"ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኢትዮጵያ ምምራሕ ማለት ሓደ ሚልዮን ጻጸ ተሰኪምካ ከም ምኻድ ማለት እዩ"

ምንጪ ስእሊ, EBC
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝቐረብሉ ገለ ሕቶታት ምላሽ ሂቡ።
ናይቲ ዕለት ቀንዲ ዛዕባ፡ ጉዳይ ዓመታዊ ባጀት ቀጻሊ ዓመት ኢትዮጵያ ማለት'ውን 2013 ዓም እዩ ነይሩ።
ጉዳይ ኣብ ጭንቂ ዝርከቡ ስደተኛታት
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ማእኸላይ ምብራቕ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም እዮም ዝርከቡ።
ብፍላይ ኣብ ሃገራት ስዑዲ ዓረብን የመንን ዝበዝሑ ተጋሩ ዝርከብዎም ብሓፈሻ ኣስታት 40 ሽሕ ዝጸግዑ መናእሰይ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሚድያታት ጸብጺበን እየን።
ነዚ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ ድሕሪ ለውጢ ዛጊድ ልዕሊ 280 ሽሕ ሰባት ናብ ዓዲ ክኣትዉ ከምዝተገብረ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ኣብ እዋን ኮሮና ዛጊድ 20 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ካብ ደገ ከምዘኣተወ'ውን ገሊጹ።
መንግስቲ ዓብዪ ወጻኢ ዝሓትት ምዃኑ'ዩ ሓቢሩ። ካብ መንጎኦም ድማ ሓደ ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ኾይኖም ተረኺቦም- ኢሉ።
በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ኩነታት ክሳብ ዝረጋገዕ ኣብ ዘለዉዎ ክጸንሑ ከምዝተወሰነ ተዛሪቡ።
ደጋጊሞም ዝኸዱ ሰባት ከምዘለው ዝተዛረበ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር "ክሳብ 49 ጊዜ ተመላሊሱ ዝኸደ ሰብ ኣሎ" ኢሉ።
እንተኾነ፡ ብዛዕባ እቶም ሕዚ ኣብ ዓብዪ ጭንቂ ወዲቖም ዝርከቡ ዜጋታት እንትዛረብ፡ "እዚ ዝተኸብረ ቤት ምኽሪ ክረደአለይ ዝደሊ ግን" ብምባል ሓደገኛ ዝበሎ ግምቱ ተዛሪቡ።
"ንኮሮናቫይረስ ከም ምኽንያት ጌርካ ዝሰልጠኑ ናይ ከተማ ኣሸበርቲ ንምእታው ልዑል ድሌት ኣሎ" ኢሉ።
"ብገዛእ ወጻኢና ዓዲ ምስ ኣተወ፡ ዝሕምስ ሓይሊ ናይ ምእታው ጻዕሪ ከምዘሎ ተስተውዒሉ እዩ" ክብል'ውን ኣረዲኡ።
ሕዚ'ውን ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከምኡ ዓይነት ድፍኢት- አሎ ይብል።
"ብዛዕባ ጾታዊ ጥቕዓት ዝምልከት ሓበሬታ ዝተበገሰሉ፣ ዝተጀመረሉን ምንጪን መንገዲን እንተሪእኹም'ውን ሓደ እዩ። ብዛዕባ ስደተኛታት ዝበሃል'ውን ምንጩ ተመሳሳሊ እዩ ። ሃንደበት ኣይኮነን ዝስራሕ ዘሎ" ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብዛዕባ ኣየናይ ጎስጓስ ጾታዊ ጥቕዓት ይዛረብ ከምዘሎ ኣየብረሀን።
እቲ 'ምንጩ ሓደ እዩ' ዝበሎ'ውን እቲ ቦታ ኣበይ ምዃኑ ከይሓበረ ሓሊፉ።
እንተኾነ፡ እቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ መናእሰይ ኣብዝሓ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ተጋሩ ምዃኖም ባዕልቶም ንቢቢሲ ገሊጾም እዮም።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን፡ ንመን ይኸስስ ከመዘሎ'ውን ግልጺ ኣይገበረን። እቶም ዝሰልጠኑ ግበረ-ኣሸበርቲ ዝበሎም'ውን ብዛዕባ መን ይዛረብ ከምዘሎ ግልጺ ኣይኮነን።
"እቶም ንኸእትው ዝጽዕሩ ዘለዉ ሓይልታት ግን ሕዚ'ውን ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን፡ 'ዜጋታት ተዘንጊዖም እንተዘይአእተኹምዎም' ይብሉና ኣለዉ" ኢሉ።
"ብርቱዓት ብርቱዓቶም ማለት እዩ" ክብል ድማ ነቶም ብስም ስደተኛታት ክኣትዉ ዝድለዩ ዝበሎም ገሊጹዎም።
ነቶም 'ዝጥርጠሩ' ዝበሎም ግን ኣብኡ ከምዝጸንሑ እዩ ሓቢሩ።
"ዝጥርጠሩ ማለት፡ ጽልም ዝበለ ኹሉ ኢትዮጵያዊ እዩ ኢልና እንተምጻእናዮ እንታይ ሒዙ ከምዝመጽእ ኣይፍለጥን" እውን ኢሉ።
ዝበዝሕ ብዘይሕጋዊ መገዲ ከምዝኸደን፡ ፓስፖርት ዘይብሉ ምዃኑን ብምግላጽ እዩ ኸምኡ ኢሉ።
ብርግጽ፡ ደቂ ኣንስትዮ፣ ጉድኣት ዘለዎምን ዝደኸሙን ግን ዝመጽእሉ ኩነታት ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እናተሰርሐሉ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ህዳሰ ግድብ
እቲ ስነጥበባዊ ዝተቐተለሉ ዕለት፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ይዝተየሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
