ንሓርነት እናዘየመ ዝተቐትለ ውሩይ ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ

ውሩይ ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ሁጫሉ ሁንዴሳ

ምንጪ ስእሊ, DAGI PICTURES

መግለጺ ስእሊ, ውሩይ ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ሁጫሉ ሁንዴሳ

ወዲ 34 ዓመት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ብሄረ ኦሮሞ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ፖለቲካ ሓዘል ደርፍታት ብምፍራይ ሓያለ ሰዓብትን ደገፍትን ዘጥረየ ውሩይ ስነጥበባዊ እዩ፡ ስነጥበብ ግን ፈተውቲ ጥራይ ኣይኮነን ኣጥርይሉ፡ ጸላእቲ’ውን ፈጢርሉ እዩ።

ሃጫሉ ብሰኑይ እዩ ኣብ መኪንኡ እንከሎ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ተቐቲሉ፡ ምስ ቅትለቱ ምትሕሓዝ ኣለዎም ዝተብሃሉ ክልተ ጥርጡራት ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ፡ እንተኾነ ፖሊስ፡ ሃጫሉ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተቐተለን እቶም ጥርጡራት’ውን ክሲ ተመስሪትዎም ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦምን ዘይምቕራቦምን ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ።

ቀብሪ ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣምቦ ተፈጺሙ።

ጋዜጤኛ ቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ በቀለ ኣቶማ ብዛዕባ’ቲ ‘ንተኸታተተልቲ ስርዓታት ዕሾኽ ዝኾኖም’ ዝበሎ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ነዚ ዝስዕብ ጽሒፉ ኣሎ።

ሃጫሉ ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ለውጢ ምምጽኡ ናይ ፖለቲካ እሱር እዩ ነይሩ፡ ብመዳይ ስነጥበብ ከኣ በቲ ብዛዕባ ፖሎቲካን ፍቕርን ዝደርፎ ደርፍታት ሓደ ካብ ስሙያት ኢትዮጵያውያን ደርፍቲ ክኸውን ክኢሉ እዩ።

ኣቡኡ ንሃጫሉ ኣብ ከተማ ኣምቦ፡ ኣብ እንዳ ኢለትሪክ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ፡ ወዲ ከኣ ዶክተር ክኾነሉ እዩ ዝደሊ ነይሩ እንተኾነ ሃጫሉ ካብ ብንእሽትኡ ሃሙን ቀልቡን ኣብ ደርፍን ደራፋይ ምዃንን'ዩ ነይሩ።

ነተን ዝነበራኦም ከብቲ ክጓሲ ንበረኻ ኣብ ዝወፍረሉ ድማ ድምጹ ካብ ጎቦ ናብ ጎቦ መቓልሕ ክሳብ ዝመልስ ዓው ኢሉ ይደርፍ ነበረ፡ ኣዲኡ እውን ንናይ ደርፊ ወንኡ ትፈትወሉ ነይራ እያ።

ኣብ 2017 ምስ ቢቢሲ ኣፋና ኦሮሞ ቃለ መጠየቕ ኣብ ዝገበረሉ “ኣብ ርእሰይ ዝመጽኣኒ እየ ዝደርፍ ነይረ” ምባሉ ይዝከር።

ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ

ሃጫሉ ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንምዕራብ ኣስታት 100 ኪሎሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣምቦ ኣብ 1986 እዩ ተወሊዱ፡ ሸውዓተ የሕዋት ድማ ኣለውዎ።

ህዝቢ ኣሮሞ፡ በቲ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ስርዓት ይጭፍለቕ ኣለኹ ዝብል ስምዕታ ስለዝነበሮ ነብሰይ ከመሓድር ዝብል ሕቶ ወትሩ ምስ ኣልዓለ እዩ። ብሰንኪ እዚ ኣብቲ ከባቢ ተቓውሞታት ምክያድ እጉድ፡ ተቓውሞ ዘካየዱ ምእሳር ድማ ንቡር እዩ ነይሩ።

