ኮሮናቫይረስ፡ ናይ መጀመርታ ኮሮናቫይረስ ዝረኸበት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንፈለማ እዋን ንደቂ ሰባት ዘጥቅዕ ኮሮናቫይረስ ዝረኸበት፡ ኣብ 16 ዓመታ ትምህርታ ዘቋረጸት ጓል ኣንስተይቲ እያ።
ወላዲ ኣቡኣ፡ ስኮትላንዳዊ ዘዋሪ መኪና እዩ። እዛ ተመራማሪት ስነ ቫይረስ [ቫይሮሎጂስት] ብ1930 ተወሊዳ፤ ኣብ ምብራቓዊ ግላስጎው ድማ ዓብያ።
ጁን ኣልሜዳ፡ እዚ ሕጂ ለበዳ ኮይኑ ተኸሲቱ ዘሎ ቫይረስ እንታይ ከም ዝመስል ኣቐዲማ ዝፈለጠትን፡ ብብዝሒ ዝውግዐላ ዘሎን ሰብ እያ።
ብርግጽ ኮቪድ-19 ሓድሽ ቫይረስ'ዩ፤ ግን ዶክተር ኣልሜዳ ብ1964 ኣብ ለንደን ሆስፒታል ቅዱስ ቶማስ ኣብ ዝርከብ ቤተ ፈተነ ክትፈልጦ ዝኸኣለት ዓይነት ኮሮናቫይረስ እዩ።
እንትርፎ ውሱን ስሩዕ ትምህርቲ ምክትታል ዝጀመረቶ ትምህርቲ ኣይወድኣቶን፤ እንተኾነ ኣብ ሮያል ክሊኒክ ግላስጎው ክኢላ ቤተፈተነ ብሕማም ዝክሰት ለውጢ ዋህዮታት [ሂስቶፓቶሎጂ] ኮይና ክትሰርሕ ጽቡቅ ስራሕ ረኺባ።
ድሕሪኡ ናብ ለንደን መጺኣ ሞይኣ ኣዕቢያ። ብ1954 ድማ ቬነዝወላዊ ስነ ጥበበኛ ኢንሪከስ ኣልሜዳ ተመርዒዋ።
መጽናዕቲ ሰዓል
ጁን ኣልሜዳ ምስ በዓል ቤታን ሓንቲ ጓላን ናብ ካናዳ ኣምሪሓ።
ጸሓፊ መጽሄት ሜዲካል ከም ዝብሎ፡ ብደቀቕቲ ነገራት ኣጉሊሑ ዘርኢ መሳርሒ 'ኤሌክትሮን ማይክሮስኮፕ' ዓᎁቕ ክእለት ከተዕቢ ዝኸኣለት ኣብ ኢንስቲትዩት መንሽሮ ኦንታሪዮ እዩ።
ጸረ-ተህዋስ ብምጥቃም ቫይረሳት ተኣኪቦም ብዝሓሸ መገዲ ክርኣይሉ ዝኽእል ሜላ ድማ ሚሂዛ።
ንድሕሪት 1964 ተመሊስና፡ ኣብ ለንደን ሆስፒታል ቤት ትምህርቲ ሕክምና፡ ንእድትን ፍልጥን ከም ዝነበረት ጸሓፊ ዊንተር ይዛረብ።
እዚ ሆስፒታል ቐዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን ብኮቪድ-19 ተጠቒዑ እናሃለወ ዝተሓከመሉ ሆስፒታል እዩ።
ዶክተር ኣልሜዳ፡ ኣብ ሳሊስበሪ ጉጅለ መጽናዕቲ ሰዓል ይመርሕ ምስ ዝነበረ ዶክተር ዴቪድ ታይርል ብምትሕብባር ክትሰርሕ ጀሚራ።
ዶክተር ታይርል፡ ኣፍንጫ ብምጽራይ ውሑዳት ምስ ሰዓል ምትእስሳር ዘለዎም ቫይረሳት ዝረኸበ ተመራማሪ'ዩ።
ሓደ ኣብነት ኣሎ፤ እዚ ቢ814 ተባሂሉ ዝተሰየመ ሰዓል፡ ብ1960 ተመሃሮ ካብ ዝነበሩ ህጻናት ኣፍንጫ ንመርመራ ብዝተወሰደ ምጽራይ ኣፍንጫ'ዩ ተረኺቡ።
እዞም ሰብ ሞያ፡ ምልክታት እዚ ሰዓል ናብ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰባት ከመሓላልፉ ከም ዝኽእሉ ከረጋግጹ ክኢሎም፤ ግን ድማ ኣብ ስሩዕ ዋህዮ ውሽጢ ኣትዮም ክዓብዩ ኣይክኣሉን።
