ትጽቢትን ክውንነትን ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ድሕሪ ክልተ ዓመት

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, MOI

ሸሞንተ ሓምለ 2018 ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ፍልይቲ ዕለት እያ ነይራ። ኣብ ሚያዝያ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጽአ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ን20 ዓመታት ፈላልዩወን ዝጸንሐ ወጥሪ ዶባት፡ ንብይን ኮሚሽን ዶባት ብዘይ ቅድመ ኩነት ከምዝተቐበሎን ከምዘትግብሮን ብምእዋጅ ቆጽሊ ሰላም ሒዙ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣትዩ።

እቲ ብኸምኡ ፍጥነትን ቅልጣፈን ነገራት ክሕምበብ እዩ ዝብል ትጽቢት ዘይጸንሖ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት፡ ህዝቢ ዞባናን ዓለምን፡ በቲ ፍጻሜ ዝተሰምዖ ደረት ዘይብሉ ሓጎስ ኣንጎድጒዱዎ። መራሕቲ ሃገራት፡ ኣህጉራውያን ማሕበራትን ትካላትን ዮሃና ኢለን።

ብዙሓት ሰባት ከኣ ነቲ ን20 ዓመታት ጸኒዑ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣዝሊቑ፡ ብልዙብ ቃላትን ናይ ፍቕሪ መልእኽትን በሪ ሰላም ንዘርሓወ ኣቢይ ኣሕመድ " ብፈጣሪ ዝተላእከ ቅቡእ መድሓኒ!" ክሳብ ምባል በጺሖም።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ጎደናታቱ ብባንዴራታት ክልቲአን ሃገራት ኣወቂቡ፡ ብኸበሮን ጓይላን ብጨፈራ ዝላን ነቲ ናይ ፍቕሪ ጋሻ ክቕበል ድሕሪ 20 ዓመታት ናይ ሰንፈላል ህይወት ቆጽሊ ስየ ሒዙ " ፍቅሪ ይስዕር!" እናበለ ናብ ጎደናታቱ ውሒዙ።

ዶክተር ኣቢይ ኣብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ንኣሽሓት እሱራት ፈቲሑ፡ ኣብ ሚድያታት ዝጸንሐ ጸቕጥን ተጽዕኖን ኣዝሊቑ፡ ናብ ኩለን ጎደቦታት ሃገራት ብምጋሽ ነቶም አህዛብ መሻርኽቲ ሰላም ምዃኑ ነጊሩ። ኩሎም ኣብ ስደት ኮይኖም ክቃለሱ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ወድባት ንሃገሮም ኣትዮም ክቃለሱ ዓዲሙን ኣፍቂዱን።

ንኹሉ ደላይ ሰላም ዘሐጎሰን ንልቢ ብዙሓት ዝማረኸን ቅልጡፍ ጽገና ስለዘተኣታተወ ህዝቢ ብዓቢ ተስፋ ተቐቢሉዎ።

እቲ ዕርቀ ሰላም ንኽልቲአን ሃገራት ብማዕረ ዘገድስ እኳ እንተኾነ፡ ነታ ብኽልተ እገዳታት ተጻዒና፡ ካብ ዓለማዊ ዲፕሎማሲ ተገሊላ ዝጸንሐት ኤርትራ ግን ሓለፋ ነይሩዎ። እቶም ልዑላውነቶም ከውሕሱ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዶባት ዓስኪሮም ዝጸንሑ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን እቶም ግዴታዊ ኣገልግሎት ዝጽበዮም መንእሰያትን ሰላም ብምምጽኡ፡ ካብ ጫፍ ንጫፍ ጎደናታት ኣስመራ እናዞሩ ዓሊሎም ዘሊሎም።

ኣብ 1998 ዝተቛረጸ መስመራት ቴሌፎን ተጀሚሩ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመት ኣስመራ ዓሊባ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቅን ሰበስልጣን ኤርትራን ንኣቢይ ምስ ኣሰነይቱ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብሰተ-ሰምሃር ተቐቢሎም ናይ ድራር እንግዶት ገይሩሙሉ።

