ማርታ መብራህቱ፡ እታ ኤርትራ ዝመበቈላ ኣብ ሰማይ ዝሞተት ኢትዮጵያዊት ተቓላሲት

ማርታ መብራህቱ

ምንጪ ስእሊ, ማርታ መብራህቱ

ብሸሞንተ ታሕሳስ 1972፡ ቅድሚ 47 ዓመታት፡ ልክዕ ከምዛ ዕለት፡ 94 ተጓዓዝቲ ዝሓዘት ቦይንግ 720 ዝዓይነታ፡ ብቚጽሪ በረራ 708 ዝተመዝገበት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብኣስመራ ኣቢላ ንፓሪስ ክትከይድ ካብ መሐምበቢ መስመር መዓልቦ ነፈርቲ ቦሌ ንሰማይ ኣንቃዕረረት።

ነብሲ ወከፍ ገያሻይ ዋኒኑ ንምስላጥ ብደሓነ ሰላም ክኣቱ በብእምነቱ ክትስፎ ንቡር ነገር እዩ። ካብኣቶም ሸውዓተ ሰባት፡ ማርታ መብራህቱ፡ ዋልልኝ መኮነን፡ ኣማኑኤል ዮውሃንስ፡ ጌታቸው ሃብተ፡ ታደለች ኪዳነማርያም፡ ዮውሃንስ ፍቓዱን ተስፋየ ቢረጋን ግን ሓደ ዕማም ነይሩዎም።

ዕማሞም ንምስላጥ ከኣ ነብሶም ኣብ ተጠንቀቕ ነበረ።

ካብ 1965 ኣትሒዞም ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ "መሬት ንሓራሲኡ" እናበሉ ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ነይሮም። ቅድሚኡ ብ1960 መንግስቱ ንዋይ (1919 - 1961) ምስ ሓዉ (ግርማሜ ንዋይ) ዀይኖም ንስርዓት ሃይለስላሴ ክግልብጡ ፈቲኖም እኳ እንተፈሸሉ፡ እቲ ናይ ለውጢ መንፈስ ግን ኣይረግአን።

መንግስቲ ሃይለስላሴ ይኣርግ ከምዝነበረ እቶም ተምሃሮ ኣዝዩ ይርድኦም ነበረ። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ከኣ ለውጥታት ንኽትኣታተዉ ኣበርቲዖም ክቃልሱ ጀመሩ።

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዀኑ ካልኦት መንእሰያት ንስርዓት ሃይለስላሴ ብሰላማዊ ሰልፊ ዀነ ዘይሰላማዊ ኣገባብ ንኽገጥምዎ ተንቀሳቐሱ።

ካብ መጽሄታት ምድላውን ብምስጢር ጽሑፋት ምብታንን ምውድዳብን ምትእኽኻብን ሓሊፎም ሱር-ነቀላዊ ተግባራት ከካይዱ ጀመሩ።

ነፈርቲ ብምጥላፍ ተቓውሞኻ ምግላጽን ናይ ቃልሲ ዕላማኻ ምስራጽን እምበኣር ናይቲ እዋን እቲ ውዕውዕ ኣገባብ ቃልሲ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ማርታ ከኣ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ምስቶም ደለይቲ ለውጢ ሓቢራ ተቓለሰት።

ምስ በዓል ዋልልኝ መኮነን (1945 - 1972)፡ ጥላሁን ግዛው (1940 - 1969)፡ ብርሃነመስቀል ረዳ (1943 - 1979)፤ ማርታ መብራህቱ (1950 - 1972) ከኣ ሓንቲ ካብቶም ብኣብነት ዝጥቀሱ መንእሰያት ስሳታት እያ።

ኣብቲ እዋን'ቲ መንእሰያት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓበራ፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ክነግስ፡ ኣንጻር ንጉሳዊ ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ውሁድ ቃልሲ የካይዱ ነይሮም። ብሳዕቤኑ ከኣ ብዙሕ ጽንኩር ቃልሲ አሕሊፎም እዮም።

