'ስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ከምቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ኣይሰጎመን' መንግስቲ ኤርትራ

መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዙርያ ክልትኣዊ ጉዳያት ስምምዕ ፈሪመን

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G/MESKEL/TWITTER

መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ንዝኽሪ ክልተ ዓመት 'ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን' ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ሓተታ፡ እቲ ስምምዕ "ኤርትራ ካብ ውግእን ወረ ውግእን ተገላጊላ ኣብ ሰላማዊ ምህናጽ ከተድህብ ባብ ዘርሃወ ስምምዕ ሰላም" ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ከምቲ ተስፋ ዝተነብረሉ ከም ዘይሰጎመ ግና ኣፍሊጡ።

እቲ ስምምዕ ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ትርጉማት ኣለዎ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ቀዳማይ "ደድሕሪ ዓወት ናጽነት ዝስራዕ ዳግማይ ዓወት እዩ" ክብሎ ከሎ፤ "ካልኣይ ድማ፤ ሰላም ምስታ ን50 ዓመታት ብደገፍ ዓበይቲ ሓይልታት ኲናት ዘካየደትልናን፤ ን80 ዓመታት- ዓመታት ሰለስተ ወለዶ- ኣብ ግጭት ዝጸመደትና ጎረቤትና ሃገር" ኢሉዎ።

እቲ ስምምዕ ሰላም ንኽልተ ዓመታት ጸኒዑ ምህላው ዝሓበረ እቲ ሓተታ፡ እተን ትማሊ ጸላእቲ ኮይነን ንሓድሕደን ንምድኻምን ንምጥቃዕን ዝሰርሓ ዝነበራ ሃገራት፡ ብሓባር ይመኽራን ተሓጋጊዘን ይዓያን ከም ዘለዋ ገሊጹ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን "መሰረት ምርግጋእን ምትሕብባርን ኮይኑ ኣሎ" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብ ደንበ ተጻባእቲ ተሰሪዐን ዝነበራ ሱዳንን ሶማልን ምስ ኤርትራ ይተሓጋገዛ ኣለዋ" ይብል።

እቲ ስምምዕ ከምቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ኣይሰጎመን

እቲ ስምምዕ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዘርበሐ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ፡ ከምቲ ተስፋን ትጽቢትን እተነብረሉ ግና ከም ዘይሰጎመ እቲ ሓተታ ኣረዲኡ።

"ክልተ ዓመት ድሕሪ'ቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገና ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ሰፊሩ ኣሎ። ንግዳውን ቁጠባውን ዝምድናን ምትሕግጋዝን ክልቲአን ሃገራት'ውን ኣይሰጎመን" ኢሉ።

ምኽንያት ናይዚ ድማ "ክልተ ዓመት ኣብ ጉዕዞ ዘላቒ ሰላም ክልተ ሃገራት ብተዛማዲ ሓጺር ግዜ" ምዃኑ ይሕብር።

ብዘይካ'ዚ ኢትዮጵያ "ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጽንኩር መሰጋገሪ መድረኽ ትሓልፍ ከም ዘላን . . . ኣብታ ሃገር ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓንዩ፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ግጭት ክምለሳ ዝሓልሙን ዝሰርሑን ወገናት ኣለው" ብምባል ብቐንዱ ንህወሓት ይኸስስ።

እቲ ዝገጥም ብድሆታት ብዘየገድስ ድማ "ተጎቢጡ ንዘሎ ልኡላዊ መሬትና ንምምላስ ብትዕግስትን ከይተሓለልናን ክንሰርሕ ኢና" ድሕሪ ምባል "ተጻብኦ ገና ንዘይበለየሎም፡ ሰላምና ዕረ ዝጠዓሞም፡ ኤርትራ ዲል ከይትረክብ ድቃስ ንዝስእኑ፡ በቲ ፍቱንን ዕዉትን መገድና ክንምክቶም ኢና" ኢሉ።