ኮሮናቫይረስ፡ ጾታዊ ርክብን ፍቕራዊ ቆጸራታትን ኣብ ግዜ ዕጽዋ

ክልተ ኣብ ዝተፈላለየ መንበሪ ገዛ ዘለው ፍቁራት መልእኽቲ ጽሑፍ ብምልእኣኽ የውግኡ
መግለጺ ስእሊ, ኣዋጅ ዕጽዋ ፍቕራዊ ቖጸራታትና ይቕይር ኣሎ

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ከም ዝውሸብ ገይሩዎ ኣሎ።

ካብ ቻይና ክሳብ ብሪጣንያ፣ ካብ ስጳኛ ክሳብ ህንዲ፣ ካብ ኤርትራ ክሳብ ናይጄሪያ ዘለዋ ዳርጋ ኩለን ሃገራት፡ ነቲ ሕማም ንምግታእ 'ኣካለዊ ርሕቐት ምሕላው' ብዝብል መርሓ ኣንጻር እቲ ልሙድ ኣነባብራ ደቂ ሰባት ናይ 'ተፈናተት' ህይወት የሕልፋ ኣለዋ።

ግን ንመጀመርታ ግዜ እትርእዮን እትረኽቦን ሰብ ኣካለዊ ርሕቐት ሓሊካ ክትላለዮ ኣይከብድን'ዶ? ንምዃኑ፡ ምስ ኣፍቃሪትኩም ወይ ኣፍቃሪኺ እትራኸብሉ መገዲ ከመይ እዩ ዘሎ?

እሞ'ኸ፡ ኮሮና ዝፈጠሮ 'ተፈናተት' ብደረጃ ዓለም ንዘሎ ፍቕራዊ ምሕዝነትን ቖጸራን ብኸመይ ይጸልዎ ኣሎ? እስከ ንስኻትኩም እውን አኣብ ዘለኹሞ ፈትሹዎ፤ ንሎሚ ሓሙሽተ ሰባት ፍቕራዊ ታሪኾም ኣካፊሎምና ኣለው።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ንዓቕመ ሄዋንን ኣዳምን ንዝበጽሑ ሰባት ጥራሕ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣለዎ

ጓል 27 ዓመት ሶፊ ካብ ሻንጋይ፥ ቻይና

ስእሊ ኣብ ጥቕኣ ድሙ ሓቚፋ ቴሌፎን ትጥቀም ዘላ ጓል ኣንስተይቲ
መግለጺ ስእሊ, ሶፊ፡ ናይ ፍቕራዊ ቖጸራ መተግበሪታት ብምጥቃም ትዛነ ከም ዘላ ትዛረብ

ፈለማ ከተማ ውሃን፡ ብድሕሪኡ ከኣ መብዛሕትኡ ክፋል ቻይና ተዓጾ - ተዓጾ ቅድሚ ምባሉ እየ ምስ ኣፍቃሪየይ ተፈላልየ።

ከምዚ ከጋጥም'ዩ ኢሉ ዝገመተ ኣይነበረን። እቲ ምፍልላይ ንዓይ ከቢድ ስለ ዝነበረ፡ ኣኣብ ዘለኻዮ ተዓጾ ምስኮነ ንበይነይ ክሰግሮ ፈታኒ ነይሩ።

ድሓር ግን፡ ፍቕራዊ ቆጸራ እንምስርተሎም መተግበሪታት [ኣፕሊኬሺን] ክጥቀም ጀሚረ። ብኽፋል፡ ኣብ ገዛይ ምስ ዝፈትዋ ዱመይ (ድሙ) ኾይነ በዞም መተግበሪታት ግዜ ከሕልፍን ክዛነን ጀሚረ።

ዝኾነ ክትጭብጦ እትኽእል ነገር ግን የለን፤ ንሰዓታት ምስ ኣወዳት የዕልል። ግን ምስቲ ሰብ ብኣካል ከይተራኸብካ ወግዒ ጥራሕ ምስኮነ ይስልችወካ።

ኩሎም ሬስቶራንታትን ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታትን ተዓጽዮም'ዮም።

ዝተኸፈተ ካፌ እንተረኸብናው'ውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን [ማስክ] ጌርና ኾፍ ስለ እንብል፡ ምርኻብና ትርጉም ንስእነሉ።