ማርታ ምስ ብጾታ ነፋሪት ቅድሚ ምጭዋዮም፡ ብድሮኡ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሃይለስላሴ ዝነበራ መርገጽን ፖለቲካዊ ርእይቶኣን ሕልምታታን ዘነጽር ሓደ መልእኽቲ ጽሒፋ ገደፈት።

እቲ መልእኽቲ፡- "ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያን ኤርትራን ህላዌናን ቃልስናን ንኸነድምቕ ድልዋት ምዃንና ነሕዋትናን ንህዝቢ ዓለም እነፍልጠሉ እዋን ኣኺሉ'ዩ።

ቃልስና ዓቢ መስዋእቲ ዚሓትትን ኣንጻር ጕልተኛነትን (መሳፍንትን) ሃጸይነትን ዝምክት'ዩ። ኣብዚ ቃልሲ'ዚ ንጭቁን ህዝብና ንከነድሕን ቆራጻትን ዘይነናሕስን ክንክውን ይግባእ። ጸላእትና ከምዚ ዓይነት ቋንቋን ተግባርን ጥራይ'ዩ ዝርድኦም።

ናጽነት ይዅን ማዕርነት ከም ማና ካብ ሰማይ ስለዘይወርድ፡ ብፍላይ ንሕና ደቂ'ንስትዮ ከኣ ዝያዳ ጭቝናት ስለ ዝዀንና ኣበርቲዐና ክንቃለስን፡ ዕጥቅና ዓጢቕና ማዕረ ገስገስቲ ኣሕዋትና ንሰለፍ" ብምባል ስምዒታታን መትከላታን እተነጽር ሰነድ ንታሪኽ ሓደገት።

ድሕረ ባይታ ስድረኣ

ማርታ በዂሪ ጓል ብሪጋዴር ጀነራል መብራህቱ ፍስሓን ወ/ሮ ኣርያም ገብረየሱስን'ያ፤ ኣርባዕተ ኣሕዋት ኣለውዋ።

ጀነራል መብራህቱ ፍስሓ፡ ኣብ ኣስመራ፡ ካብ ኣቶ ፍስሓ ክፍለን ወ/ሮ ኣምለሰት ሰሎሞንን ኢዮም ተወሊዶም። ኣባሓጎኣን ዓባያን ንማርታ (ብሸነኽ ኣቦኣ) ኣብ ሚስዮን (ገዛ-ከኒሻ ኣስመራ) እዮም ዓብዮምን ተማሂሮምን። ኣቶ ፍስሓ፡ ብ 1923 ንኢትዮጵያ ተሰደዱ።

ጀነራል መብራህቱ ካብ ብንእሽትኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ (ጥቓ ሰባ-ደረጃ) ኢዮም ዓብዮም። ጸኒሖም ምስ ስድርኦም ናብ ኣስበ-ተፈሪ ገዓዙ። ብድሕሪኡ ድማ ንኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዳግማዊ ሚነሊክ ኣተዉ።

ብ 1935 ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስ ወረረ፡ ኣቶ ፍስሓ ኣብ ትሕቲ ራስ እምሩ ሃይለስላሴ ኰይኖም ኣንጻር ጣልያን ተዋግኡ። ብ 1936 ከኣ፡ ገራ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዉግእ ሞቱ። ሽዑ ስድራ ቤት ጀነራል መብራህቱ ንኣስመራ ክምለሱ ተገደዱ።

ጀነራል መብራህቱ፡ ኣብ ኣስመራ ትምህርቶም ምስ ሚስዮናውያን ቀጸሉ። እንግሊዝ፡ ብ1941፡ ንኤርትራ ክቆጻጸር ብከረን ኣቢሉ ክኣቱ እንከሎ፡ ጀነራል መብራህቱ ኣብ መንገዲ ተቐበልዎም።