ሃጫሉ ኣብታ ዝተወለደላ ከተማ ኣምቦ እዩ ትምህርቲ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ተምሃሮ ንናጽነት ዝጠልብ ምውድዳብ ስለዝነበሮም ከኣ፡ ዓይኑ ከይሓሰየ ምስኦም ተጸንቢሩ ክነጣጥፍ ጀመረ።

ኣብ 2003 ወዲ 17 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ ድማ ብዝገብሮ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ ተታሒዙ ንሓሙሽተ ዓመታት ከም ፖሎቲካዊ እሱር ተኣሰረ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ኣብኡ ክበጽሖ ኣብ ዝኸደሉ ንወዱ ሞራል የስንቖ ከም ዝነበረ እዩ ሃጫሉ ዝሕብር፡ ኣቡኡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝበጽሓሉ “ማእሰርቲ ንሰብ የትርሮ እዩ፡ ንስኻ’ውን ኣጆኻ ትረር” ይበሎ ነይሩ።

ሃጫሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ኣብ ፖሎቲካ ዘለዎ ንቅሓት ኣብ ምብራኽ እዩ ዘሕልፎ ነይሩ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ብዛዕባ ታሪኽ ኢትዮጵያ ከጽንዕን ብዛዕባ ሕሉፍ ንጉሳዊ ኣመሓዳድራ ኢትዮጵያን ውልቀምልክን ዓሚቕ ፍልጠት ከጥሪ ክኢሉ።

ጎኒ ጎኒ እቲ ናይ ፖሊቲካዊ ፍልጠት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ናይ ሙዚቃ ክእለቱ’ውን ከማዕብል ክኢሉ።

ሃጫሉ ኣብ 2017 ምስ ቢቢሲ ኣገልግሎት ቋንቋ ኦሮሞ ቃለ መጠየቅ ኣብ ዝገበረሉ “ክሳብ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣቱ ግጥሚ ከመይ ይጽሓፍ ዜማ ከመይ ከዝይም ይኽእል እኹል ኣፍልጦ ኣይነበረንን፡ ነዚ ሕጂ ዘለኒ ክእለት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይነ እየ ኣጥርየዮ” ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ድማ ኣስታት ትሽዓተ ዝኸውን ደርፍታተ ብምስራሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ 2009 ‘ሳኚ ሞቲ፤ (ግጥም እቲ ንጉስ) ዝሰመያ ምልእቲ ኣልበም ኣሕቲሙ፡ ናብ ህዝቢ ዘርጊሕዋ።

ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ

ናብ ስደት ኣይከይድን’ኢሉ ዕጭ ሓንፊፉ

እታ ኣብ 2009 ዝዘርግሓ ቀዳመይቲ ኣልበሙ እኹል ህቦብነት ኣጥርያ ንሃጫሉ ከም ሓደ ተምሳሌት ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ንኽውሰድ ዓቢ ባብ ኣርሕያትሉ።

ንሱ ግን “ኣነ ፖሎቲከኛ ኣይኮንኩን፡ ኣነ ስነ ጥበባዊ እየ፡ ህዝበይ ዝሓልፎ ዘሎ ብደርፊ ስለዘቕርብክዎ ድማ ፖሎቲከኛ ኣየብለንን’ዩ” እዩ ዝብል ነይሩ።

ኣብ እዋን መሪሕነት ቀዳሞት ሚኒሰትራት ነበር መለስ ዜናውን፡ ሃይለማርያም ደሳለኝን ብዙሓት ስነጥበባውያንንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ይእሰሩ ስለዝነበሩ፡ ማእሰርቲ ብምፍራሕ ዓዶም ገዲፎም ናብ ስደት ከምርሑ ተገዲዶም እዮም፡ ሃጫሉ ግን መንእሰያት ንመሰሎም ደው ክብሉ ኣለዎም ብምባል ካብ ኢትዮጵያ ከምዘይወጽእን ናይ ምውጻእ ድሌት ከምዘይብሉን ብተደጋጋሚ እዩ ዝገልጽ ነይሩ።

