ኣብ ቀፅሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓወልቲ ሃፀይ ሃይለስላሴ ተተኺሉ

ናይ መወዳእታ ንጉስ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሃፀይ ሃይለስላሰ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቀፅሪ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ፡ ሓወልቲ ተተኺሉሎም።
ብዙሓት ወጻእተኛታት፡ ስሞም ምስ ፍሉጥ ተፃዋታይ ሙዚቃ ሬጌ ቦብ ማርሌን እምነት ራስታፋርያንን ኣዛሚዶም እዮም ዝዝክርዎ።
ብ 'ራስታፋርያን' ድማ ከም ፈጣሪ ይምለኹ።
ንምንታይ ሓወልቲ ተኺሉሎም?
ሃፀይ ሃይለ ስላሰ፡ ነቲ ቀዳማይ ጉባኤ ምስረትኡ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ጉንበት 1963 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየደ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ድጋፍ ኣብ ዝገብርሉ እዋን፡ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ሰላሳ ዓመት ሓሊፍዎም ነይሩ።
ንኣስታት ሓሙሸተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ጥልያን ካብ ምውዳቕ ወፃኢ፡ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዘአት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንዝነበሩ ኣፍሪካውን ምልክት ናፅነት ኮይና ፀኒሓ እያ።
ብዙሓት ሃገራት ናፅነት ምርካበን ስዒቡ ድማ፡ ኣንፃር ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምቅላስ፡ ሉኣላዊነተን ንምኽባርን መነባብሮ ህዝበን ንምምሕያሽን ፃዕሪ ንምግባር ሓድነት ንክምስርታ ዕድል ፈጢሩ እዩ።
ካብ ኣቆፃፅራ ፈረንጂ 2002 ጀሚሩ ስሙ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐየረ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ምስረትኡ ልዑል ግደ ንዝነበሮም ሃፀይ ሃይለ ስላሰ ሓወልቲ ከቑመሎም ክኢሉ እዩ።
ንምንታይ ክምለኹ ክኢሎም?
ብ ኣቆፃፅራ ፈረንጂ 1920፡ "ፀሊም ንጉሰ ዘውዲ ናብ ዝደፍአሉ ናብ ኣፍሪቃ ኣማዕድዉ፡ ማዓልቲ ሓርነት ኣብ ኢድና ስለዝኾነ" ዝብል ትንቢት ተማጓቲ ሰብኣዊ መሰል ማርከስ ጋርቨይ ስዒቡ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ዝነገሱ ሃፀይ ሃይለ ስላሰ፡ ብዙሓት ሰባት እቲ ትንቢት ተፈፂሙ ኢሎም ክሓስቡ ጌይሩዎም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
በዚ ድማ ከባቢ 8 ሽሕ ማይል (ኣስታት 13 ሽሕ ኪሎ ሜትሮ) ርሒቖም ብዝርከቡ ህዝብታት፡ ንሶም ከም ልኡኽ ፈጣሪ ማለት 'መሲህ'፡ ኢትዮጵያ ድማ ከም ናይ ተስፋ ምድሪ ክቖፅርዋ ጀሚሮም።
ሃፀይ ሃይለ ስላሰ፡ ብ ኣቆፃፅራ ፈረንጂ 1966 ናብ ጀማይካ ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዋን፡ በዓልቲ ቤት ቦብ ማርሌ ሓዊሱ፡ መሲህ ኢሎም ብዝኣምንዎም ብኣሻሓት ሰባት ኣቀባብላ ተገይሩሎም እዩ።
ከመይ ዝበለ ንጉስ ነይሮም?
'ሃፀይ ሃይለ ሰላሰ ነታ ሃገር ፅቡቕ'ዶ ነይሮም?' ዝብል ዛዕባ ኣካታዒ እዩ።
ፀብፃብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ 1972 ኣጋጢሙ ንዝበረን፡ ከባቢ 200 ሽሕ ሰባት ዝቐተለን ጥምየት፡ ዕሽሽ ብምባል ይኸሶም።
ንተቓወምቶም ብሓይሊ ብምጉባጥ ዝፍለጡ ሃይለ ስላሰ፡ ብኸም ዶክተር ዮሃንስ ወልደማርያም ዝበሉ ምሁራት፡ 'ውልቀ መላኺ' ተባሂሎም ክዝከሩ ከምዘለዎም ይሙግቱ።
ብኻሊእ ገፅ፡ ደገፍቶም ነታ ሃገር ንምዝማን ዝፀዓሩ ብሉፅ መራሒ ነይሮም ኢሎም ይካትዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