ይኹን'ምበር፡ እዞም ኣብ ወለንታውያን ሰባት ተሞርኲዞም ዝተኻየዱ መጽናዕታት፡ ቫይረስ እዚ ሰዓል ኣብ ክፍሊ ኣካላት ክዓቢ ከም ዝክእል ኣነጺሮም፤ ኣብዚ ግዘ ዶክተር ታይርል ብኣጉሊሑ ዘርኢ መሳርሒ ዝርእየሉ ሰብ ይደሊ።
ናይዚ ቫይረስ ኣዝዩ ንኡስ ኣካል ዝሓዘ ቅምሶ ድማ ናብቲ ጁን ኣልሜዳ እትሰርሐሉ ቤተ ፈተነ ልኣኸ።
ንሳ ድማ፡ እዚ ናይ ኢንፍሉዌንዛ ቫይረሳት እኳ እንተኾነ ምስቲ ኢንፍሉዌንዛ ዘምጽእ ቫይረስ ግን ክመሳሰል ዘይኽእል'ዩ ዝብል ውጽኢት ልኣኸለትሉ።
ግን ኣብቲ ግዜ፡ ንሳ እቲ ናይ መጀመርታ ንሰብ ዘጥቅዕ ኮሮናቫይረስ እያ ክትፈልጥ ክኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዊንተር፡ ዶክተር ኣልሜዳ ቅድም ኢሉ'ውን ወይቦ ዓበይቲ ኣናጹን ተመሓላላፊ ሕማም ነድሪ ጉርማ ደርሁን ከተጽንዕ እንከላ ገለ ንኡስ ኣካላት እዚ ቫይረስ ርእያ ነይራ እያ ይብል።
እንተኾነ፡ እቲ መጽናዕታ "እቶም ዝረኸበቶም ምስሊታት ንኡስ ክፍሊታት ቫይረስ ኢንፍሉዌንዛ እዮም" ብማለት ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ብዛዕባ ቢ814 ኣብ መጽሄት ሜዲካል ብ1965 ተጻሒፉ፤ ቅርጺ [ስእሊ] ናይ መጀመርታ ንሳ ዝርኣየቶም ደቐቕቲ ኣካላት እቲ ቫይረስ ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ መጽሄት ስነ ቫይረስ ተሓቲሞም።
ኮሮናቫይረስ ዙርይኡ ዘውዲ ዝደፍአ ስለ ዝመስል ድማ፡ ንመጀመርታ እዋን ዶክተር ታይርልን ዶክተር ኣልሜዳን ከምኡ'ውን ፕሮፌሰር ቶኒ ዋተርሰን [ዋና ሓላፊ ሆስፒታል ቅዱስ ቶማስ] ኮሮናቫይረስ ዝብል ሽም ኣጠሚቆምዎ።
ድሕሪ እዚ፡ ዶክተር ኣልሜዳ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ኣብ ዝረኸበትሉ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ለንደን ሰሪሓ።
እንታይነት ብርክት ዝበሉ ቫይረሳት ብዘጽንዕ ዓውዲ ብዙሕ መሰል ዋንነት ኣብ ዝረኸብትሉ ኢንስቲትዩት ዌልካም ድማ ብሞያ ሕክምና እትሰርሐሉ ዘመና ኣሕሊፋቶ።
ካብ ኢንስቲትዩት ዌልካም ምስ ወጽአት፡ ናይ 'ዮጋ' መምህር እያ ኮይና። መሊሳ ግን ኣብ 1980ታት ኣማኻሪት መጽናዕታት ስነ ቫይረስ ኮይና ብምስራሕ ናይ ቫይረስ ኤችኣይቪ ቅርጺ'ውን ከተለሊ ክኢላ።
ዶክተር ጁን ኣልሜዳ፡ ኣብ መበል 77 ዓመታ ብ2007 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን] ሞይታ።
ሕጂ ንሳ ካብ እትመውት ድሕሪ 13 ዓመት፡ ብዘይነሕስያ ኣብ ዓለም ዝላባዕ ዘሎ ቫይረስ ኣቐዲማ ብምፍላጣ መዘራረቢት ኮይና ኣላ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







