ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝኾነ ርክብ ከይገብር ተወሲኑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ዶ/ር ደብረጸን

ምንጪ ስእሊ, OFFICE OF THE PM

ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ "ስሩዕ" ኣኼባኡ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝኾነ ርክብ ከይህልዎ ወሲኑ ክብላ ኣገልግሎት ዜና ፋናን ኢትዮጵያን ብሮድካስቲን ሓቢረን።

እቲ ስጉምቲ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ እቲ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎ ንክልላዊ ምርጫ ትግራይ ዝነጽግ ውሳነ ዝተሓሓዝ ምዃኑ'ውን እተን ማዕከናት ዜና ጠቒሰን።

ድሕሪ'ቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ፡ ህወሓት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ሓድሽ ክልላዊ መንግስቲ ከምዘቖመ ይዝከር።

እዚ ናይ ሎሚ ናይ ቤት ምኽሪ መግለጺ ድማ ንክልላዊ መንግስትን ባይቶን ትግራይን ኣፍልጦ ዝኸልእ'ዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎን፡ ዕድመ ስልጣኑ ከምዘብቅዐን ተዛሪቡ ነይሩ።

ትማሊ ምሸት'ውን፡ ኩሎም ንህወሓት ወኪሎም ኣብ ፌደራላዊ ትካላት ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣባለት ህወሓት፡ ካብ ዘለዎም ሓላፍነት ብምስሓብ ናብ ውድቦም ሪፖርት ክገብሩ ኣዚዙ ነይሩ።

እቶም ክምለሱ ዝተኣዘዙ ውልቀሰባት፡ ኩሎም ኣብ ፌደራላዊ ባይቶታት ወከልቲ ትግራይ ዝነበሩ ይርከብዎም።

ኣርማ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን

ምንጪ ስእሊ, House of Federation

ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተናወሐ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፡ ዕድመ ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክሳብ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ምውሳኑ ይዝከር። ህወሓት ግን ሽዑ'ውን ነቲ ውሳነ ተቓዊምዎ'ዩ።

ይኹን እምበር፡ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ "ንመሰረታዊ ናይ ልምዓት ኣገልግሎታት ህዝቢ ትግራይ ማእከል ብምግባር፡ ምስ ናይ ከተማን ቀበሌን ምምሕዳራት ዝርከብዎም ሕጋውያን ትካላት ጥራይ ናይ ስራሕ ርክብ ክገብር" ምዃኑ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ኣብ መንጎ ብህወሓት ዝምራሕ ክልል ትግራይን፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስትን እናገደደ ክመጽእ ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ የምርሕ ምህላዉ ይግለጽ።