ተዘክሮታት ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን

ንግስቲ ኤሳቤጥ

ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባባን ኣስመራን ዝተገብረለን ኣቀባብብላ መስተንክር እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ እዋን'ቲ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ግፍዕታት ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ነይሩ።

ድሕረ-ባይታ

ብዘመን ንጉስ ሃይለስላሴ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ዓባይ ብሪጣንያን ጽኑዕ'ዩ ነይሩ። ብ1930፡ ሒደት ዓመታት፡ ድሕሪ ጃንሆይ (ንጉስ ሃይለስላሴ) ናብ ስልጣን ምምጽኦም፡ ሙሶሊኒ ንኢትዮጵያ ብምውራር ጣልያን ግዝኣቶም ኣስፋሕፍሑ፣ ጃንሆይ ድማ ተሰደዱ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቝባ ሓቲቶም፡ ባት (Bath) ኣብ እትበሃል ካብ ለንደን 180 ኪ.ሜ. ንምዕራብ እትርከብ ምጭውቲ ከተማ - ይነብሩ ነበሩ።

ጃንሆይ፡ ድሕሪ ናይ ሽድሽተ ዓመት ጐስጓስ፡ ብደገፍ ዓባይ ብሪጣንያ - ብእዋን 'ወትሃደራዊ ወፍሪ ምብራቕ ኣፍሪቃ' - ብሜጀር ኦርድ ዊንጌት ዝምራሕ (ብ'ጊድዮን' ዝፍለጥ) ሓይሊ ተዓጂቦም ንኣዲስ ኣበባ ብ1941 ተመለሱ።

ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ሓይልታት እንግሊዝ ብሱዳን ኣቢሎም ንኤርትራ ወረሩ፣ ንሓይልታት ጣልያን ከኣ ኣብ ከረን ሰዓሩዎም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እንግሊዝ ንኢትዮጵያ ሓራ ከውጽኡ እነከለው፡ ን'ኢጣልያናዊት ኤርትራ' ግን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣእተዉዋ።

እንግሊዝ ንኤርትራ ሓራ ኣውጺእና እናበሉ ንኤርትራ ግን ኣብ ድኽነትን ጋሕማጥ ስርዓትን ሸመሙዋ። ነቲ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዝሃነጽዎ ትሕተ-መዋቕራት ተጠቕምሉ'ምበር ኣይተኸናኸንዎን፣ ኢንዱስትሪታት፡ ፋብሪካታት፡ ንኬንያን ህንድን ኣግዓዙዎ፣ ሓፈሻዊ ክንክን ሃገር ኰነ ሕብረተ-ሰባዊ ስርዓት ሸለል በሉዎ፣ ቍጠባን ጸጥታን ከኣ ኣንቈልቆሉ።

ሸፋቱ ገርገሩ፡ ኤርትራ ብፖለቲካ ሕብረትን/ናጽነትን ተገማምዐት። ጃንሆይ ድማ ነቶም ዝተፈጥሩ ነቓዓት መዝመዙዎም። ክብሉ-ክብሉ ድማ ንህዝቢ ከበሳ ኣስድዕዎ። ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ንኤርትራ ብ 1952 ኣብ ፈደረሽን ኣሰጋጊሮም ንዓዶም ተዓዝሩ። ጃንሆይ ከኣ ድላዮም ተማላኣሎም - ቀስ ኢሎም ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ጸንበሩዋ።

እቲ ዓመት'ቲ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ዙፋን ዝመጻሉ ዓመት ነበረ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ

ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ብ 1952 ኢየን ኣኽሊል ደፊአን። ሽዑ ዕድሚአን 25 ኢዩ ነይሩ።

ንጉስ ሃይለ ስላሴ ብ1954 ኣብ ለንደን ከይዶም ምስ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንመጀመርያ ጊዜ ተራኸቡ። ኣብቲ እዋን'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዊንስቶን ቸርቺል ነበሩ። ቸርቺል ንዓባይ ብሪጣንያ ብካልኣይ ዉግእ ዓለም ዓወት ክትጓናጸፍ ዘኽኣሉ ዓቢዪ መራሒ ኢዮም።

