ኢትዮጵያ፡ ኣብ ባይቶ ከይቀረበ ዝተረፈ ሕቶ ዶክተር ኣድሃና ሃይለ እንታይ እዩ ነይሩ?

ዶክተር ኣድሃና ሃይለ ኣድሃና

ምንጪ ስእሊ, BBC

ዶክተር ኣድሃና ሃይለ ኣድሃና ምሁር ታሪኽን ነባር ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያን እዮም። ኣብዚ ባይቶ ሰለስተ ቀዳማይ ሚኒስትራት ርእዮም እዮም።

ኣብቲ ባይቶ ኾነ ካብኡ ወጻኢ ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ዝመሰሎም ብምዝራብ እዮም ዝፍለጡ።

ሕዚ ድማ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ንዝቐረቡሉ ሕቶታት ኣብቲ ባይቶ ምላሽ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ሕቶኦም ክግደፍ ከምዝተገብረ ይዝረብ'ሎ።

ኣባላት እቲ ባይቶ ብርክት ዝበሉ ወቕታውን ኣገዳስን ዝበለዎም ሕቶታቶም ኣቕሪቦም። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ ዝመሰሎ ምላሽ ሂብሎም እዩ።

እንተኾነ ዶ/ር ኣድሃና ሃይለ ኣድሃና፡ ዘቕረብዎ 'ሃገራዊ ኣገዳሲነት ነይርዎ' ዝበልዎ ሕቶ ከይቀረበ ከምዝተረፈ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከዛራርብ ቀንዩ እዩ።

ቢቢሲ ትግርኛ እዚ ጉዳይ ብዝምልከት ንዶክተር ኣድሃና ብስልኪ ገለ ሕቶታት ኣልዒሉሎም ኣሎ።

ቢቢሲ፦ ዶክተር እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዛወር ዘሎ ብፍላይ ምስ ኢድ ኣእታዊነት ወጻእተኛታትን እታ ሃገር ምሕማስን ትሕዝቶ ዘለዎ ደብዳበ ናይ እማን ናቶም ድዩ?

ዶክተር ኣድሃና፦ እቲ ትብሎ ዘለኻ ናተይ እዩ። ኣነ ብቐጥታ ኣይለጠፍኩወን 'ምበር እቲ ጽሑፍ ናተይ እዩ።

ቢቢሲ፦ ብኸመይ እዮም ተኸልኪሎም ?

ዶክተር ኣድሃና፦ ፈለማ ሕቶታት ኣቕርቡ ተባሂሉ። ኣነ'ውን ብዕለት 21 ኣቕሪበ። ካብኡ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ተሰዲዱ ተባሂሉ። ደሓር ክመጽእ እንተሎ እዚ ሕቶ እዚ ኣይነበረን።እዚ ሕቶ'ዚ ክቐርብ ኣይተፈቐደሉን ተባሂሉ።

ቢቢሲ፦ መን እዩ እዩ ኣትሪፍዎ?

ዶክተር ኣድሃና፦ 'ከይቐርብ ዝገበረ መን እዩ?' እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ባዕሉ ይኹን፡ ኣማኸርቱ ድዮም- ሓበሬታ የብለይን።

ብዘለኒ ሓበሬታ ግን [ ካብ ሓለፍቲ ዝረኸብክዎ ኣይኮነን] ኣብ ብርኪ ቤት ምኽሪ ዝተረፈ ኣይመስለንን። ዳሕራይ ግን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ወጺኡ ሰሚዐ።

ቢቢሲ፦ ከም ነባር ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ፡ ሕቶታት ከመይ እዮም ክቐርቡ ጸኒሖም? እቲ ኣሰራርሓ እንታይ እዩ ዝመስል?

ዶክተር ኣድሃና፦ ኣብቲ አካይዳ ለውጢ ኣይነበሮን። ቅድሚ ሕዚ'ውን መለስ እንተሎ ኾነ ኣብ እዋን ሃይለማርያም ሕዚ'ውን ተመሳሳሊ እዩ። ሕቶታት እንተለካ ክተቕርብ ትሕተት። ገለ ሕቶታት ንኸይቀርቡ ይኽእሉ ከም አገዳስነቶም።

ቢቢሲ፡ ክንድዚ ክስመዖም ዝገበረ ናይቲ ሕቶ ትሕዝቶ እንታይ እዩ?