ድሕሪ ቁሩብ ዶባት ተኸፊቱ፡ ካብን ናብን ከተማታት ኤርትራን ኢትዯጵያን "ተዘወሪ መኪና!" ኮይኑ። ንዓመታት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ስድራ ቤታት አሕዋት ተራኺቦም ንብዓት ፍቕሪ ነቢዖም።

እቶም፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣሰር ኣቢይ ኣሕመድ ተኸቲሉ ነቶም ንዓመታት ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ቀይዱዎም ዘሎ ምኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል ዝጸውዑ ገዳይም መቓልስቱን ጋዜጠኛታትን እሱራት ክፈትሕን መኣዲ ዕርቀ- አሕዋት ክጅምርን ትጽቢት ዝነበሮም፡ ውዓል ሕደር ምስ ኮነ፡ ህዝባዊ ትካላት ዘየካተተ ዕርቀ-ሰላም፡ ፍቕሪ ክልተ መራሕቲ ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ ስክፍተኦም ገሊጾም።

ሓደ ካብቶም ሽዑ፡ ደጊም ሓጢኣትና ተወዲኡ ዝበለን፡ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ክኸውን ዝተመነየን ተኽልዝጊ ዑቕባልደት፡ ሎሚ ድሕሪ ክልተ ዓመት ጉዕዞ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ምንቕ ክብል ዘይምኽኣሉ ብዙሕ ከምዘተሓሳሰቦ ይዛረብ።

ዶብ ኦምሓጀር-ሑምራ ተኸፊቱ

ምንጪ ስእሊ, office of the PM

"ቅድሚ ዝኣገረ ኣይንፈርድን ግን እንድዒ" ዝበለ ንሕሉፍ ተመኩሮን ጉዕዞን እቶም ንኤርትራ ዝመርሑ ሰበስልጣን ኣብ ግምት ብምእታው "ብትካላት ዘይወሓስ ዕርቀ-ሰለም እሞ ናበይ ገጹ ክስጉም እዩ ዝብል ስምዒት ዝነበሮ ነባሪ ኣመሪካ ተስፋይ ከኣ " ዛጊት እቲ ዝፈራሕናዮ እዩ ዝኸውን ዘሎ" ይብል።

ኣብቲ እዋን ካብቶም ብምሒር ታሕጓስ ኣብ ተሌቪዥን ኤርትራ ቀሪቦም፡ ' እቲ ንዓመታት ተንጠልጢሉ ዝጸንሐ ወጥሪ ዶባት መዓልቦ ክረክብ ተስፋ እገብር' ዝበሉን፡ ሓንቲ ኣደ ብዓረብኛ "ህዝቢ ኤርትራ ደላይ ሰላም'ዩ እሞ ከም ትምኒቱ ሰላም ክኾነሉ፡ ሰላም ክኾነልና ንምነ" ምባለን፡ ካልእ ኣቦ እውን "እዚ ናይ ሕጂ ሰላም ውጽኢት ናይዚ ንመሰል ርእሰ ውሳኔኡን ልዑላውነቱን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ጽንዓትን ተጻዋርነትን'ዩ" ምባሎም ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ ተጸብጺቡ ነይሩ።

ብዙሓት ካልኦት ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም፡ እቲ ኩሉ ዝከኣሎ፡ ድነ ጸላም ዝቐንጠጠ ፈጣሪ፡ ነቲ ዝተጀመረ ዕርቀ ሰላም ብጽቡቕ ክውዳእ ጽላሉ ከንብረሉ፡ ብኩናት ዝደመዩ፡ ብኩናት ዝተመዛበሉ፡ ብኩናት ዝተሰዱ አሕዋት ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት፡ ነባሪ መስተርሆት ከውርደሎም ዝተመነዩ እውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ዮውሃንስ ድራር እውን ሓደ ካብኦም እዩ።

ሽዑ፡ ኩናት ክሳራ እምበር መኽሰብ ከምዘይብሉ፡ ጽልእን ህልኽን፡ ቂምን ቅርሕንትን ዓንቀፍቲ ምዕባለን ዕቤትን ምዃኖም ብምግላጽ፡ " ክልቲኦም ህዝብታት ውጹዓት እዮም እሞ ደጊም ወጽዐኦም ከኸትም ተስፋ እገብር።