ጃንሆይ፡ በቲ ዝተገብረሎም ዕዙዝ ኣቀባብላ፡ ከምኡ'ውን ዓባይ ብሪጣንያ ንኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ብዝተጻወተቶ ተራ ኣመስገኑ። ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ከኣ ደልደለ።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ብ 1965፡ ካብ 1 - 8 ለካቲት፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ጎንደርን ዑደተን ኣካይደን።

ንግስቲ ኤሳቤጥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ - 1965
መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤሳቤጥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ - 1965

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረለን ኣቀባብብላ መስተንክር ነበረ። ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ክሳብ ቤተ-መንግስቲ ዘእቱ ጽርግያ ብካትራመ ዳግማይ ተለቢጡ፡ የማነ-ጸጋም ጽርግያታት ኣዲስ ኣበባ ብማእለያ ዘይነበሮም ሰባት ኣዕለቕሊቑ፣ ብኣፍራስ ዝጋልቡ፡ ዝጭፍሩን ዝድብሉን፡ ዝስዕስዑ ሰባት ዓቢ ትርኢት ነበረ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ብሽድሽተ ጸዓዱ ኣፍራስ ዝሰሓብ ሰረገላ ተሰንየን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኢዮበልዩ ኣተዋ። ኣብ ቤተ-መንግስቲ፡ ጃንሆይ ዘዕበዩዎም ኣናብስ ከም ዝነበሩ'ውን ዚዝከር'ዩ።

ንግስቲ ኤሳቤጥ ኣብ ኣስመራ ምስ ወረዳ ኸኣ ከምኡ ... ዓቢ ኣቀባብላ ተገብረለን። ኵለን ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ብምውዓል፡ እቶም ተምሃሮ፡ ብመምህራኖም ተመሪሖም፡ ኣበዮ ጽርግያታትን ኣደባባያትን ተሰሪዖም ባንዴራ ኢትዮጵያን ዓባይ ብሪጣንያን እናንበልበሉ ተቐበሉወን።

ኣብ ቤት-ማዘጋጃ (ሙኒቺፕዮ) ንክብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኰነ በዓል-ቤተን፡ ልዑል መኰነን ፊልፕስ፡ ዓቢ ግብጃ ተገይሩ ብዓጀባ ክኣትዋ፡ ራእሲ ኣስራተ ካሳ፡ ናይ ኤርትራ ኣማሓዳሪ-ነበር፡ ደገዝማቲ ሓረጎት ኣባይ፡ ናይ ሽዑ ከንቲባ-ኣስመራ፡ ክቕበሉወን ይርአዩ። ኣብ ድሕረ-ባይታ ኸኣ ጃንሆይ፡ ብድሕሪኦም ከኣ ልዑል መኰነን ይረኣዩ።

እዚ ታሪኻዊ ስእሊ፡ ብልጭልጭታ ናይ'ቲ ዉራይ፡ ቍንጅና ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ከምኡ ኸኣ ጽባቐ ከተማ ኣስመራ የርኢ'ምበር፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ግፍዕታት ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ነይሩ።

ንግስቲ ኤሳቤጥ ንጉስ ሃይለስላሴን ልዑል መኰነን ኣብ ኣስመራ - 1965

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤሳቤጥ ኣብ 39 ዕድሚአን፡ ብጃንሆይ ተሰንየን ኣብ ኣስመራ ዑደት ኣብ ዘካየዳሉ (1965)

ራእሲ ኣስራተ ካሳ ካብ 1964 ጀሚሮም ንኤርትራ ይገዝእሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ሆጭ ዝበለ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ድሮ ተጀሚሩስ፡ ኣብ መታሕት ኤርትራ ብዙሕ ቅንጸላ-ህይወት ዝካየደሉ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኸኣ ጽዑቕ ወጥሪ ዝነበረሉ እዋን'ዩ ነይሩ።