ሓንቲ ካብ ፍትዋት ደርፍታቱ፡ ምስ ሓንቲ ብመንነታ ኣዝያ ሕብንቲ ዝኾነትን ንመንነታ ክትብል ንሞት ድልውቲ ዝኾነትን ጽብቕቲ ጎርዞ ከመይ ኢሉ ፍቕሪ ከምዝሓዞ እተዘንቱ እያ።

ብዓል ፈረስ ተባዕ ተቓላሲ'

ካልኣይቲ ኣልበም ሃጫሉ ‘ዋኤ ኬኛ’(ናትና ነገር) ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ኮይና ኣብ 2013 ኣብ ኣሜሪካ ዑደት እናኣካየደ እንከሎ እዩ ናብ ህዝቢ ዘርጊሕዋ፡ ኣብ ግዚኣ ድኣ ኣብ ኣማዞና ካብ ናይ ኣፍሪቃ ደርፍታት ዝበዝሐት ዝተሸጠት ኣልበም እያ ነይራ።

ሃጫሉ ድሕሪ ክልተ ዓመታት’ውን ‘ማላን ጂራ’ (እንታይ ናብርኡ?) ዝሰመያ ኣዝያ ፍትውቲ ንጽል ደርፊ ደሪፉ።

እዛ ደርፊ መንግስቲ ነቶም ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ተወለድቲ ኦሮሞ ካብ ቤቶም ኣፈናቕሉ ንኣዲስ ኣበባ ናይ ምስፋሕ መደብ ምስ ሓንጸጸ ዝደረፋ እያ ነይራ።

ሃጫሉ ነቲ ኣብ 2015 ዝርአ ዝነበረ ክስተታት ‘ታሪኽ ይድገም ከምዘሎ የርእየኒ ነይሩ’ እዩ ዝብሎ።

ሃጫሉ ንድሕሪት ብምምላስ ፡ እዛ ሕጂ ኣዲስ ኣበባ ትብሃል ዘላ ከተማ ናይ ቱላማ ዝብሃሉ ቀቢላ ናይ ኦሮሞ ምንባራን ብሃጸይ ሚኒሊክ ካልኣይ፡ ብሓይሊ ተደፊኦም ካብቲ ቦታ ክርሕቁ ከምዝተገደዱን እዩ ዝሕብር።

ሃጫሉ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሃጸይ ሚኒሊክ ኣብ 1886 ነዛ ሕጂ ዘላ ኣዲስ ኣበባ መሳፍርኡ ምስ ገበራ፡ ካብቶም ሰብ ፈረስን ተባዓት ተቓላስትን ህዝቢ ኦሮሞ ኣፈራስ ይሰርቕ ነይሩ ብምባሉ፡ ካብቶም ደገፍቲ ሃጸይ ምንሊክ ዓቢ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ኣብ 2015፡ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ቤት ንብረቱ ከይፋናቐል ዝጽውዕ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ፡ እቲ ህዝቢ ንደርፍታት ሃጫሉ ከም መዝሙር እዩ ዝጥቀመሉ ነይሩ።

ሃጫሉ ኣብ 2017 ኣብ ዘውጽኣ ንጽል ደርፊ’ውን “ካብ ደገ ዝመጽአኩም ሓገዝ ኣይትጸበዩ፡ ብትጽቢት ሕልሚ ክውን ኣይከውንን’ዩ፡ ኣፍራስኩም ኣልዒልኩም ተቓለሱ፡ እቲ ቤተ መንግስቲ ጥቃኹም’ዩ ዘሎ” ዝብል ንብዙሓት መንእሰያት ኦሮሞ ዘነቓቐሐ ደርፊ ደሪፉ፡ እዚ ከኣ ንመጠን ሰዓብቱ ብዕጽፍታት ከዛይዶ ክኢሉ እዩ።

ሰልፈኛታት እናበኸዩ

ፍርሒ ኣልቦ ደረፋይ”