ኣብ ጐድኒ እንግሊዝ ኰይኖም ንክሰርሑ ፍቓደኛ ከም ዝነበሩ፡ ሕነ መስዋእቲ ኣቦኦም ክፈድዩ ድላይ ከምዘለዎም ከኣ ንእንግሊዝ ሓበሩዎም። እንግሊዝ ተርጐምቲ የድልይዎም ስለ ዝነበሩ ንጀነራል መብራህቱ ከም ተርጓማይ ቈጸርዎም። ሽዑ ወዲ 17 ዓመት'ዮም ነይሮም። ፍልጠት ቋንቋ ጣልያንን ከምኡ'ውን ሓርኰትኮት ኢሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተማህርዎ ክእለት ቋንቋ እንግሊዝ ነበሮም።

ኣብቲ ነቢዩ ሃይለሚካኤል ብ 2007 ብዛዕባ ጀነራል መብራህቱ ፍስሓ ዝጸሓፎ ታሪኽ፡ ጀነራል መብራህቱ ዉዕዉዕ ኢትዮጵያዊ ሃገራዊ ስምዒት ከምዝነበሮም፡ ምትርጓም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ትሕቲ ወትሃደራት እንግሊዝ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ከም ዝቐሰሙን፡ ኣብ ጐድኒ እንግሊዝ ኰይኖም ድማ ኣብ ዉግእ ኣምባላጄ ከም ዝተሳተፉን ክንርዳእ ንኽእል።

ብ1949፡ ጀነራል መብራህቱ ሓዳር ገይሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰፈሩ፣ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ሃይለስላሴ ድማ ተቘጽሩ። ብሓጺሩ፡ ንሶምን ወላዲኦምን ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት'ዮም ነይሮም። ማርታ'ምበኣር ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስድራቤት'ያ ተወሊዳን ዓብያን።

ማርታ መብራህቱ መን'ያ?

ማርታ ብ 23 ነሓሰ 1950 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወልደት። ኣብ ደብረዘይት'ያ ተማሂራ፡ ጸኒሓ ኸኣ ኣቦኣ ብስራሕ ናብ ናይጀርያ ምስ ተመደቡ፡ ኣብኡ ትምህርታ ቀጸለት። ጸኒሓ ከኣ ኣብ ሕ.መ.ኣ.'ውን ንኽትምሃር ዕድል ረኸበት።

ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝቐሰመቶ ትምህርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ኵነታት ክትመዝን መንቛሕቋሕታ ዀና።

ማርታ ብመሰላት ደቂ-ሰብ፡ ኣውራ ኸኣ ብደቂ ኣንስትዮ፡ ፖለቲካዊ ሓልዮት ስለ ዘጥረየት ኣብ'ቶም ናይ መጠረሽታ 60'ታትን መጀመርያ 70'ታትን ዝነበረ ናይ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ምንቅስቓስ ልዑል ተራ ነበራ።

ልባን ቀልባን ግን ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዝነበረ ንኣዲስ ኣበባ ተመልሰት። ብትምህርቲ ንፍዕቲ ስለ ዝነበረት ድማ ኣብ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ሕክምና ንኸተጽንዕ ተመዝገበት። ኣቦኣ ከም ዘዘንተዉዎ፡ ማርታ ኣብ 16 ዕድሚኣ'ያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትኣቱ ዝበቕዐት።

ሜዲካል ዶክተር ንምዃን ናይ ሕክምና ትምህርታ ንኽትውድእ ሓደ ሰመስተር ምስ ተረፋ ድማ'ያ ኣብ ዝኣመነትሉ ዕላማ ምስ ብጾታ ኣብ ዝጠለፈታ ነፋሪት ኣብ 'ሰማይ' ዝሞተት።