"እቲ ተግባር ኮነ ተባሂሉ ሰበር ዜናታት ብምፍጣር፡ መንግስቲ ትኹረቱ ካብቲ ህዳሰ ግድብ ንኸልዕል እዩ" ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምኡ ይበል'ምበር ኣብ ዓዲ ውሽጢ ኾነ ኣብ ደገ ዝቃወሙ ዘለው ተወለድቲ ኦሮም ግን ምስ ቅትለት'ቲ ስነጥበበኛ ብዝተኣሳሰር፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንባዕሉ እዮም ተሓታቲ ዝገብርዎ ዘለዉ።
መንግስቲ በዞም ሰበር ዜናታት ከምዘይሕንከልን፡ ቀንዲ ትኹረት ግን እቲ ግድብ ጥራሕ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ሰለስተኣዊ ዘተ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን እናተኸየደ እንትኸውን፡ ዝእተው ዘለዉ ውዕላት ብዝምልከት ግን ትሕዝቶ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ግልጽነት ስለዝንእሶ፡ ጥርጣረ ዝሓድሮም ወገናት ኣለዉ እዮም።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን፡ "ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ማይ ምምላእ እንተዘይጀሚራ፡ እቲ ግድብ ንዘይምስራሕ ወሲና ማለት እዩ" ኢሉ። እንተኾነ፡ እቲ ምምላእ ክጅመር እዩ ዝተብሃለ 10 ሚኢታዊት ጥራሕ ከምዝኸውን ሓቢሩ።
'ኦሮሞ ኣይኮንካን ተባሂለ'
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኦሮሞ ክሳዱ ዘድንነሉ እዋን ኣይኮነን ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ን30 ዓመታት ንህዝቢ ኦሮሞ ክብል ከምዝተቓለሰ ተዛሪቡ።
እቲ ንሱ ናብ ስልጣን ዝመጽአሉ ኣግባብ ድማ፡ እቲ ዝሐሸን ዕውቱን ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ 'ኣብዪ ኦሮሞ ኣይኮነን' ዝብል ጎስጓስ ድማ ፋሽኑ ዝሓለፉ እዩ ብማለት፡ ምስቲ 'ኦባማ ኣብ ኣመሪካ ኣይተወለደን' ዝብል ጎስጓስ ኣመሳሲልዎ።
"ኣብዪ ኦሮሞ ኣይኮነን ዝብል ፖለቲካ- ካብ ቅንእን ሕስድ' ዝተልዓለ ሓሜት" ክብል ኣናኢስዎ።
"ንኦሮሞ ህዝቢ ዘይጠቅም ንካልኦት ኣይጠቅምን" ብምባል ድማ ንኹሎም ህዝብታት ብማዕረ ዝርኢ መራሒ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ምስ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ መላእ ዓለም ዝለዓል ዘሎ ተቓውሞ፡ "ኣብ ማዕዶ ኾይንካ እምኒ ምድርባይ ለውጢ ኣይመጽእን" ኢሉ። 'ካብ ስልጣን ውረድ' ክብሉ ድማ ይሓትዎ ኣለዉ።
ንሱ ግን ኣብቲ ናይ ቤት ምኽሪ መደርኡ፡ "ጀጋኑ እንተኾይኖም ናብዚ መጺኦም መስዋእቲ ይኽፈሉ። ፋሽኑ ዝሓለፎ መይላ ቃልሲ እዩ" ኢሉዎ።
ካብቲ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ 'ኦሮሞ ኣይኮንካን' ዝብል ኣብ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ዝንጸባረቕ ዘሎ ድምጺ ኣዝዩ ዘሕመሞ ይመስል።
'ውግእን ጎንጽን'
ዝሞተ ይመውት እምበር ዝጀመርናዮ ስራሕ ደው ኣይክነብሎን ኢና ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ሕጂ እዋን መራሒ ኢትዮጵያ ምዃን ሸኽሚ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኢትዮጵያ ምምራሕ ማለት ሓደ ሚልዮን ጻጸ ተሰኪምካ ከም ምኻድ ማለት እዩ" ክብል ድማ ገሊጽዎ።
"ብሄር ምስ ብሄር ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ተባልዑ ዘለኹም፤ እንተነኣሰ ብኸምኡ ስልጣን ኣይተሓዝን" ዝበለ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሰባት ደው ኢሎም ክሓስቡ መኺሩ።
"ኢትዮጵያ ሶርያ እንተኾይና ኪሳርኡ ንኹሉ እዩ" ብምባል ድማ፡ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ጻዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ተዛሪቡ።
"ንሕና እናመራሕና ኢትዮጵያ ምፍራስ ኣይከኣልን" ዝበለ ኾይኑ፡ ዝኾነ ሰብ ካብ ኢትዮጵያ ንታሕቲ እዩ ኢሉ።
"ሕዚ'ውን ንጎንጺ ዝዳለውልና ዘለዉ ሓይልታት ብዙሓት እዮም። ንሕና ግን ኣብ ምንታይ ክነትኩር ከምዘለና ግልጺ መስመር ስለዘለና፤ ብዝረብሕን ዘይረብሕን ናብ ጎንጺ ኣቲና ሃለዋት ኢትዮጵያ ኣይነናግዕን" ክብል ተዛሪቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







