ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ‘እቲ ዝተቐትለ ጅግና ዓርከይ’

ሃጫሉን ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ (ካሜራማን) ኣመንሲሳ ኢፋ
መግለጺ ስእሊ, ሃጫሉን ጋዜጠኛ ቢቢሲ (ካሜራማን) ኣመንሲሳ ኢፋ

ድሕሪ ሞት ውሩይ ደራፋይ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ ጎነጽ ዝተሓወሶ ሓያል ናዕቢ ተላዒሉ ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ሃጫሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ፍቕሪን ሓድነትን እዩ ዝደርፍ ነይሩ። ብኻልእ ገጽ ድማ ብዛዕባ ኣድልዎ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ኢትዮጵያ ክቓኒ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ዓርኪ እቲ ህቡብ ስነጥበባዊ ዝኾነን፡ ብዛዕባኡ ዝትርኽ ንሽልማት ዝበቕዐ ፊልም ዝሰርሐን፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ (ካሜራማን) ኣመንሲሳ ኢፋ፡ ድሕሪ ቅትለቱ ዝቐጸላ መዓልታት ከመይ ከምዝሓለፋ ብኸምዚ የዘንቱ።

ሓሓንሳብ ብዛዕባ ሞት ሃጫሉ ክሓስብ እንከሎኹ፡ ኣብ ክንድኡ ኣነ ሞይተ ንሱ እንተዝነብር ዝብል ሓሳብ ይመጸኒ።

ንብዙሓት ሰባት ናቶም ጎብለልን ጅግናን ኢዩ ነይሩ።

ንመሰል ብዙሓት ውጹዓት ሰባት ተቓሊሱ እዩ። ሓደ እዋን ብዙሓት ስነ-ጥበበኛታት፡ ተጣበቕቲ፡ ፖለቲከኛታት ነዛ ሃገር ራሕሪሖም ክሃድሙ እንከው፡ ሃጫሉ ኣይስደድን ብምባል ካልኦት ዘይደፈርዎ ዛዕባታት ከልዕል ክኢሉ’ዩ።

ሃጫሉ ሁንዴሳ

ምንጪ ስእሊ, DAGI PICTURES

‘ሃጫሉ ኣብ ሆስፒታል’

ሰኑይ ምሸት ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ለይቲ ካብ መሓዙተይ ንሃጫሉ እንታይ ኣጋጢምዎ ዝብል መልእኽትታት ኣብ ሞባይል ክቕበል ጀሚረ።

ኣብቲ ግዜ ዝኾነ ሰብ እንታይ ከምዘጋጠሞ ዝዛረብ ኣነበረን፡ ግን ንሕና ዘይተጸበናዮ’ዩ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ኣነ’ውን ብቕጽበት ናብ መሓዙተይ ክድውል ፈቲነ፡ ግን ቴለፎኑ ዘልዓለ ሰብ ኣይነበረን። ሽዑ፡ ሃጫሉ ኣብ ሆስፒታል ከምዘሎ መልእኽቲ መጺኡኒ።

ኣነ ከኣ ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ገጸይ ኣምሪሐ። ኣብኡ ስም በጻሕኩ ብዙሓት ሰባት ክበኽዩን ከዕገርግሩን ጸኒሖምኒ።

ኣብቲ ሬሳ ዝነበሮ ቦታ ምስ ከድኩ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ተኸዲኑ ዝነበረ ሬሳ ከፊትዎ። እንተረኣኹ ዓርከይ ኣብ ኣፍልቡ ብጥይት ተሃሪሙ!

ሽዑ ሽሙ ክጽውዕን ክበክን ጀሚረ። ኩሉ ሰብ የእውን የልቅስን ነይሩ።

“በጃኩም እዚ ሓቂ ኣይኮነን በሉኒ” ኢልና ብሓዘን ተዋሒጥና ብሓባር በኺና።

ካብኡ እቲ ሬሳ ተወሳኺ መርመራ ክግበረሉ ናብ ካልእ ሆስፒታል ተወሲዱ። ነቲ ሬሳ ተኸቲልና ድማ ናብቲ ሆስፒታል ከድና።

ክሳብ ወጋሕታ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ሆስፒታል ክንበኪ ሓዲርና። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ዜና ቅትለቱ ናብ ኩሉ ስለዝተዘርገሐ እቲ ቀጽሪ ሆስፒታል ብሕዝቢ ክሳብ ዓንቀሩ መሊኡ ነይሩ።

ምስ ወግሐ፡ ሬሳ ሃጫሉ ካብቲ ሆስፒታል ኣውጺእና ንከተማ ኣምቦ ነቒልና።

ሃጫሉ

‘ሃጫሉ እቲ ሓርበኛና’

ነቲ ሬሳ ሒዝና እናተጓዓዝና እንከለና፡ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ዕግርግር ከምዝነበረ ተዓዚበ እየ። ብዙሕ ናይ ብረት ተኹስን ፖሊስ መንበዒ ጋዝ ክትኩሱን ሰሚዐ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጺእና ንልዕሊ 15 ኪ.ሜ ምስ ተጓዓዝና፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ገሊኡ ብመካይን ገሊኡ ድማ ብእግሩ ንኣዲስ ኣበባ ገጹ እናተጓዕዘ ተቐቢሉና። ኩሉም ድማ ብስንባደን ሓዘንን ተዋሒቶም ከምዝነበሩ ኣብ ገጾም ይንበብ ነይሩ።