ዶክተር ኣድሃና፡- ብፍላይ ንዓይ ዝተሰመዐኒ ነገር፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዕልን ብዝርዝርን ድማ ግቡእ ምላሽ ክህበሉ ዝግባእ እዩ ነይሩ። ክተርፍ ኣይምነበሮን ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ንእሽቶ ሕቶ ኣይኮነን። ብዛዕባ ናይ ሃገር ነጻነትን ልኣላዊነትን ዝምልከት እዩ። እዛ ሃገር ናይ ባዕላ ፖሊሲ ድያ ሒዛ ትንቀሳቐስ ዘላ ወይስ፡ ካልኦት እዮም ዝዝውሩዋ ዘለዉ?

ስለዚ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝበልዎ ቀሊል ኣይኮነን። [ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ንደገቱ ጎስጓስ ኣብ ዝገብርሉ እዋን፡ 'ነታ ሃገር ዘድሐንኩዋ ኣነ እየ- ግን ናይታ ሃገር መራሒ ናይ ሰላም ሽልማት ወሲዱ' ኢሎም ነይሮም]።

እዚ ንምንታይ ከምኡ ኾይኑ? ኣብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝበሃል ናይ ታሪኽ እዋን እውን ከምዚ ዓይነት ኣይትርእይን። ኣብ ናይ ነዊሕ ታሪኽ፡ ሸኪትካ ከምዚ ዓይነት ኣከያይዳ ኣይነበረን። ዋላ ኣብ እዋን ግራኝ መሓመድ።

ብዝኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ሕቶይ መልሲ ክህበሉ ነይሩዎ። ጌጋ እንተኾይኑ እውን ፤ ከረድእ ምኸኣለ። 'እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን ከምዚ እዩ' ኢሉ ግቡእ መብርሂ ክህበሉ ዝግባእ እዩ ነይሩ።

ቢቢሲ፦ እቲ ዘይቀረበ ሕቶኦም፡ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ካሊእ ርእይቶኸ ነይሩዎ?

ዶክተር ኣድሃና ሃይለ፡ - እተን ዘቕመጥኩወን ሰለስተ ጉዳያት እየን። ኣብ መረጻ ክልተ ነገራት ከምዘለዋ። እታ ሓንቲ "ኣብ ስልጡናት ሃገራት እንተዝኸውን ነይሩ፡ ከምዚ ዓይነት ተባራዓይ ኩነታት እንትፍጠር፡ እሞ ሓቂ እንተኾይኑ፡ እቲ ሰብ ይቕረታ ሓቲቱ ስልጣኑ ብፍቓዱ ክለቅቕ ይግበኦ"-ዝብል እዩ። እዚ ከምዘይሓስብዎ እናፈለጥኩ እየ ኣቕሚጠዮ።

እታ ካልኣይቲ፡ "እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መረጻ ሸፍጢ ብዘይብሉ ናይ ደገ ሓይልታት ኢድ ኣእታዊነት ብዘይብሉ፤ ነጻን ዲሞክራስያውን ኾይኑ በቲ ሕጊ መሰረት ኣብ እዋኑ ክፍጸም ምምችቻው፤ በቲ ውጽኢት ድማ ድምጺ ህዝቢ ክፍለጥ ምግባር ፤ ብኸምዚ ክፍጸም ከምዘለዎን፤ እቲ ውጽኢቱ ዝኾነ ይኹን ድማ ብጸጋ ምቕባል፡ ጽቡቕ ስም ከትርፈልኩም እዩ" ዝብል ነይሩ። '

'እሞ ኣየናይ እዩ ምርጫኹም?' እዩ ዝብል እቲ ሕቶ።

እዚ ኣናኢስካ ብምርኣይ፡ ብዝኾነ ተንኮል ወይ ሴራ ወይ ብሓይሊ ወይ ድማ እንታይ ከይመጸኒ ብዝብል ዝውሰድ ኣምባገነናዊ ስጉምቲ፡ ጸገማት እቲ ሃገር የጋድድ 'ምበር ውጽኢት ኣይርከቦን።

ቢቢሲ፦ እቲ ሕቶ ንምንታይ ከምዝተረፈ ዘጻረይዎ ነገር ኣሎ ዶ? ኣብ ውሽጢ እቲ ባይቶኸ እቲ ሕቶ ከልዕሉ ፈቲኖም ዶ ነይሮም?