ማርታ መብራህቱ

ምንጪ ስእሊ, ማርታ መብራህቱ

ብርክት ዝበሉ ተመሃሮ ዪኒቨርስቲ 60'ታትን መጀመርያ 70'ታትን ናብ ጸጋም ዝዘንበሉ ስነ-ሓሳባት ሒዞም ኣንጻር ጕልተኛነት (feudalism) ብምንቅስቓስ ኣብታ ሃገር ለውጢ ንምትእትታው ተቓሊሶም። ማርታ እውን ሓንቲ ካብኣቶም ነይራ።

ብ 1974 ደርጊ ነቲ "መሬት ንሓራሲኡ" ዚብል ብተመሃሮ ዝቃላሕ ዝነበረ ጭርሖ ተጠቕመሉ።

ደርጊ ንኵነታት ሃገር ብሕማቕ ስለ ዝተሓሓዞ ግን ሓረስታይ ንመሬቱ ኣይተጠቕመሉን፡ ተማሃሮ እውን ሓሳብ-ልቦም ኣይሰመረሎምን፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ስለዝጠፍአ ከኣ ሓይሊ ጠበንጃ ነገሰ።

ናይ ሽዑ ኵነታት

ኣብ 60'ታት ሓደ ካብ'ቶም ንመንግስቲ ሃይለስላሴ ዜሰናበዱ ስርሒታት ጭውያ ነፈርቲ ነበረ። ስሩዓት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ግዳም ኰይኖም ብርክት ዝበሉ ናይ ነፈርቲ ጭውያታት የካይዱ ነይሮም'ዮም። ጸኒሖም ከኣ ምስ ኢትዮጵያውን መንእሰያት ሓቢሮም ኣብ ጠለፋታት ነፈርቲ ተዋስኡ።

ብ 1969 ተጋዳላይ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ (1943-2005)፡ ምስ ሳልሳይ ርእሱ፡ ኣብ ካራቺ ፓኪስታን ንነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምጭዋይ ዕንወት ኣውረዱ።

ዓሊ ስዒድ፡ ናይ ስሳታት ተጋዳላይ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ'ዩ፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓላፊ ሓለዋ ሰውራ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጕዳያት ኮይኑ ጸኒሑ ከኣ (ክሳብ ጊዜ ሞቱ) ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ተመራማሪ-ታሪኽ ባህሩ ዘውዴ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ አትዮፒካ ብዛዕባ ብርሃነመስቀል ረዳ ዝጸሓፎ ፍሉይ ሓተታ ከኣ፡ ብነሓሰ 1969 ብርሃነመስቀል ምስ ብጾቱ ኰይኑ (ምስ በዓል ኣማኒኤል ገብረየሱስ፡ እያሱ ኣለማየሁ፡ ገዛሀኝ እንዳለ ... ከምኡ'ውን ካልኦት) ነፋሪት ጨውዩ ኣብ ኣልጀርያ ዑቕባ ከም ዝሓተተ፣ ኢሉ-ኢሉ ኸኣ ምስ ብጾቱ ኰይኑ "የኢትዮጵያ ሕዝባዊ አብዮታዊ ፓርቲ" ከምዝተኸለ ጽሒፉ ኣሎ።

ኣብዚ'ውን ባህሩ ዘውዴ ኣብ መጽሓፉ ከም ዘስፈሮ (The Quest for Socialist Utopia)፡ ብ 22 ጥሪ 1971 ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምስ ካልኦት ብጾቶም ኰይኖም ካብ ባህርዳር ንጎንደር ትበርር ንዝነበረት ነፋሪት ጠለፉ።

እቶም ጠለፍቲ ኸኣ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ዮውሃንስ ስብሃቱ፡ ኣማኒኤል ዮውሃንስ፡ ደበሳይ ገብረስላሴ ነበሩ። ነታ ነፋሪት ኣገዲዶም ናብ ሊብያ ኣምርሑ።

