ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን ስሉሳዊ ዘተ ክገብራ እየን

ምንጪ ስእሊ, YEMANE GEBREMESKEL
መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ስሉሳዊ ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖምን፡ ድሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኤርትራ ኣትዩ'ሎ። ፕረዚደንት ሶማል'ውን ሎሚ ኣብ ኣስመራ ክኣቱ ትጽቢት ይግበረሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ንጉሆ ናብ ዓሰብ ድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣስመራ ኣትዩ።
ንሱ ንክልተ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ክፀንሕ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ በይጂንግ ክካየድ ካብ ዝቐነየ ዋዕላ ኣፍሪቃ-ቻይና ክምለስ እንከሎ እዩ ናብ ኤርትራ ኣምሪሑ ዘሎ።
ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዓሰብ እንትበፅሕ፡ ብፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ምንጪ ስእሊ, YEMANE GEBREMESKEL
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ነቲ ሓምለ 9 ክልትኤን ሃገራት ዝገበረኦ ስምምዕ ንምግምጋምን ንምቅልጣፍን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሰፊሕ ዘተ ከምዝገብር ኣቶ የማነ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ከምዝበሎ፡ ፕረዚደንት ሃገረ ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ እውን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ስሉሳዊ ዘተ ንምግባር ሎሚ ኣማስይኡ ናብ ኤርትራ ክኣቱ እዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ብኢትዮጵያ እትውነን 'መቐለ' እተሰምየት ናይ ጽዕነት መርከብ ድሕሪ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ባጽዕ መልሕቓ ደርብያ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ወደባት ኤርትራ ንኽትጥቀም ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ ዝበጽሕዎ ስምምዕ እዩ።
እዚ ነታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ እቲ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ኣብ ወደባት ኤርትራ መርከብ ክትዕሽግ ሎሚ ናይ መጀመርታ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







