ኮሮናቫይረስ፡ ኮቪድ-19 ኣብ ምቁጽጻር ዝሳኽዐላ ዘሎ ሃገር

ደሴት ኣይስላንድ ሰሜን ዋልታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደሴት ኣይስላንድ ሰሜን ዋልታ

ኣብ ጫፍ ሰሜን ዋልታ ዓለምና እትርከብ ደሴት ኣይስላንድ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ካብ ካልኦት ሃገራት ዝተፈለየ ስጉምቲ ትወስድ ኣላ።

ለበዳ እዚ ቫይረስ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ብምልባድ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት እንትለክፍ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ መዓልታዊ እንትሞቱ፡ ኣብዛ ደሴት ዘሎ ህይወት ግን ዝተፈለየ ኮይኑ ቐጺሉ ኣሎ።

ኖርዲክ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እትርከብ ኣይስላንድ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግዝኣታ ክትቆጻጸሮ ምኽኣላ ተመስኪሩላ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ 1500 በዚ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ክትረክብ እንከላ፡ ኣርባዕተ ሰባት ጥራሕ በዚ ሕማም ሞይቶምዋ።

አይስላንድ፡ እዚ ቫይረስ ክትቆጻጸሮ ዝኸኣለት፡ ብዙሓት ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ስጉምቲ፡ ሰባት ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ ወይ ድማ ንነብስኹም ወሽቡ ኢላ ኣይኮነትን።

ብኣንጻሩ፡ ብርክት ዝበሉ ትካላት ተኸፊቶም ስሩዕ ስርሖም ይቕጽሉ ኣለው። ብውሱን መልክዑ ድማ ተመሃሮ ትምህርቶም ይከታተሉ ኣለው።

ይኹን'ምበር፡ ልዕሊ 20 ሰባት ዝርከቡሎም ኣኼባታት ከይካየዱ ኣጊዳ።

ከመይ ድኣ እዚ ሕማም ክትቆጻጸሮ ክኢላ ትብሉ ትህልው።

ኣይስላንድ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝሃቦም መምርሒታት ሓደ ዝኾነ መርመራ፡ ብሰፊሑ ክተካይድ ብምኽኣላ ከም ዝኾነ ይለዓል።

ኣብዛ ደሴት በዚ ሕማም ዝተትሓዙ፣ ወይ ምልክታት እቲ ሕማም ምስ ዝተርኣዮም ሰባት ተራኺቦም ነይሮም ዝተብሃሉ ጥራሕ ኣይኮነነን መርመራ ዝግበረሎም። እንታይ ድኣ፤ ዝኾነ መርመራ ኮሮናቫይረስ ክገብር ዝደሊ ሰብ ብናጻ ክምርመር ይኽእል።

በዚ መገዲ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝሓሸ መልክዑ እዚ ሕማም ክትቆጻጸሮ ክኢላ።

መርመራ ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብተወሳኺ፡ በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሓደሽቲ ሰባት ብምፍላይ ዘድልዮም ሕክምናዊ ረድኤት ኣብ ምሃብ ዝተኸተለቶ መገዲ'ውን ዕውትቲ ክትኸውን ኣኽኢሉዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ኣይስላንድ ናይ መጀመርታ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዘ ሰብ ቅድሚ ምርካባ እያ መርመራ ጀሚራ።

ኣብቲ ግዜ፡ ናብ ሃገራ ዝኣትው ጻሕቲ ዓድን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጽኡ ዜጋታታን መርመራ ትገብረሎም ነይራ።

ሰብ ሞያ ከም ዝበሉዎ፡ እቲ ቫይረስ ናብ ህዝቢ ኣትዩ ቅድሚ ምዝርግሑ ኣይስላንድ ዝወሰደቶ ኣቐዲምካ ናይ ምምርማር ስጉምቲ፡ እዚ ሕማም ክትቆጻጸሮ ዓቕሚ ፈጢሩላ።

ሰበ ስልጣን ጥዕና እታ ሃገር ከም ዝበሉዎ ድማ፡ በዚ ሕማም ዝተትሓዘ ሰብ ቅድሚ ምርካቦም መርመራ ብምጅማር ኣይስላንድ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ሃገር ከይኮነት ኣይትርፍን።

ሰባት ምስ ሓመሙ ዘይኮነ፡ ናብ ግዝኣታ ዝኣትው ሰባት ዝኾነ ዓይነት ምልክት ከየርኣዩ እንከለው ናብ ማእከላት ጥዕና ብምኻድ መርመራ ክገብሩ ብሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይሕተቱ።

ብሰፊሑ መርመራ ኮሮናቫይረስ ስለ ዝተኻየደ፡ ዝርግሐ እቲ ሕማም ንምቁጽጻር መንግስቲ ንዝወስዶ ስጉምቲ ዓብዪ ሓገዝ ኮይኑዎ። በዚ ሕማም ዝተለኸፈ ሓደ ሰብ እንትርከብ፡ ምስዚ ሰብ ዝተራኸቡ ሰባት ተፈልዮም ክትትል ይግበረሎም።

ካልእ፡ ሓደሽቲ በዚ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ንምፍላይ፡ ፖሊስ ገበነኛታት ንምህዳን ዝጥቀሙሉ ሜላ ኣብ ግብሪ ክውዕል ተገይሩ።

እዚ ከም ሲንጋፑር ዝበላ ሃገራት ኤዥያ'ውን ኣብ መርመራ ገበን ዝሰርሑ ኣባላት ፖሊስ ተጠቒመን በዚ ሕማም ተታሒዞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢለን ንዝጠርጠርኦም ሰባት ፈሊየን ንምክትታል ተጠቒመናሉ'የን።

እዚ ውጽኢታዊ ከም ዝኾነ ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ምልክታት እዚ ሕማም ከይተርኣዮም መርመራ ተገይሩሎም ግን ድማ እቲ ቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝተረኸቦም ሰባት በዚ መገዲ ዝተፈለዩ እዮም።

ምርመራ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ክሳብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ኣይስላንድ ካብ ዘለዋ ብዝሒ ህዝቢ እቲ ሽዱሽተ ሚኢታዊት መርመራ ኮሮናቫይረስ ገይራትሉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝብሎ፡ እዚ ቑጽሪ ብመንጽር መርመራ ዝተገብረሉ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እቲ ዝለዓለ እዩ።

ዝለዓለ ዝርግሐ እዚ ሕማም ዝርኣያ ዘሊ ኣሜሪካ ልዑል ብዝሒ ህዝቢ እንተሃለዋ'ውን፡ ክሳብ ዝሓለፈ ዓርቢ 0.4 ሚኢታዊት ካብ ህዝባ ጥራሕ እያ ክትምርምር ክኢላ። መብዛሕትኦም ድማ ምልክት እቲ ሕማም ዝተርኣዮም'ዮም።

ብዙሕ መርመራ ገይራ እያ እትብሃል ደቡብ ኮርያ፡ 500 ሽሕ ሰባት እኳ እንተመርመረት አእዚ ግን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝባ እቲ 0.7 ሚኢታዊት ጥራሕ እዩ መርመራ ክግበረሉ ክኢሉ።

ብዝኾነ፡ ብሰፊሑ መርመራ ኮሮናቫይረስ ምክያድ፡ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ኣብ ምቁጽጻር ዓብዪ እታወት ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኮሮና
ኮሮና