ብሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት ንሓወልቲ ራእሲ መኮነን ኣፍሪሶምዎ

ሓወልቲ ራእሲ መኮነን

ምንጪ ስእሊ, Ethiopia Observer

ኣብ ኢትዮጵያ ብሞት ውሩይ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት፡ ንሓወልቲ ራእሲ መኮነን ወልደ ሚካኤል ኣፍሪሰሞ።

ራእሲ መኮነን፡ ኣቦኡ ናይቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ንጉስ ዝነበረ ሃጸይ ሃይለስላሴ እዩ።

እቲ ሓወልቲ፡ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ፡ ከተማ ሃረር ዝነበረ ኮይኑ፡ ራእሲ መኮነን ወልደ ሚካኤል ኣብ እዋን ንጉስ ምነሊክ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን፡ ገዛኢ እቲ ከባቢ ስለዝነበረ፡ ንዝኽሩ ኣብ ፈረስ ተወጢሑ እንከሎ ዘርኢ ምስሊ እዩ ነይሩ።

እቲ ሓወልቲ፡ በቶም ብሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተቆጥዑ ሰባት ካብቲ ተሰቒልዎ ዝነበረ ቦታ እናወረዱዎ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብብዝሒ ሰብ ይቐባበሎ ነይሩ።

እቲ ስነ ጥበባዊ፡ ብሰኑይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘይተፈልጡ ሰባት፡ ብጥይት ምስ ተቐትለ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ሃጫሉ ሁንዴሳ በቲ ፖሎቲካ ሓዝል ዝኾነ ደርፍታቱ ኣዝዩ ፍሉጥ ድምጻዊ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብ ልዕሊ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ስርዓታት እታ ሃገር ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

እቲ ድምጻዊ ቅድሚ ሰሙን ምሰ መደበር ቴሌቪዥን ኦኤምኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ሓወልቲ ናይ ሃጸይ ምኒሊክ ብምጥቃስ "እቶም ነጋውስ ተወጢሖመን ዘለዋ ኣፍራስ ንብረት ህዝቢ ኦሮሞ እየን" ኢሉ ነይሩ።