ነቲ ናትና ዝብልዎ ውሩይ ደራፋይ ናይ መወዳእታ ዘለዎም ኣኽብሮት ክገልጹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ይጓዓዙ ነይሮም።

ብዙሓት ሰባት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሃጫሉ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ መሲልዎም፡ ለይቲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ንኣዲስ ክጎዓዙ ሓዲሮም።

ኣብ መኪናይ ኮፍ ኢለ እንከሎኹ “ሃጫሉ ናይ ሃገርና ጅግና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ጅግና ቀብሪ ክግበረሉ ኣለዎ” ኢሎም ክጭድሩ ሰሚዐዮም።

ካብኡ ነቲ ሬሳ ሒዝና ንኣዲስ ኣበባ ገጽና ጉዕዞና ጀሚርና። ድሓር ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስድራ ሃጫሉ ሬሳ ወዶም ኣብ ኣምቦ ክቕበር ስለዝደልይዎ፡ ኣብ ኣምቦ ክቕበር ኣለዎ ኢሎምና። ሬስኡ ድማ ብሄሊኮፕተር ንኣምቦ ተወሲዱ።

ኣነ ግን ንቀብሪ ዓርከይ ንከተማ ኣምቦ ክኸይድ ኣይከኣልኩን። ምኽንያቱ መገዲ ኣምቦ ተዓጺዩ’ዩ።

ድልየተይ ዝነበረ፡ ዓርከይ ክሳብ ዝቕበር ኣብ ጎኑ ክኸውን ብግቡእ ከፋንዎን እዩ ነይሩ። ግን፡ እንታይ ይግበር፡ ነቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብቴሌቪዥን ተኸታቲለዮ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ እታ ዝኸበደትን ኣዝየ ዝጉሃኹላን መዓልቲ’ያ ነይራ።

ነቲ ቴሌቪዥን እናረኣኹ ዓይነይ ብንብዓት ይዛሪ ነይሩ።

ነዚ ምጻሩ ምስ ሰኣንኩ፡ እናነባዕኩ ናብ ወላዲተይ ቴሌፎን ደዊለ “ሎሚ ክመውት እደሊ ኣሎኹ ኢለ ነጊረያ”። ንሳ’ውን ኣብ ዓᎁቕ ሓዘን ከምዘላ ተረዲአ፡ ክልቴና ብብኽያት ተሳዒርና ክንዛረብ ኣይከኣልናን።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሃጫሉ

ምንጪ ስእሊ, OBN

ሞት ሃጫሉ ሓቂ ኮይኑ ኣይስማዓንን ዘሎ

ሓሙስ መዓልቲ ካልእ ዓርኪ ሃጫሉ ገለ ምስ ኣጋጠሞ፡ ከይተረዳኣኒ፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክነግሮ ኢለ ናብ ቁጽሪ ቴሌፎን ሃጫሉ ክድውል ጀሚረ።

ንሃጫሉ፡ ቅድሚ ምቕታሉ፡ ቅድሚ ሰሙን ኣቢለ ተዛሪበዮ ነይረ። ሽዑ፡ ሓንቲ “ኢሳ ጅርታ” (ኣበይ ኣለኻ) ዘርእስታ ሓዳስ ደርፊ ኣውጺኡ ከምዘሎ ነጊሩኒ፡ ከስመዓኒ ኸኣ ተቋጺርና።

ስነ-ጥበብ ሃጫሉ ኣብ ፖለቲካ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። ንሱ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ፡ ሓድነት፡ መንነትን ከምኡ’ውን መሰላት ደቂ-ሰባትን ደሪፉ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ካብቲ ንሱ ዝኣምኖን ደው ዝበለሉን ድሕር ከምዘይብል ንተዓዘብቱ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ ንነዊሕ ዘመናት ህዝቢ ኦሮሞ እቲ ዝበዝሐ ብሄር ኢትዮጵያ ክንሱ፡ በቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ስርዓታት ካብ ፖለቲካውን ቁጠባውን መሰላት ከምዝገለልዎም እዩ ዝዛረብ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ሰልፊ ብልጽግና ገንዘብ ተቐቢልካ ኢሎም ይኸስዎ ነይሮም። ንሱ፡ ግን “ንዓይ ክገዝኣኒ ዝኽእል ኣካል የለን” ብምባል ነቲ ዝበሃል ወረ ነጺጉዎ።

ኣብ ዝተፈለለዩ እዋናት ምስ ሰባት ዘይሰማምዓሉ ኩነታት ነይሩ፡ ግን ኣብ ሂወቱ ዘስገኦ ነገር ኣይነበረን። ኩሉ ግዜ ንህዝቡ ዝመውት ጅግና’ዩ እናበለ ሞይቱ።

“ኣነ ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበልኩ ሰብ ኣይኮንኩን። ሓንቲ መዓልቲ ክመውት ይኽእል እየ፡ ካብ ሞት ግን ኣይፈርሕን እየ” ኢሉ ሓንቲ መዓልቲ ተዛሪቡኒ ነይሩ።