ኣለካ ሙሽ፡ ኣብ ውሽጢ ዓፍራ ኮይንካ . . . ግን ድማ ዋላ ሓደ . . . ።

እቲ እተውግዖ ዘለኻ ሰብ ከይድካ ክትረኽቦ . . . ብኢድካ ክትድህስሶ ትብህግ ግን ኣይትኽእልን፤ ከቢድ እዩ።

ኣቐዲምካ ምስ እትፈልጦ ሰብ እንተዝኸውን ጸገም ኣይምነበሮን።

ብኢንተርነት እትምስርቶ ፍቕራዊ ቆጸራ ግን ካብዚ ይፍለ'ዩ። እዚ ቫይረስ ብዙሕ ገደባት'ዩ ኣምጺኡ።

ሕጂ፡ ከመይ ጌርካ ንዘይትፈልጦ ሰብ ኣሚንካ ትቐርቦ? እቲ ቫይረስ ኣብ መን ከም ዝህሉ ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል? ከቢድ'ዩ!

እዚ፡ ብዙሕ ርሕቐት ክወስደኒ ዝኽእል መሲሉ ስለ ዘይተሰምዓኒ፡ ይገድፎ ኣለኹ። ግደ ሓቂ፡ ብማስክ ተሸፊንና ስለዝተራኸብና ኩሉ ነገር ዝሓሸ ክኸውን'ዩ ዝብል ተስፋ የብለይን።

ወዲ 28 ዓመት ጄርሚ ኮሄን ካብ ኣሜሪካ

ጄርሚ፡ ብድሮን ገይሩ ፍቕና ንዘይብላ ጎረቤቱ ቑጽሪ ስልኩ ምስ ልኣኸ እዩ ፍቅራዊ ዕላል ጀሚሩ
መግለጺ ስእሊ, ጄርሚ፡ ብድሮን ገይሩ ፍቕና ንዘይብላ ጎረቤቱ ቑጽሪ ስልኩ ምስ ልኣኸ እዩ ፍቅራዊ ዕላል ጀሚሩ

ተዓጾ ተዓጾ ምስ ኮነ፡ ኩሉ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ'ዶ ተነጊሩዎ ሓቀይ? ኣነ ኽኣ፡ ናብ በረንዳ ገዛይ ብምውጻእ፡ ሰብ ከመይ የሕልፉዎ ኣለዎ ዝብል ብስእሊ ንክስንድ ይወጽእ ነይረ።

ናይ ብዙሓት ኣብ ናሕሲ ገዝኦም ኮይኖም ኩነታት ዝዕዘቡ ሰባት ስእሊ ክወስድ ድማ ጀሚረ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ሓንቲ ኣብ ናሕሲ ገዝኣ ኾይና ትስዕስዕ ዝነበረት ጓል ርእየ። በቲ ዝነበራ ስምዒት ተመሲጠ። ናብ ገዛይ ተመሊሰ ኣነ'ውን ብመስኮት ገዛይ ተቐልቂለ ብኢደይ ሰላም ኢለያ፤ ንሳ'ውን ኢዳ ብምልዓል ሰላም ኢላትኒ።

ነዚኣ ከም መበገሲ ተጠቒመ፡ ክንራኸብ ከም ዘለና ምስ ውሽጠይ ተሰማሚዐ። ዓቕሊ ዘጽብበልካ ግዘ ናይ ዓቕሊ ጽበት ስጉምቲ ክትወስድ'ዩ ዘገድደካ።

ሰብ ኣልቦ ነፋሪት [ድሮን] ኣላትኒ፤ ቐጽሪ ቴሌፎነይ ኣብ ወረቐት ጽሒፈ በታ ድሮን ልኢኸላ።

ድሕሪ ሓደ ሰዓት፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ልኢኻትለይ፤ በዚ ድማ ዕላልና ጀሚርና። ንራኸብ እንዶ ኢለ ሓቲተያ፤ ክንራኸብ ድማ ቆጸራ ሒዝና።

ኣነን ንሳን ኣብ ሰገነት መንበሪ ገዛውትና ኾይንና፡ ንኡሽቶ ጠረጴዛ፣ ወይንን መግብን ኣቕሪብና። ገጽ ንገጽ እናተረኣኣና ንክነዕልል ድማ፡ ብቪድዮ ተደዋዊልና፤ ድሓር ብኢድና ቻው ተበሃሂልና።