ሙሴን ዮውሃንስን ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ኣብ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ 1973፡ ሕሉፋት ጸጋማውያን 'መንካዕ' ኢኹም ተባሂሎም ከምዝተቐትሉ ፕሮፌሰር ጋይም ክብርኣብ ኣብታ ገምጋም ብረታዊ ተጋድሎ እትብል መጽሓፉ ጠቒሱዎ ኣሎ።

ኣማኒኤል ዮውሃንስ፡ ዳግማይ ነፋሪት ክጠልፍ ብሓለውቲ ጸጥታ ተቐትለ፡ ደበሳይ ገብረስላሴ ከኣ ጸኒሑ ተደናጋጺ መንካዕ ኢኻ ተባሂሉ ከም ዝተቐትለ ባህሩ ዘውዴ ኣብ መጽሓፉ ይጠቕሶ።

ማርታን ብጾታን ኣብ ጠለፋ ነፋሪት

ስርዓት ሃይለስላሴ ብነፈርቲ ምጥላፍን ምዕናዉን ተመኪቱ'ዩ። ልባት መናእሰይ በቲ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ስለ ዝተሰልበ ሓለዋ ጸጥታ መንግስቲ ንኽቈጻጸርዎ ተሸገሩ። ማርታ መብራህቱን ብጾታን ነፋሪት ክጠልፉ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ምስበጽሐ ግን እቲ ጭውያ በርዓነ።

ማርታ ምስ ብጾታ - ዋልልኝ መኮነን፡ ኣማኑኤል ዮውሃንስ፡ ጌታቸው ሃብተ፡ ታደለች ኪዳነማርያም፡ ዮውሃንስ ፍቓዱ፡ ተስፋየ ቢረጋ - ዀይና ብዕለት 8 ታህሳስ 1972፡ ኣስታት 94፡ ገያሾ ሒዛ ካብ ኣዲስ ኣበባ ነቒላ ብኣስመራ ኣቢላ ናብ ፓሪስ ንዝተበገሰት፡ ቦይንግ 720 ዝዓይነታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ ጠለፉዋ።

እንተኾነ ኣብ ሰማይ ጠለፍትን ኣባላት ጸጥታን ተታኾሱ። ኣማኒኤል ዮውሃንስ ቦምባ ሒዙ ብድድ በለ። (ኣማኒኤል ሓዉ ንሓላፊ ስነዳን ምርምርን ኤርትራ ኣቶ ዘምህረት ዮውሃንስ'ዩ) ኣማኑኤል ንካልኣይ ጊዜኡ እዩ ነፋሪት ኣብ ምጭዋይ ዝዋሳእ ነይሩ።

እቶም ሽዑ ኣብ ጋዜጣታት-ዓለም ዝተጻሕፉ ዛንታታት ከም ዝሕብርዎ፡ ማርታ ንብጻያ ከተድሕን ኣብ ልዕሊኡ ከም ዝወደቐትን፡ እቶም ተዳልዮም ዝጸንሑ ሓለውቲ ጸጥታ ከኣ ንዅሎም ጠለፍቲ- ብጀካ ታደለች ኪዳነማርያም - ብጥይት ቀቲሎምዎም።

ምንቅስቓስ ተምሃሮ በቲ ፍጻሜ'ቲ መሊሱ ድኣ ተባርዐ እምበር ፈጺሙ ኣይሃድአን። ንመንፈስ መንእሰያት ከኣ ብዝያዳ ኣነቓቕሐ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንፖለቲካዊ ርእይቶ ሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክብ ከም ዚብል ገበረ።

ማርታ ምስ ሞተት ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 'ማርታ ለምን ሞተች? ለምን፣ ለምን ሞተች?' እናተባህለ ተደርፈላ።

ኣብ 'ጴጥሮስ ወጳውሎስ መካነ መቓብር' (ኣዲስ ኣበባ) ኣብ ዝርከብ መቓብራ ድማ 'ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፡ ናባኻ ክምህለል ከሎኹ፡ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ' (መዝ 28፡3) ዝብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ይርከብ።