ቤት-ማዘጋጃ ኣስመራ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ጐደና ሃይለስላሴ፡ ናይ ሽዑ ስሙ፡ እዩ ዝርከብ። እቲ ጐደና፡ ዓበይቲ ኣግራብ-ኣጕሳዕና ብየማነ-ጸጋሙ ሓቝፉ፡ ንኣጋር ጽላል፡ ነቲ ኸተማ ድማ ዉቃበ ብምሃብ፡ ክሳብ እቲ ደቡባዊ መስቀላዊ ኣደባባይ (ክሮቸ ደል ሱድ) ተመጢጡ ናብ ኣፍ-ደገ እቲ ዓቢ ጐደና፡ ሽዑ ብጐደና ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝፍለጥ ዝነበረ፡ የእቱ።

እዞም ምዕሩጋት ጐደናታት'ዚኦም፡ ካብ ጫፍ-ንጫፍ፡ ብዕሙራት ደዀኵን፡ ቤት-ዕዮን፡ ሆቴላት ኰኑ መዛናግዒ ቦታትት ተሓጺሮም ንዘወርቲ-መካይን ዀነ ጃሕ-ጃሕ ዝብሉ ተዛወርቲ-እግሪ ዘአንግዱን ንሕምብርቲ ከተማ ኸኣ ዘጊጹን ነበሩ።

ትእምርቲ ዓባይ ብሪጣንያ

ህይወትን 'ስልጣንን' ናይ'ዘን ምዕርግቲ፡ ንግርማን ክብርን ዓባይ ብሪጣንያ መርኣያ ዝዀና፡ ትእምርቲ ሃገር ኰይነን ንመዋእል-ሰብ ዘገልገላ ንግስቲ ምፍላጡ ኣገዳሲ'ዩ።

እዘን ብ 21 ሚያዝያ 1926 ዝተወልዳ፡ ን66 ዓመታት ኣብ ዙፋን ዝተቐመጣ ንግስቲ ክብሪ ንውሓት ንግስና ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰበራ ኮይነን ክሳብ ሕጂ ብግቡእ የገልግላ ኣለዋ።

እዚ ናይ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣዝዩ ነዊሕ ንግስነት 13 ቀዳሞት ሚኒስተራት እንግሊዝ፡ ሸውዓተ ሊቀ-ጳጳሳት (ካንትበሪ) ሸውዓተ ጳጳሳት (ቫቲካን) ዝተቐበለን ዘፋነወን ንግስነት'ዩ።

ኣቛም ንግስና ዓባይ ብሪጣንያ ምፍልጡ ኣገዳሲ ዚገብሮ ንግስና ንግስቲ ኤሳቤጥን ዲሞክራስያ ዓባይ ብሪጣንያን ከመይ ኢሎም ሓቢሮም ይጐዓዙ ከም ዘሎዉ ንዘይፈልጦ ብርቂ ስለ ዝገብሮ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ቅዋማዊ ንግስና ዓባይ ብሪጣንያ

ፖለቲካዊ ቅርጺ ዓዲ እንግሊዝ ንምርድኡ ቐሊል ኣይኰነን። መጀመርያ እቲ ኣሰይይማ ንገዛእ ርእሱ የደናግር'ዩ - ዓባይ ብሪጣንያ (Great Britain)፡ ሕቡራት ምድረ-ነገስት (United Kingdom)፡ ዓዲ--እንግሊዝ (England) ፣ ብተወሳኺ ኵነታት ስኮትላንድ፡ ወይልስ፡ ሰሜናዊ ኣየርላንድ እዉን ኣለዉ።

