ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ መዓስ'ዩ ኣኼብኡ ዘካይድ?

ምንጪ ስእሊ, yemane gebremeskel/twitter
ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ብ28 መስከረም 2018 ምስተጋብአ ክሳብ ሕጂ ደጊሙ ኣይተኣከበን። ዜጋታት፡ ስለምንታይ እዩ ክሳብ ሕጂ ካቢነ ዘይተኣከበ? እንታይ ሓዲሽ ነገር ዝተረኽበ ኣሎ? እታ ሃገር ደኣ ብኸመይ እያ ትመሓደር ዘላ? ዝብል ሕቶ የልዕሉ እዮም።
ንፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተል መምህር ጸጋይ ገብረሂወት፡ "ኣብዚ፡ ብዙሕ ምምኽኻርን ስራሕን ዘድልዮ ታሪኻዊ መድረኽ መስርሕ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ከም ግቡእ እቲ ንዓመታት ዝደስከለ ሓጋጊ ኣካል ሃገራዊ ባይቶ ተሓዲሱ ክእከብ ነይሩዎ" ይብል።
"ከምኡ ካብ ዘይተገብረ ከኣ ፈጻሚ ኣካል ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባታት ከካይድ ነይሩዎ። ከምኡ ስለዘይንርኢ ዘለና ግን "እዛ ሃገር ብኸመይ ትመሓደርን ናበይ ገጻ ትኸይድን ከምዘላ ሻቕሎት ኣሎና" ክብል ስክፍትኡ ይገልጽ።
እዚ ስክፍታ ግን ኣብ በይኑ ኣይኮነን። ብፍላይ ምስ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ዘሎ ስምምዕን ዝካየድ ዘሎ ርክባትን ብሕጋዊ ሃገራዊ ትካላት ክፍጸም ይግባእ ክብሉ ጻውዒቶም ከቕርቡ ጸኒሖም ኣለው።
"ምስ ሃገራት ዝግበር ዝኾነ ይኹን ርክብን ስምምዕን ብሕጋዊ ትካላት እንተዘይተፈጺሙ እቲ ብዕርክነትን ድላይን መራሕቲ ዝግበር ጽባሕ ንግሆ ሽግር ክፈጥር ይኽእል እዩ - እኹል ተመኩሮ እውን ኣሎና" ይብል ፍስሃየ ነቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን መለስ ዜናውን ዝነበረ መወዳእትኡ ናብ ከቢድ ጽልኢ ዝተቐየረ ክልተኣዊ ምሕዝነትን ፍቕርን ብምዝካር።
እቲ ናብ ኵናትን ደምን ዘብጸሐ ምኽንያት፡ ክልቲኦም ስርዓታት ዝወቓቐሱሉ ብዙሕ ዝተሓላለኸ ጉዳይ እኳ እንተለዎ፡ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ኣብ ዝነበሮ፡ መወዳእትኡ እውን ብሕግን ዳንነትን ዝተወደአ፡ ካብ ክልቲአን ሃገራት ኣስታት ሚእቲ ሽሕ ህይወት ዘጥፈአን ኣሻሓት ህዝቢ ዘፈናቐለን ዝረመሰን ኩናት ክንመሃረሉን ክንልብመሉን ከምዝግባእ ዘዘኻኸረ ዶክተር ሃይለ "ካቢነ ምኒስተራት ኤርትራ ክእከብ ይግበኦ" ይብል።
ኤርትራ፡ ኣብ ንጥፈታት ልምዓት ብኹሉ እትኽእሎ ዓቕሚ ንኸይትስጉም እቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝዓንቀፋ ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ብዕርቀ ሰላም ካብ ዝቕንጠጥ ክልተ ዓመቱ ገይሩ ኣሎ።
መምህር ፍስሃየ "ቅድሚ ሕጂ ካቢነ ምእካቡ ብመልክዕ ዜና ኣብ ዝቐርብ ጸብጻብ ኣብ ቴሌቪዥን ንርእዮ ነይርና። እቲ ተዘትዩሉ ዝበሃል ዛዕባ እውን ኣብ ጋዜጣ ነንብቦ ነይርና። ይኹን እምበር እቲ ካቢነ ዝብሎን ዝካትዓሉን ዛዕባ ስለዘይንሰምዖ፡ ካቢነ ምኒስተራት ኤርትራ ዝተባህሎ ክሰምዕን ጉዳያት ከፈጽም እዩ ክእከብ ጸኒሑ። ስለዚ ተኣኪቡ ኣይተኣኪቡ ብዙሕ ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን" ይብል።
መምህር ጸጋይ ከኣ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሓጋጊ ኣካል እንተለሚሱ እቲ ፈጻሚ ኣካል ተኣኪቡ ኣይተኣኪቡ ብግብሪ ትርጉም ከምዘይብሉ፡ ግን ከኣ ካብ ሓደ ርእሲ ክልተ፡ ካብ ክልተ ሰለስተ፡ ካብ ዓሰርተ ዕስራ ኣራእስ ስለዝሓይሽ ካቢነ ምኒስተራት ክእከብን ክዘራረብን ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ።
ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ብ28 መስከረም ኣኼብኡ ዘካየደ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ዕርቀ ሰላም ብዝምልከት ምስ ጎረቤት ኢትዮጵያ፡ ተኸባቢርካ ብሰላም ምንባር፤ ንሓባራዊ ረብሓታት ዘገልግል ናይ ምትሕብባር መቓን ምንጻር፤ ንኣሉታዊ ተራ ግዳማዊ ምትእትታው ዘይዕድም ሽርክነት ምምስራት፤ ክንዮ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዝዝርጋሕ ሰላማዊን ርጉእን ጎዶቦ ንምውሓስ ብሓባር ምስራሕ፤ ክልተኣዊ ጸጋታት ኣጓሳጒስካ ብምትሕብባር ዞባዊን ዓለማዊን ጽልዋ ምዕዛዝ ኣብ ዝብል ሓሙሽተ አዕኑድ ከምዝዘተየን፡ ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ኣዋርሕን ክንዮኡን ብነፍሲ-ወከፍ ጽላት ክትግበር ዘለዎ ዕማማት ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃበን ይሕብር።
ይኹን እምበር እቲ ካቢነ ሽዑ ምስተኣከበ ክሳብ ሕጂ ኣይተራኸበን። ተራኺቡ እንተኾይኑ እውን ንህዝቢ ብወግዒ ኣይተገልጸን።

ምንጪ ስእሊ, MOI
መምህር ፍስሃየ፡ ኣብቲ ናይ መስከረም 2018 ኣኼባ ካቢነ፡- ብክልተኣዊን ዞባውን መልክዓት፡ ትሕተ-ቅርጺ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ካልኦት ማርሳታትን ንምምሕያሽ፣ ቀረብ ጸዓት፣ ማይ፣ ኣባይቲ፣ መንገዲታት፣ ዕረያ መራኽብን ካልእ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንምምዕባል ምርድዳእ ከምዝተገበረ ይዝክር።
ብተወሳኺ ድማ ዞባውያን ስትራተጂያውያን መስመራት ንምሕዳስን ምስፋሕን፣ ደረጃኡ ዝሓለወ መዓልቦ ነፈርቲ፣ ንግዳዊን ኢንዱስትሪያዊን ዞባታት ንምልማዕ፣ ብቕዓት ፋይናንስያዊ ትካላት ክብ ንምባል፣ ማዕድናዊን ባሕራዊን ጸጋታት ንምምዝማዝ ብዝምልከት ውዱእ ውጥናት ተዳልዩ ከምዝቐርብን እቲ ውጥናት ብውሽጣዊ ዓቕሚን ደገፍ መሻርኽቲ ሃገራትን ትካላትን ከምዝምወል ተገሊጹ ምንባሩ ይገልጽ።
እንተኾነ ክልተ ዓመት ቀሪቡ ክሳብ ሕጂ ካቢነ ዘይምእካቡን፡ እቲ ዝተባህለ ኣብ ምንታይ ከምዝበጽሐ ንህዝቢ ዘይምሕባሩን ከምዘተሓሳስብ ይዛረብ።
እዚ ሓድሽ መዋእል፡ ብዙሕ ብደሆታት ከምዘለዎም ብኸቢድን ዘየላቡን ስራሕ ክግጠም ከምዘለዎ ዝሓበረ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት 2018፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ጉዳያት ኣበይ በጽሐ? መኣዝን ጉዕዞ ህንጸትን ምዕባለን ከመይ ኣሎ? ክብል ዘይምእካቡ እምበኣር " ካቢነና ኣብ ምንታይ ኣተወ?" ዝብል ሕቶ ከምዘልዕል መምህር ጸጋይ የረድእ።
ሚኒስተራት ሃገራት ዓለም ብኣካል ኣይኹን ብመርበብ ኢንተርነት እናተኣከቡ፡ ንምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝምልከት ውሳነታት እናሕለፉ፡ እቲ ቀደሙ'ውን፡ ብስሩዕ ዘይእከብ ካቢነ፡ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ መኸተ ኮቪድ ተኣኪቡ ብቓልዕ ወሳኔታት ክህብ ዘይምርኣዩ፡ እምበር'ዶ ካቢኔ ኤርትራስ ኣሎ'ዩ ዘብል'ዩ ይብል መምህር ጸጋይ።