ንክልተ መዓልቲ፡ ኣብ ዘይፈልጦ ባሕሪ ፍቕሪ ጥሒለ። እቲ ንኣካለዊ ምርኻብ ገዲቡና ዘሎ መስመር ፈንጢሰ ክኸይድ ደለኹ።

ዛንታ ክልቴና ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፈንየዮ፤ ብዙሕ ሰብ ርእዩዎ። ብዙሓት ድማ ንቃለ መሕትት ሓቲቶምና። እዚ ከይተረድአና ዚያዳ የቀራርበና ኣሎ።

እቲ ኣብ ገዛኹም ኩኑ ዝብል ኣዋጅ ዕጽዋ እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ኣነ'ውን ንመጻምደይ ኣይምረኸብኩዋን። ኣዝያ ዘድንቓ ሰብ ስለ ዝረኸብኩ ሓጎሰይ ደረት የብሉን።

እዚ ዳርጋ ኣብ ሳንዱቕ ዝዓጹ ስጉምቲ ገገዛኻ፡ ንክምህዝ ሓጊዙኒ - መላፍንተይ እኮ ረኺበ።

ጓል 35 ዓመት ክላሪስ ካብ ኪንሳሻ፥ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ

ክላሪስ ፍቕረኝኣ ናፊቓቶ ኣላ፤ ከምዚ ኡሉ ፍቕራዊ ምሕዝነቶም ክቕጽል ኣይኽእልን ኢላ ድማ ትሰግእ
መግለጺ ስእሊ, ክላሪስ ፍቕረኝኣ ናፊቓቶ ኣላ፤ ከምዚ ኡሉ ፍቕራዊ ምሕዝነቶም ክቕጽል ኣይኽእልን ኢላ ድማ ትሰግእ

ኮቪድ-19፡ ዓለምለኻዊ ስግኣት ቅድሚ ምዃኑ ምስ ሓደ ሰብ ዝኾነ ፍቕራዊ ርክብ መሳሊ ምሕዝነት ነይሩኒ። መዓልታዊ ንራኸብ፡ ግን ድማ ብዙሕ ዘይግደሰሉ ዓይነት ምሕዝነት ስለ ዝነበረ፡ ዳርጋ ብዙሕ ስምዒት ኣይነበረንን።

ከምዚ ዝበለ ነገር ክፍጠር ይኽእል'ዩ ኢሉ ዝገመተ ሰብ ኣይህሉን'ዩ። ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣዋጅ ዕጽዋ የለን።

ግን ድማ ኣብ ሕክምና ስለ ዝሰርሕ፡ ነዚ ቫይረስ ኣቕሊለ ኣይርእዮን። እዚ ነቲ ኣፍቃሪየይ የሕርቆ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ እየ ምስኡ ብኣካል ምርኻብ ደው አቢለ። እዚ ድማ ክንደየናይ ጠቓሚ ከም ዝኾነ ኣብሪሀሉ'የ። ንሱ ግን፡ ካብኡ ንምርሓቕ ዝጥቀመሉ ዘለኹ'ዩ ዝመስሎ።

ይናፍቖ እየ፤ ኣብ ህይወተይ ክህልወኒ ዝደልዮ ጽኑዕ ፍቕራዊ ምሕዝነት ዝስእን ዘለኹ መሲሉ'ውን ይስምዓኒ ኣሎ። ንኣይ ክጽበ ኣይኽእልን'ዩ ኢለ'ውን ይሰግእ።

እዚ ኹሉ ድንጽው'ዩ ዝብለኒ፤ ጽምዋ ከምዝስመዓኒ ድማ ይገብረኒ ኣሎ። ብዙሕ ኣየዕልለንን'ዩ፣ ደዊለሉ ወይ መልእኽቲ ጽሒፈሉ'ውን ቐልጢፉ ኣይምልሰለይን።

ኣነ ግን፡ ንነብሰይን ንዕኡን ንምሕላው እየ እቲ ናይ ምፍንታት ስጉምቲ ወሲደ። እቲ ቕልውላው ከምዚ ኢሉ ዝቕጽል እንተኾይኑ ግን፡ ፍቕራዊ ምሕዝነተይ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል'ዩ ኢለ ይሰግእ።