ዓባይ ብሪጣንያ ብቅዋማዊ ንግስና ከም እትግዛእን ብባይቶኣዊ ዲሞክራሲን ድማ ከም እትመሓደር ይግለጽ'ዩ። እዚ ማለት ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ከም መራሒት መንግስቲ፡ ብህዝቢ ዝተመረጸ ባይቶ ኸኣ - ብቀዳመይቲ ሚኒስተር ተሬዛ መይ ዝምራሕ - ከም ሓጋጊ ኣካል የገልግል ማለት'ዩ። እቲ ሳልሳይ እግሪ መንግስቲ ኸኣ እቲ ላዕላይ ባይቶ ኢዩ።

ዋላ'ኳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ፖለቲካዊ ይዅን ወሳኒ ተራ ኣይሃልወን፡ ኣብ ህይወት ዓባይ ብሪጣንያ ኣገዳሲ ተራ ይጻወታ ኢየን። መብዝሕትኡ እዋን ተርአን ሰንደቓዊ'ዩ - መራሕቲ ሃገራት ምቕባል፡ ሃገራዊ ጽምብል ምምራሕ ... ወዘተ።

ዋላ'ኳ ስልጣነን ደረት ይሃልዎ ሕምብርቲ ሃገራዊ መንነት ዓባይ ብሪጣንያ ብንግስቲ ኤልሳቤጥ'ዩ ዚግለጽ ክበሃል ይከኣል። እንግሊዛውያን ሃገራዊ መንነቶም ጥራይ ዘይኰነስ ሕብረት፡ ሓበን፡ ጽንዓት ሃገሮም ብህላዌ ንግስቲ ኣቢሎም'ዮም ዝግለጹዎ።

ንብሉጽነት ኣበርክቶ ዜጋታት፡ ንዓወታት ድንቂ ስርሓት ብንግስቲ ኤልሳቤጥ'ዩ ዝማእከል። ብተወሳኺ፡ ንግስና ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣማኢት ወለንታውያን ማሕበራት ዓቢ ጽልዋ ዘሎዎ ትካል'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስልን ስእልን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ልዕላውንትን ስልጣንን ሃገር ይጥቍም - ገጽታአን (profile) ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ባጤራ ዀነ ፈቐዶ መንግስታዊ ህንጻታት ይርከብ።

ክብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ሃገራዊ መዝሙር ('ኣምላኽ ንንግስትና ይሓሉ!') ኣትዩ ይርከብ፣ ኣብ ሃገራዊ ቺንቺን ድማ ይጥቀሳ - ንክብሪ ንግስነት ብርጭቆ ምልዓል፣ ማሕላ ዀነ ተማእዛዝነት መንግስቲ ብጻውዒት ስም ንግስቲ ኤልሳቤጥ'ዩ ዝምእከል። ብተወሳኺ ሓዲሽ ፓርላማ ብእአን'ዩ ተባሪኹ ዚኽፈት።

ክስገር ዘይብሉ ሓቂ፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ማሕበር ኮሞንወልዝ - ማሕበር ናይ'ተን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እንግሊዝ ዝነበራ ሃገራት - ጽኑዕ ርክብ ኣለወን። ኣብዚ ብንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝምእከል ማሕበር 53 ኣባላት ሃገራት ይርከባ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ተራታት ንግስነት ላዕለ-ላዕሎም ጥራይ'ዮም። ንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ስነ-ጥበብ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ትውፊት ዝተኣሳሰረ'ዩ። ህዝቢ ኣብ ንግስቲ ኤሳቤጥ ኰነ ቅርጺ ንግስነት ዘሎዎ ኣኽብሮት ልዑል'ዩ - ኣምልኾት ግን ኣይኰነን።

ከም መራሒት መንግስቲ ንግስቲ ኤሳቤጥ ኣብ ፖለቲካ ሻራ የብለንን። ከድምጻ ኣይክእላን፡ ንስራሕ መንግስቲ ክምረጻ'ውን ኣይክእላን። እቲ ምስ መንግስቲ ዘራኽበን፡ ኣብ ላዕሊ ከም እተገልጸ፡ ኣገደስቲ ጽንብላት ሃገርን ወግዓዊ ስራሓት መንግስትን'ዮም።

ተራ መንግስቲ'ኸ?