ዶክተር ኣድሃና፦ ከም ኣሰራርሓ ኣብ ፓርላማ ውሽጢ እዚ ዓይነት ስነ ሰርዓት የለን። ሕቶይ ኣበይ ተሪፉ ኢልካ ኣብኡ ነቲ ፓርላማ ናብ ዝኾነ ዕግርግር ዘእቱ ኣብ አሰራርሓና የለን። ስለዚ ከምኡ ዓይነት ፈተነ ኣይነበረን። ምስ ወጻእኹ ድማ ሕቶይ ንምታይ ተሪፉ ኢለ ኣይሓተትኩን።

ቢቢሲ፦ ዶክተር ቅድሚ ሕዚ ከምኡ ኣጋጢምዎም ይፈልጥ ድዩ ?

ዶክተር ኣድሃና፦ ኣብቶም ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ መራሕቲ ከምኡ ገጢሙኒ ኣይፈልጥን። ኣብዚ ግን ክልተ ግዘ ኣቕሪበ ኣለኹ። እዚኣ ክትተርፍ ካልኣይቲ እያ።

ቢቢሲ፦ ስለዚ በቲ ዘሎ ኣሰራርሓ፡ ኣባላት'ቲ ባይቶ ሕቶ ብነጻነት ክተቕርቡ ኣይትኽእሉን ማለት ድዩ ? እንታይ ይስመዖም'ሎ?

ዶክተር ኣድሃና፦ ሓደ ክመሓየሽ ዘለዎ፡ ኣብቲ ባይቶ ዝጸንሓ ኣሰራርሓ ኣሎ። ሕዚ ክርእዮ ከለኹ ናብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቐዲምካ ሕቶ ክትልእኽ የብልካን። በቲ ሕዚ ዘሎ ኣሰራርሓ፡ እቶም ሕቶታት ተሓርዮም፤ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር'ውን ዝህቦም መልስታት ተዳልዩ እዩ ዝመጽእ። ካብዚ ኣሰራርሓ ክንወጽእ ኣለና። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር 'ውን ሃንደበተዊ ሕቶ እናቐረበሉ፡ ብዝፈልጦ መጠን መልሲ ክህበሉ ይግባእ። እቲ ኣሰርሓ ዝጸንሐ እዩ። ሕዚ ናብኡ ምኻድ ዘገድስና ይመስለኒ።

እቲ ሕዚ ዘሎ ባይቶ ከምኡ ክገብር ዝኽእል ኣይመስለንን። ኣብቲ ዝቕጽል ግን ከምኡ ዓይነት ኣሰራርሐ ክልመድ ዘለዎ ይመስለኒ።

ቢቢሲ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ዝተዛረብዎ ወጻኢ ኣብዛ ሃገር ኢድ ኣእታውነት ከምዘሎ እንታይ መረዳእታ ኣለዎም?

ዶክተር ኣድሃና ናብ ዝርዝር ክኣቱ ዘለኒ ኣይመስለንን። እንተኾነ ፕረዚደነንት ትራምፕ ሃገር "ካብ ምብትታን ኣድሒነያ" እንትብሉ፡ "ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢደይ መሊሰ" ማለት እዩ።እዚ ናይ ሓደ እዋን ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብ ቅድሜና ድማ መረጻ፡ ስግኣት ኣሎ።

እከለ እከለ ክብል አይደልን 'ምበር ምስቲ መረጻ ተዛሚዱ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ኩባንያታት ኣለዉ። እዚ የተሓሳስበኒ እዩ። ነጻ መረጻ ተኻይዱ ህዝቡ ዝደለዮ ክመርጽ እዩ ዘለዎ። ናይ ግድን ሓደ ፓርቲ ከሸንፍ የብሉን። ዝተፈላለየ ቅዋም ዘለዎም ውድባት ፖለቲካ ክስዕሩን መንግስቲ ክምስርቱን ይኽእሉ እዮም።

እንተኾነ፡ ኢህወዴግ ምስ ፈረሰ፡ ኣብ ከክንደኡ ሓደ ዝኾነ ሓይሊ ስዒሩ ዝወጸሉ መገዲ እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ። እዛ ሃገር ናበይ እያ ትኸይድ ዘላ ዘብለካ እዩ። ናይ ባዕላ ጸገማት ብዓርሳ እትፈትሐሉን እትከላኸለሉን መንገዲ የለን-ማለት እዩ።

(ዶ/ር ኣድሃና ሃይለ ዘቕረብዎ ቅረታ ኣመልኪትና፡ ንርክብ ህዝቢ እቲ ባይቶ ሓዊሱ ንዝምልከቶም ኣካላት እቲ ባይቶ ምላሽ ክህብሉ ብተደጋጋሚ ፈቲንና ፍቓደኛታት ኣይኮኑን)