይግበር።
ምስ ነጋዶ፣ ተጠቀምቲ፣ ኣመሓደርቲ ዕዳጋታት፣ ታሕተዎት ኣመራርሓን ወከልቲ ህዝብን ድማ ስሩዕ ዘተ ከካይድ ኣለዎ። ንሳቶም'ዮም እቲ ዝወጽእ መምርሒ ብኸመይ ይመሓደርን ይትግበርን ዝብል ዘወጽኦምን ዝፈልጡ።
ካብዚ ወጻእ፡ ኣዋጅ ዕጽዋ ማሕበራዊ ቅልውላው ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ኣለዎ።
እዚ ብመልክዕ ድኽነት፣ ጥምየት ወይ መረረት ጥራሕ ዝግለጽ ኣይኮነን፤ ነቶም እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝወጽኡ መምርሒታት ዘስርሕ ኩነታት ብምስኣን ዓንቃጺ ክከውን ይኽእል'ዩ።
'ዝባኽን ግዘ ክህሉ የብሉን'
ሕጂ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ካብ ምዕጻው ወይ ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ ካብ ዝብል ወጻኢ፡ ዝኾነ ኣማራጺ ኣየቕረቡልናን።
እቲ ክንወስዶ ዝነገሩና ስጉምቲ ግን ህዝቢ ዘማእኸለ ስለ ዘይነበረ፡ ነቲ ህዝቢ ዝመስሉ ናይ ምውሻብ፣ ምግዳብ ምንቅስቓሳትን መን ምስ መን ተራኺቡ ነይሩ ዝብል ናይ ምፍላጥ መገድን ከነተግብር ኣይክኣልናን።
ድሕሪ ሕጂ ዝባኽን ግዜ ክህሉ የብሉን፤ ብቕልጡፍ ህዝቢ ክመያየጥ ክግበር ኣለዎ።
ከም ኤችኣይቭን ኢቦላን ዝኣመሰሉ ለበዳታት ኣብ ምቁጽጻር ዝነበረ ተሞኩሮ፡ ንሕጂ ሓቦ ዝህበና ትምህርቲ እዩ።
ተራ ሰባት መፍትሒ እምበር ጸገም ኣይኮኑን። እቲ ጽቡቕ ነገር፤ ሕብረሰተብ ልክዕ ከም ክኢላታት ተላባዕቲ ሕማማት ንምሕሳብ ቐልጢፍካ ናይ ምምሃር ተኽእሎ ስለ ዘለዎም፡ ሰብ ሞያ'ውን ከምቲ ሕብረተሰብ ክሓስቡ ድሉዋት ክኾኑ ይግባእ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