ተራን ቅርጽን መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ከመይ ይመስል?

ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰለስተ ማእከሎት ዓንድታት'ዩ ተሃኒጹ - ታሕታይ ባይቶ (House of Commons)፣ ላዕላይ ባይቶ ወይከኣ ባይቶ ዓበይቲ (House of Lords) ፣ ሞናርክነት (ንግስና)። እቲ ቀንዲ ስራሓት ናይ ፓርላማ ኣብ ታሕታይን ላዕላይን ባይቶታት'ዩ ዝካይድ። እቲ ሓደ ገዛ ዝወሰኖ እቲ ሓደ የጽድቖ ከም ማለት'ዩ።

ስልጣን ኣብ ኢድ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ተረዛ መይ፡ ኰይኑ፡ ዝተሓባበሩወን ድማ ኣባላት ካቢኔን ተጸዋዕቲ ሚኒስትሪታትን ኢዮም። ሚኒስተራት ካብ ፓርላማ ይምረጹ - ካብ ላዕለዋይ ይዅን ታሕተዋይ ባይቶ ።

ሓላፍነት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተረዛ መይ ንዝዀነ መንግስታዊ ፖሊሲን ዉሳኔታት ምስካም'ዩ። ፓርላማ ኸኣ እቲ ዝለዓለ ሕጋዊ ስልጣን ዘሎዎ ኣካል'ዩ። እቲ ቀንዲ ስራሕ ፓርላማ ሕጊ ምንዳፍን ምጽዳቕን ምምሕያሽን'ዩ።

ታሕታይ ባይቶ መንግስቲ

ሓደ ካብ'ቶም ዝዓበዩ ስርሓት ታሕታይ ባይቶ መንግስቲ ክትትል-መንግስቲ'ዩ - እዚ ማለት፡ ንስራሓት መንግስቲ ክቈጻጸርን ክብዳህን። ካልእ ሓላፍነት ፓርላማ ድማ ቀጻሊ ክትዓት ብዛዕባ'ቶም በብመዓልቱ ዝለዓሉ ዛዕባታት ምክያድ'ዩ። ብተወሳኺ፡ መግስቲ ዘውጽኦ ገንዘብ ክቈጻጸር ግቡእ ኣሎዎ (ባጀትን ቀረጽን)።

ኣባላት ታሕታይ ባይቶ ብምርጫ'ዮም ኣብ ስልጣን ዝመጹ። ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 650 ናይ ምርጫ ዞባታት'ያ ተኸፊላ። ሃገራዊ ምርጫ ኣብ 650 መረጽቲ-ዞባታት ምርጫ ይካየድ'ሞ 650 ወከልቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ይምረጹ። እቲ ኣገባብ ምርጫ 'ዓወት ነቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ' ኢዩ ዝውሃብ።

ንግስቲ ኤሳቤጥ

ምንጪ ስእሊ, PA

እንድሕር ኣብ ሓደ ናይ ምርጫ ዞባ ሸውዓተ ተወዳደርቲ (በብሰልፎም ዝተወከሉ) ኣሎዉ፡ እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ነቲ ስልጣን ጠቕሊሉ ይሕዞ ማለት'ዩ። በብክፍሊ ሃገሮም እቶም ብህዝቢ ዝምረጹ ተወዳደርቲ ከምዚ ዚስዕብ'ዩ - 533 ካብ እንግሊዝ (ኢንግላንድ)፣ 59 ካብ ስኮትላንድ፣ 40 ካብ ወይልስ፣ 18 ሰሜን ኣየርላንድ።

