ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ መረጻ ክኽልክል ስልጣን ኣለዎ'ዶ?

ምንጪ ስእሊ, JOSE CENDON
ባይቶ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኮሚሽነ መረጻ ኣጣይሹ ሓድሽ ሕጊ መረጻ ኣጽዲቑ፡ ኣብዚ 6ይ ዙርያ ዝሳተፉ ተወዳደርቲ ሰልፍታትን ውልቀሰባትን ምምዝጋብ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ መዝገባ መረጽትን ጎስጓስ መረጻን ካብ መዓስ ክሳብ መዓስ ከምዝኸውን ከፍልጥ ከምዝኾነ ሓቢሩ ኣሎ።
እንተኾነ፡ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ መረጻ ንምስላጥ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ብህጹጽ ጠጠው ከብል ዝሓትት ደብዳበ ሓምሌ 21/2012 [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ሰዲዱ ኣሎ።
እቲ ቤት ምኽሪ፡ እቲ ክልል ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት እታ ሃገር ንሓደጋ ዘሳጥሕ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግድ እዩ ዘጥንቅቕ። ዛጊድ ምላሽ መንግስቲ እቲ ክልል ኣይተፈልጠን።
ንምዃኑ፡ መን እዩ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ?
በዓል ሞያ ሕጊ ኣደም ካሴ (ዶ/ር) ዓንቀጽ 62'ቲ ሕገ መንግስቲ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ድማ እዚ ንምፍጻም ዝወጽአ ኣዋጅ 359 ዓንቀጽ 12 ጠቒሱ፡ ኣግባብነት ከምዘለዎ የረድእ። ኣብቲ ደብዳበ ዝተጸርሑ ወሲኹ፡ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈሩ ዓንቐጻት ከምዘለው'ውን ይዛረብ።
እቲ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እቲ ተግባር 'ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዘፍርስ'ዩ' ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሑ ኣሎ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ናይቲ ስርዓት ፌዴራሊዝም ቀንዲ መምርሒ፡ ኣብ'ቲ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ ናይ ስልጣን ምምርቓሕ ምኽባር መሰረት ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ።
ክልላት፡ ስልጣን ፌዴራል መንግስቲ፤ ፌዴራል መንግስቲ ድማ ስልጣን እተን ክልላት ከኽብሩ ከምዘለዎም ይሕብር።
"ጸገም ዝኸውን ዘሎ ግን" ይብል እቲ ምሁር፡ "ኣብ ካልኦት ዓድታት እቲ ሕገ መንግስቲ ተጥሒሱ'ዶ ኣይተጥሓሰን ዝርኢ ነጻ ቤት ፍርዲ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ባዕሉ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እዩ ዘጻሪ" ይብል።
ሕዚ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ተጥሒሱዶ ኣይተጥሐሰን፡ ዝውስን ባዕሉ ቤት ምኽሪ እቲ ፌዴሬሽን ብምዃኑ፡ ግልጺ ዝኾነ ክፈተት ከምዘሎ ይሕብር።
ካልእ ምሁር ሕጊ፡ በሪሁ ተወልደ ብርሃን ግን፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ መረጻ ንምክያድ ዝወሰነሎም መሰረታዊ መትከላት ከምዝለዉ ይዛረብ።
ዓለም ለኸ ሕግን ልኡላዊነት ስልጣን ህዝብታትን ከምኡ ድማ መትከል 'መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት' እቲ መረጻ ኣብ እዋኑ ከካይድ ከምዝድግፎ እዩ ዝገልጽ።
"ዓርስኻ ብዓርስኻ ምምሕዳር፤ ከም መረጻ ዝኣመሰሉ ተሳትፎ ህዝቢ ምርግጋጽ፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ምውዳብን መንግስታዊ ቅቡልነትን ምርግጋጽን- መሰረት ገይሩ እዩ ወሲንዎ" ኢሉ።
እዚ ውሳነ ድማ፡ ዓንቀጻት 8፣ 9፣ 38ን 39ን እቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ይጠቅስ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ እዚ መረጻ ናይ ምክያድ ውሳነ ዝወስደ፡ 'መረጻ ይናዋሕ' ዝብል ውሳነ ቤት ምኽሪ እቲ ፌዴሬሽን ዘይሕጋዊ ኢሉ ድሕሪ ምንጻጉ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።
ብፍላይ ዓንቀጽ 9 ንኡስ ዓንቀጽ 1፡ ሕገ መንግስታዊ ልዕልና'ምበር ናይ ዝኾነ ይኹን ውልቃዊ ኾነ ትካላዊ ልዕልና ክህሉ ከምዘይግባእ የብርህ። ካብዚ ብምልዓል እቲ ውሳነ ካብ መሰረቱ ጌጋ ከምዝነበረ፡ እቲ ምሁር ሕጊ የረድእ።
እቲ በዓል ሞያ ሕጊ፡ በሪሁ ወሲኹ ድማ፡ "ውሳነ'ቲ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፡ መሰል ውልቀሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ መሰል ብሄር ብሄረሰባት ዘሕደገ፣ እቲ ፌዴሬሸን ክፈርስን ምልካዊ ስርዓት ክትከልን ዝገበረ እዩ" ይብል።
እቲ ውሳነ፡ ኮሮና ከምዕድል ተጠቒሙ 'ኣይንኽእልን' ብዝብል መመኽነይታ ግቡኡ ዘይተዋጸአን፥ ሕገ መንግስቲ ዝትርጎመሉ ከይዲ ዝጠሓሰ ምዃኑን ወሲኹ ይገልጽ።