ብቐደሙ እውን ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ኣብ ዝከኣል ነገር ዘባእስን ዘዋግእን ኣይነበረን" ኢሉ ነይሩ። ኮይኑ ግን "ምስ ….እግሪ፡ ምስ ሰሓትካ ምኽሪ" ከምዝበሃል፡ ሕጂ ክልቲኦም ወገናት እቲ ኩናት ክግበር ከምዘይነበሮ ብኣስተንትኖ ይዛረቡ ኣለው። ግን 100-ሽሕ መንእሰያት ምስጠፍኡን ኣማኢት ኣሽሓት ምስተመዛበሉን፡ ሃብትን ንብረትን ምስ ዓነወ፡ ዕድላት ዕቤትን ምዕባለን ምስተኾልፈ ኮይኑ።

ሽዑ እቲ ወጥሪ ክዓርግ እንከሎ እውን ሸምገልትን መኸርትን መሓዙት "ኩናት ዕንወት'ዩ - ጉዳይኩም ብሰላም ፍትሕዎ" ዝበሉ ውሑዳት ኣይነበሩን። ግን ብቂምታን ቅርሕንትን ዝኸሓነ ልቢ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ሰናይ ምኽሪ ስለዘይሰምዑ እቲ ኩሉ ዕንወት ወሪዱ ይብል ዮውሃንስ ድራር ንኩናት ዶባት 1998-2000 ብምዝካር።

እቲ ዘሕዝን እቶም ኣብ ዲቕ ዝበለ ኩናት ዝኣተዉ ሓይልታት፡ እቶም ንስርዓት ደርግ ንምውዳቕ ሓቢሮም ዝሰርሑ ንኢትዮጵያ ብልፍንቲ ዝመርሕ ኢሂወደግን ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ እንኮ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን እዩ።

ሽዑ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ምኒስተር መለስ ዜናውን ዝነበረ ዓሚቚ ፍቕሪ ናብ ሕሱም ጽልኢ ክቕየር ዝረኣዩ ተኸታተልቲ ፖለቲካ እዚ ዞባ ከኣ፡ እዚ ናይ ሕጂ ናይ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ናይ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ዝምድናን ርክብን ብህዝባዊ ሕጋዊ ትካላት እንተዘይተደጊፉ፡ ጽባሕ ንግሆ ከምቲ ናይ ኢሳይያስን መለስን ናይ ክልተ ውልቀ ሰባት ርክብ ኮይኑ ከይተርፍን ናብ ካልእ ሽግር ከይእቶን ስክፍተኦም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

እቲ ዕርቀ ሰላም ንጉዳይ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ክፈትሖ፡ ንዓመታት ኣብ ዶባት ዝኸርተቱ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ነናብ ቤቶምን ዋኒኖምን ክምለሱ፡ 'ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ' ኮይኑ ሰብ ብናጽነት ካብን ናብን ክመላለስ እዩ ነይሩ እቲ ባህጊ። እንተኾነ እቲ ንሓጺር እዋን ዝተኸፍተ ዶባት ተመሊሱ ተዓጽዩ።

ምድራዊ ምንቅስቓስ ኣጋርን ተሽከርከርትን ተቛሪጹ፡ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኤርትራን ክልል ትግራይን ምፍጣጥ ቀጺሉ፡ ኣብ ክንዲ ዕርቅን ሕድገትን ቂምን ቅርሕንትን ይስዕርርን ጸላኢ ጻላኢየይ ፈታዊየይ ዓይነት ዝመስል ዝምድና ይምዕብል ስለዘሎ፡ እቲ ነባሪ ሰላም ከንግስ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዕርቂ ከምቲ ዝተጸበናዮ ኣይኮነን ይብል ኣብ ዞባና ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ዘሻቕሎ ተኽልዝጊ።

ትጽቢት ክልተ ዓመት ምስዚ ክውንነት ስለዘይቃዶ፡ ሰባት፡ ነቲ ብልጭ ኢሉ ዝቐሃመ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ዕዳጋታት ኣስመራን መቐለን ከረጋግእ ዝጀመረ ንግዳዊ ርክባት፡ ተመሊሱ ክሕደስን ሰላምን ቅሳነትን ክነግስን ሃንቀው ይብሉ ኣለው።