እተን ቀንዲ ኣብ ውድድር ዝቐርባ ሰልፍታት ዳርጋ 17-18 ክዀና ከለዋ እተን ዝዓበያ ኮንሰርቫቲቭ (ዓቓባዊ)፡ ለይበር (ሰልፊ ሸቃሎ)፡ ሊበራላዊ ሰልፊ ክዀና ከለዋ ንኡሳን ሰልፍታት ... ከም ስኮቲሽ ናሽናል ፓርቲ፡ ሓምላይ ሰልፊ፡ ዩኪፕ፡ ዝበሃላ'ውን ኣሎዋ። ናይ የማናውን ጸጋማውን ክንፍታት ሰልፍታት (ገሊአን ጥሩፋት) ፡ ናይ ሃይማኖት ... በብዓይነተን ሰልፍታት ኣሎዋ።

ኣብ ሓፈሻዊ (ሃገራዊ) ምርጫ ዜጋታት ኣብ ዞባኦም ጥራይ'ዮም ዘድምጹ። ንበል ኣብ ሓደ ዞባ ናይ ላይበር ወካሊ እንድሕሪ ስዒሩ፡ እቲ ዝሰዓረ ፖለቲከኛ ኣብ ፓርላማ ይኣቱ።

ካብ'ቶም 650 ዞባዊ ምርጫታት ናይ ለይበር ወከልቲ ቍጽሮም ጸብለል እንድሕሪ ኢሎም ሓላፍነት መንግስቲ ብናይ ሰልፎም መሪሕነት፡ ብመዓርግ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስልጣን ይርከብ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ ካብ ሰልፉ ኣባላት ካቢኔን ሚኒስተራትን ይመርጽ።

ዜጋታት ንቀዳማይ ሚኒስተር ብቐጥታ ኣይመርጹን'ዮም፣ እንታይ ድኣ ንወከልቲ ሰልፎም'ዮም ዝመርጹ።

መንግስቲ ንምቛም ግን እቲ ሰልፊ ብካብ ፍርቂ ንላዕሊ ወከልቱ ክስዕር ይግባእ ... 326 ኣባላት ፓርላማ ክህልዎ ይግባእ። ብ 326 (ወይ ከኣ ዝያዳ) ዝምብዝሑ ኣባላት ሰልፊ ዝቘመ ፓርላማ ናይ ብዙሃን መንግስቲ ይበሃል።

እቲ ዝሰዓረ ሰልፊ 326 ኣባላት ከምጽእ እንተዘይክኢሉኸ? ምስ ክልኦት ሰልፍታት ልፍንቲ ኪገብር ይግደድ።

ባይቶ

ምንጪ ስእሊ, PA

ተራ ላዕለዋይ ባይቶ (ባይቶ ዓበይቲ)

ኣብ ፖለቲካ ዓባይ ብሪጣንያ ተራ ናይ ላዕላይ ባይቶ (ባይቶ ዓበይቲ) ድሩት ይዅን'ምበር ኣዝዩ ግዙፍ'ዩ። ታሕታይ ባይቶ ዘጽደቖም ዉሳኔታትን ንጥፌታትን ብሕቶታትን ክትዓትን ክቈጻጸሩን ክምክቱን ሓላፍነቶም'ዩ። ዉሳኔታት ታሕታይ ባይቶ ንክዓግቱ ዘይኰነስ ከዳናጕዩ ይኽእሉ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣባላት ባይቶ ዓበይቲ 791 ኢዩ። እቶም ኣባላት ብንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ብምኽሪ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተረዛ መይ፡ ይምረጹ። እዚ ማለት ብመረጻ ህዝቢዘይኰነስ ብሕርያ'ዮም ኣብ ስልጣን ዝድይቡ። መብዝሕትኦም ምስ ሰልፍታት ዝተኣሳሰሩ ኣባላት'ዮም።

ምስ ሰልፍታት ዘይተኣሳሰሩ ኣባላት ድማ ብካብ ኣባላት ባይቶ ዓበይቲ ዝተመዘዘት መራጺት ኮሚሽን ይምረጹ። ኣብ ሞንጎኦም 26 ኣባላት ቤተ ክህነት - ኣቡናትን ሊቀ-ጳጳሳትን - ይርከቡዎም።