ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ መረጻ ናብ ቤት ምኸሪ ፌዴሬሽን ከምርሕ ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, @hoprparliament
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ሃራዊ መረጻ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደዴሬሽን ተወሲዱ 'ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ' ክሕተተሉ ዝብል ኣማራጺ ኣጽዲቑ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ፡ 5ይ ዓመት ናይ ስራሕ ዘበን፤ መበል 15 ስሩዕ ኣኼብኡ፡ እዩ ነዚ ኣማራጺ ወሲኑ ዘሎ።
እቲ ባይቶ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ፡ ብምክንያት ኮቪድ 19 ምክያድ ስለዘይተኽኣለ፡ ካብቶም ኣርባዕተ ኣማራጺታት ነዚ ሕገ-መንግስታዊ ትርጓመ ከምዘጽደቐ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ቀሪቦም ዝነበሩ ኣማራጺታት፡ እቲ ሃገራዊ ባይቶ ምብታን፣ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ምእዋጅ፣ ሕገ መንግስቲ ምምሕያሽን ሕገ-መንግስታዊ ትርጓመ ምሕታትን ዝብሉ እዮም ነይሮም።
ብውሳነ እቲ ባይቶ መሰረት፡ እዚ ዘዘራርብ ዘሎ ጉዳይ መረጻ ብቤት ምኽሪ ፌዴርሽን ዕልባት ክረክብ እዩ።
ዓረና ትግራይና ኦነግ ሓዊሱ፡ ሸውዓተ ውድባት ፖለቲካ እዚ ኣማራጺታት ነጺጎም፤ ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረክብ ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።ምኽንያቶም ድማ፤ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕገ መንግስቲ እዚ ጉዳይ ዘይተኻተተ ብምዃኑ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘየለ ነገር ክትርጉም እዩ ዝሕተት ዘሎ ዝብል እዩ።
ህወሓት ብወገኑ፡ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እዚ ሕገመንግስታዊ ትረጓመ ዝበሃል፡ ውድብ ብልጽግና ዝሓዞ ኣማራጺ ደው ከብል ሓቲቱ።
"ትርጉም ሕገ መንግስቲ ዘድሊ ብመሰረት እቲ ስርዓት፡ ሕገ መንግስቲ ኣብ ዘቐመጦ ግልፂ መለክዒ ኮይንካ መሸማይቲ ኮኖም ኣብ ዝተረኸቡ ዓንቀፃት ዝግበር እምበር፡ ናይ ሓደ ኣካል ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ ተባሂሉ ካብቲ ስርዓተ ሕገ መንግስቲ ወፃኢ ከይድካ ዝትርጎም ክኸውን ኣይኽእልን፡፡" ኢሉ።
ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚተ ሰላም እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣይተ ተስፋዬ ዳባ ግና፤ እቲ ሎሚ ዝተገብረ ውሳነ ባይቶ ኣብ ጉዳይ እቲ መረጻ፡ ሕገ-መንግስታዊ ምኳኑን ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ምንቅስቓስ ግን ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ምዝራቡ ኣብ ናይቲ ባይቶ ፌስ ቡክ ገጽ ሰፊሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