ጓለ 24 ዓመት ዴባስሚታ ካብ ኒው ዴልሂ፥ ህንዲ

ዴባስሚታ ሕጂ ብዘለዋ ፍቕራዊ ርክብ ሕጉስቲ እያ
መግለጺ ስእሊ, ዴባስሚታ ሕጂ ብዘለዋ ፍቕራዊ ርክብ ሕጉስቲ እያ

ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ምስዚ ሓድሽ ኣፍቃሪይ ክራኸብ እንከለኹ፡ ደቂ ሓንቲ ከተማ ምዃንና ምስ ፈለጥኩ ሕጉስ ኢለ።

ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩኒ ዕርክነታት ኩሎም ብርሕቀት'ዮም። ኣብ መወዳእታ ብቀረባ ብሓባር ጽቡቕ ግዜ ንከሕልፍ ዝገብረኒ ሰብ ምርካበይ ኣሐጒሱኒ።

ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ስለ እንሰርሕ፡ ብኣካል ብዙሕ ግዜ ናይ ምርኻብ ዕድብ ክህልወና እዩ። ግን፡ እዚ ሃንደበታዊ ኣዋጅ ዕጽዋ ምቁጽጻር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ፡ ፍቕረይ ብርሑቕ ከምዝኸውን ገይሩ።

ከምዚ ክኸውን ድልየት ስለ ዘይብልና፡ ብጣዕሚ'ዩ ዘሕርቕ። ሕጂ፡ ኣብ መዓልቲ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ግዜ ብቪድዮ ንደዋወል ነውግዕ፣ ፊልም ንርኢ፣ ሓሓሊፉ ሓደ ዓይነት መግቢ ንሰርሕ።

ግድል ስለዝፈቱ፡ ሕቶን መልስን'ውን ንጻወት። ግዜና ከምዚኦም ዝበሉ ንጥፈታት ብምክያድ ነሕልፎ ኣለና።

ገለ እዋን ድማ፡ ብዙሕ ስለንጨቓጨቕ፡ ጸቕጥን ሻቕሎትን ይፈጥረለይ። ከምዚ ዓይነት ርክብ ብኣካል ካብ ዝህልወካ ዝተፈለየ እዩ፤ ብኣካል ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ከተረድእን ብቐሊሉ ክትርዳእን ዕድል ይፈጥረልካ'ዩ።

ጓል 24 ዓመት ጁሊ ኣከብ ፊሊፒንስ

ጁሊ፡ ኣዋጅ ዕጽዋ ተግባራዊ ካብ ዝኸውን ግዘ ኣትሒዙ ጾታዊ ድሌታ ከም ዝወሰኸ ትዛረብ
መግለጺ ስእሊ, ጁሊ፡ ኣዋጅ ዕጽዋ ተግባራዊ ካብ ዝኸውን ግዘ ኣትሒዙ ጾታዊ ድሌታ ከም ዝወሰኸ ትዛረብ

ዕግበት ዝረኽበሉ ነገር ካብ ዝጎድለኒ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኮይኑ። ብምኽንያት እዚ ለበዳ ኣብ ሃገርና ኣዋጅ ዕጽዋ ቅድሚ ምእዋጁ፡ ምስ ብዙሓት ኣወዳት ይራኸብ ነይረ።

ሕጂ ግን ዋላ ብዙሕ ግዘ እንተሃለወኒ ምስ ሓደ ሰብ'ውን ክራኸብ ኣይክእልን። ናይ ጾታዊ ርክብ ህይወተይ ኣዝዩ ዘሰልቹ ኮይኑ ኣሎ። በዚ ክጨናነቕ ጀሚረ ኣለኹ።

ፍቕራዊ ርክብ እትምስርተሎም መተግበሪታት ተጠቒመ ምስ ብዙሓት ኣወዳት የዕልል እየ። ብፍቓድ ክልቴና ብቪድዮ ንደዋወል፤ ጾታዊ ስምዒትና ንምርዋይ ብኡ ኣቢልና ሳይበራዊ ጾታዊ ርክብ ንፍጽም። ካልእ ኣማራጺ የብልናን።

እዞም ሰባት ብኣካል ከይደ ክረኽቦም ይደሊ'የ፤ ግን ኣገልግሎት መጓዓዝያ የለን። ንግዝኡ እንተኾነ'ውን፡ ደስ ዘይብል እዋን የሕልፍ ኣለኹ።

*ሶፊ ብመሰረት ሕቶኣ ሽማ ተቐይሩ'ዩ

ኮሮና