መምህር ፍስሃየ እውን ብወገኑ፡ "ጉዳይ ዕጽዋ ንመኸተ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምድንጓይ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ናይ ገዛእ ርእሱ ተራ ተጻዊቱ ክኽውን ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ መራሕትን ሰበስልጣናትን ዝተፈላላያ ሃገራት ርሕቀቶም ሓልዮም ዋኒኖም የሳልጡን ቴክኖሎጂ ብዘፍቅዶ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቪርቹዋል ይራኸቡን ስለዘለው፡ ስለምንታይ'ከ ኤርትራ ከምኡ ዘይትገብር ዝብል ሕቶ ክለዓል ግን ግድን እዩ" ይብል።
ኣብ ፖለተካዊ ቅርጺ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሃገራዊ ባይቶ እዩ። እቲ ብ150 ኣባላት ዝቖመ ባይቶ፡ 75 ኣባላቱ፡ ካብ ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን እቶም ካልኦት 75 ከኣ ብህዝቢ ዝተመርጹ እዮም።
እቲ ሓጋጊ ኣካል ኣብ ነብሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ሓንሳብ ስሩዕ ኣኼብኡ ከካይድ፤ ምምኽኻር ኣብ ዘድልዮ ጉዳይ ከኣ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ብህጹጽ ክእከብ፤ ኣብ ርእሲኡ 2/3 ካብ ኣባላቱ ኣኼባ ምስ ዝጠልቡ እውን ፕረዚደንት ኣኼባ ክጽውዕ ሓላፍነት ከምዘለዎ እዩ ዝፍለጥ።
ይኹን እምበር ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ድሕሪ ጥሪ 2002 ክሳብ ሕጂ ተኣኪቡ ኣይፈልጥን እዩ።
ብሞትን ሕምማን ዝጎደሉ ብዙሓት ካብ ኣባላቱ እውን ኣይተተክኡን። እቲ ክሳብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኤርትራ ኣኼብኡ ከካይድ ዝጸንሐ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ እዩ ነይሩ።
ንሱ ከኣ ኣብቲ ጽዑቕ ስራሕን ብዙሕ ምምኽኻርን ዝሕተተሉ እዋን ዘይምእካቡ ንብዙሓት ሰባት "ስለምንታይ?" ዝብል ሕቶ ኣሕዲሩሎም ከምዘሎ መምህር ጸጋይ ይሕብር።
እዚ ህወሓት ንዝተሓሰሞ ብይን ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ብምቕባል ወጥሪ ክልተ ዓመት ዘዝለቐ ታሪኻዊ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ድሕሪ ምፍራሙ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ቁጠባውን ንግዳውን ጉዳያት፣ ኣብ ምንቅስቓስ ሰብን ንዋትን፣ ኣብ ግምሩክን ቀረጽን ካልእን፤ ዝተጸንዐን ብትካላት ህዝቢ ዝግለጽን ስምምዓት ክትክትም ትጸቢት ይግበር።
ይኹን እምበር፡ ሃገራዊ ባይቶኣ ዝለመሰ ሃገር ምስ ኢትዮጵያ በየናይ ሕጋዊ ኣካልን ትካልን እያ ስምምዕ ክትፍርም ዝብል ሕቶ ቅድሚ ሕጂ እውን ብዙሓት ኤርትራውያን ምሁራት ክሓቱሉ ዝጸንሑ ዛዕባ እዩ። በዚ ኾነ በቲ ግን፡ እቲ ይስራሓሉ ኣሎ ክብሃል ዝጸንሐ ንግዳውን ናይ ምንቅስቓስ ሰባት (ኢሚግሬሽን) ስምምዓትን ዛጊት ዝማህመነ ናይ ቃላት ተስፋ ኮይኑ ጥራይ'ዩ ተሪፉ ዘሎ።
ሕጂ እውን እንተኾነ ይብል መምህር ፍስሃየ፡ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእ እንተኾይኑ፡ ኤርትራ እትገብሮ ዝኾነ ይኹን ስምምዓት ብሕጋዊ ትካላዊ ኣካላት እንተኾይኑ ጥራሕ'ዩ - መጻኢ ጉዕዞ ውሕስነት ዝህልዎ።
ካብኡ ተረፈ፡ ኣብዚ ሓበሬታ ልዕሊ ኣጽዋር ጸብለል ዝበለሉ እዋን ሃገራዊ ባይቶኣ ዝለመሰ፡ ካቢነ ሚኒስተራታ ዝተረሰዐ፡ ንህዝቢ እኹል ሓበሬታ ዘይትህብ ሃገር ዝገበረት እንተገበረት ከምቲ ዝድለን ትጽቢት ዝግበሮን ኣብ ልምዓትን ህንጸትን ክትስጉም ከምዘይትኽእል የዘኻኽር።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