ካብ ዓንቀጽ 50 ክሳብ 52 ዘለዉ ዓንቀጻት ድማ፡ ክልላት ናይ ባዕለን ሕጊ ፈጸምትን ተርጎምትን ትካላት ከውጸኣ ዘፍቅድ ልኡላዊ ስልጣን ከምዘለዎን፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብኡ መሰረት ኮሚሽን መረጻ ከምዘጣየሸ ድማ የረድእ።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ካብ ኣጻራዪ ጉባኤ ንዝቐረበሉ ሕቶ ሕገ መንግስታዊ ትርጉም ተመልኪቱ እቲ መረጻ ክናዋሕን፣ ስልጣን እቲ ቀዳማይ ሚንሰተር ሓዊሱ ኣብያተ ምኽሪ ክልላት ኮነ ፌዴራል፡ መረጻ ክሳብ ዝካየድ ኣብ ዘለውዎ ክቕጽሉ ዝብል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, House of Federation ETH
ህወሓትን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ ውድባት ግን፡ እቲ ውሳነ ኣግባብ ዘይብሉን ንተቓወምቲ ዘግለለን ኢሎምዎ።
"ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል፡ ብዘይ ህዝባዊ መረጻ ባዕሉ ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ናይ ምውሳን ስልጣን የብሉን" ክብሉ እቲ ውሳነ ከምዝነጸጉዎ ይፍለጥ።
እቶም ነዚ ውሳነ ዝተቓወሙ ኣብዝሓ መራሕቲ ውድባት ተቓውሞ፡ ምስ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳን ንዕኡ ስዒቡ ዝተፈጥረ ዕግርግርን ብዝተኣሳሰር፡ ተኣሲሮም እዮም ዘለዉ።
ካብ መንጎኦም፡ ኣይተ ጀዋር መሓመድ፣ ኣይተ በቀለ ገርባን ኣይተ ልደቱ ኣያሌውን ይርከብዎም።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል'ዶ?
ኣብ ልዕሊ ውሳነ እቲ ፌዴሬሽን ዘየኽብር ኣካል፡ ኣብ ዓንቀጽ 62 (9) እቲ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ ሓሳብ ስለዘዛብዕ፡ ኢድ ምእታው መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልላት ከስዕብ ይኽእል እዩ ይብል ዶክተር ኣደም።
ብምዃኑ ድማ፡ ፌዴራል ፖሊስ ኮነ ሓይልታት ምክልኻል ክዋፈሩ ክእዝዝ ከምዝኽእል የረድእ።
እንተኾነ፡ 'እቲ ሕገ መንግስቲ ንባዕሉ ተጣሒሱ ዶ ኣይተጥሓሰን?' ዝብል ዝውስን ባዕሉ ኣካል እቲ ፌዴራላዊ ኣካል ስለዝኾነ፡ ናይ ቅቡልነት ሕቶ ከምዘስዕብ፡ እቲ ምሁር ይገልጽ።
ብምዃኑ'ውን እቲ ዝውሰድ ውሳነ ኾነ ስጉምቲ ንፖለቲካዊ ረብሓ ዝብል ትርጉም ክወሃቦ ከምዝኽእል ይጠቅስ።
ዶ/ር ኣደም፡ ብዛዕባ ስጉምቲ ቅድሚ ምዝርራብ፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ካልእ ምዃኑ ይትንትን።
"እቲ ቀንዲ ጉዳይ፡ 'መንግስቲ ክልል ትግራይ መረጻ ከካይድ ምውሳኑ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ከፍርስ ተኽእሎ ኣለዎዶ?' ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ" ኢሉ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ከቢድ ከምዝኾነ ዝገልጽ እቲ ምሁር፡ ቤር ምኽሪ ፌዴሬሽን መጠንቀቕታ ምሃቡ ግቡእ እንተኾነ'ኳ፡ ሃጺጹ ናብ ስጉምቲ ከይኣቱ ስግኣቱ ይገልጽ።
በዓል ሞያ ሕጊ በሪሁ ግን፡ ነቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዝፍርስ ተግባር ዝፍጽም ዘሎ ባዕሉ እቲ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሼን ምዃኑን፡ ኣይኮነን ስጉምቲ ንምውሳድ ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፈሉ'ኳ ኣግባብ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።
"ነቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንሓደጋ ኣሳጢሕዎ ዘሎ ባዕሉ ቤት ምኽሪ እቲ ፌዴሬሽን እዩ። ብምዃኑ'ውን እቲ ፌዴሬሽን ባዕሉ ሕጋዊ ስጉምቲ ዝወስደሉ ኣግባብ የለን። ስልጣኑን ተግባሩን ኣብ ዓንቀጽ 62 ብግልጺ ተቐሚጡ እዩ። ስጉምቲ ዝወስደሉ ስልጣን የብሉን" ይብል።
"እቲ ፌዴራል መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ተኽእሎ ነይርዎ። ንሱ ንባዕሉ ግን ዘይሕጋዊ ይኸውን ስለዘሎ ዓቕምን ተኽእሎን ኣለዎ እዩ ኢልካ ንምዝራብ ዝኸብድ ይመስለኒ"።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ-ቃለ መሕትት፡ ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ናብ ኲናት ዘእቱ ነገር ከምዘየሎን፡ እቲ ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላማዊ ዘተ ከምዝውድእዎ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ፡ ብመንግስታዊ ሚድያ ፌዴራል፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝቃላሕ ዘሎ ነዚ ዝጻረር ብምዃኑ ብዙሕ ሰብ ነቲ ቃለ መሓትት ብጥርጣረ እዩ ዝርእዮ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