እቲ በብቅሩብ ፈኸም ዝብል ዝነበረ ተቐዓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ፡ ናብ ዝዓበየ ፖሎቲካዊ ናጽነት ብምዕባይ ኣብ 2018 ኣብይ ኣሕመድ ፈላማይ ካብ ህዝቢ ኦሮሞ ናብ ቦታ ቀዳማይ ሚኒሰትርንት ክመጽእ ባብ ኣርሕዩ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ፖሎቲካውያን እሱራት ከምዝፈትሕ፡ ፖሊቲካውያን ውዱባት ብናጽነት ንኸውዳደሩ ዕድል ከምዘጣጥሕን ነጻን ዲሞክራስያውን ምርጫ ከምዝካየድ ቃለ ኣትዩ።

ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ፡ ድምጻዊ ሃጫሉ ኣብቲ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምቕባል ዝተኻየደ ድሙቕ ባህላዊ ምሸት ደርፊ ከቕርብ ዕድመ ቀሪብሉ።

ድምጻዊ ሃጫሉ ኣብቲ መድረኽ’ውን ከም ቀደሙ ፍርሒ ኣልቦ ኮይኑ ብምቕራብ፡ ነቶም ኣብ ምብራቅ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ኦሮምያን ሶማልያን ብዝካየድ ዝነበረ ዓሌታዊ ጎንጺ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ፍትሒ ክረኽቡ ብምጽዋዕ፡ “ሰብ እናሞተስ ‘ኮንሰርት’ ተራእይኩም” ብምባል እዩ ሕቶኡ ንመራሕቲ ኣቕሪቡ።

ላዕለዎት መራሕቲ ኣብቲ መድረኽ ከምኡ ኢሉ ምድራፉ “ዘይግቡእን ግዚኡ ዘይሓለወን” ኢሎም እኳ ነቐፌተኦም እንተኣስምዑ ህቡብነት ሃጫሉ ግን ዝያዳ እዩ ወሲኹ።

ደርፍታት ሃጫሉ ዋላ እኳ ብቋንቋ ኦሮሞ እንተኾነ በቶም ኣብ ኢትዮጵያ ናጽነት ክህሉ ዝጠልቡ ካልኦት ብሄራት’ውን ዓቢ ተቐባልነት ከጥሪ ክኢሉ እዩ።

ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሃጫሉ ኣብታ ብሰኑይ ብጥይት ዝተቐተለላ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዝነብር፡ ብምንታይ ምኽንያት እዩ ተቐቲሉ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን፡ ኣቐዲሙ’ውን ካብቶም ምስ ፖለቲካዊ ኣርኣእይኡ ዘይሰማምዑ ሰባት ብተደጋጋሚ ናይ ሞት መጠንቀቕታታት ይመጽኦ ምንባሩ ይሕብር ነይሩ’ዩ።

ሃጫሉ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት “ሙዚቃ ህይወተይ እዩ፡ ፈተውትን ጸላእትን ድማ ኣጥርየሉ እየ፡ ምስ ህዝበይ እቲ ዘለኒ ዓሚዩቕ ስምዒታት ዝገልጸሉ ኣገባብ ስለዝኾነ'የ ከኣ ህይወትይ እዩ ዝብሎ” ኢሉ ነይሩ።

ድሕሪ ሞት ሃጫሉ፡ ደገፍቱ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ ተቓውሞታት ብምልዓል ምስ ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር ብዝተፈጠረ ምጉናጽ፡ ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 61 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ፡ ልዕሊ 30 ሰባት ድማ ተኣሲሮም ኣለዉ፡ ሓደ ካብዚኦም ፍሉጥ ፖሎቲከኛ ጃዋር መሓመድ እዩ።

ደገፍቲ ሃጫሉ ሞቱ ምስ ሰምዑ ባንዴራ ክልል ኦሮምያ ሒዞም “ሓደ መዓልቲ ነጻ ክንወጽእ ኢና፡ ሃጫሉ ደምካ ብላሽ ኣይክኸውንን’ዩ” ዝብል ድምጺ የስምዑ ነይሮም።

ሃጫሉ ካብታ ብሓዳር ምስኡ ን 10 ዓመታት ዝገበረት ፋንቱ ደምሴ ክልተ ቆልዑ ኣለወኦ።