ገዚፍ ጡብ ምህላው፡ ንጥዕናኽን ሳዕቤን ኣለዎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, BBC/Getty Images
"ገዘፍቲ ኣጥባት ከም ዘለኒ ንኸይርአ ጥራይ፡ ኣእዳዋይ ሸፊነ እየ ዝኸይድ ነይረ። ከምኡ ዝገብር ኣዝዩ ሕፍረት ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ'ዩ።"
ኣብ 2010 ኣርጀንቲናዊት ራቸል ዝተባህለት ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ፡ መጥባሕቲ ምጕዳል ጡብ ክትገብር ወሰነት።
ሕጂ ጓል 52 ዓመት ኰይና፡ እቲ ውጽኢት ቅድሚ ሕጂ ዘይተሰምዓ "ዓቢ ሩፍታ" ከም ዝፈጠረላ ትዛረብ።
ገዘፍቲ ኣጥባት ምህላው ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ከም ሰሓቢ ክርአ እንከሎ፡ እቲ ክውንነት ግን ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ንጥዕናን ህይወትን ደቀንስትዮ ጸገማት ዘስዕብ እዩ።
ምግዛፍ ኣጥባት፡ ቃንዛ ሕቖ፡ ሕማም ርእሲ፡ ድኹም ተኽለ-ሰብነት፡ ስእነት ድቃስን፡ ከምኡ'ውን ጥዕና ኣእምሮ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዘስዕብ ይግለጽ።
ካብ ዓለምለኻዊ ማሕበር ስነ-ጽባቐ መጥባሕቲ ፕላስቲክ ዝተረኽበ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ 2024 ብደረጃ ዓለም 652,676 መጥባሕቲ ጡብ ከምዝተገብረ ይሕብር።
ኣብ ብራዚል ዝለዓለ ብዝሒ (115,647) ክምዝገብ እንከሎ፡ ኣመሪካ (67,478)፡ ፈረንሳ (38,780)፡ ጀርመን (32,068)፡ ቱርኪ (25,334)፡ ህንዲ (22,400) ስዒበን ኣለዋ።
ራቸል፡ ካብ ዕድመ ንእስነታ ኣትሒዛ ብሰንኪ ምግዛፍ ኣጥባታ ሕዱር ቃንዛ ሕቖ ከምዘጋጠማ ትዛረብ።
ኣብ ኣርጀንቲና፡ ገዘፍቲ ኣጥባት ምህላው መብዛሕትኡ ግዜ ከም ጽባቐ ይውሰድ ከም ዝነበረ ትዛረብ።
"መብዛሕትአን ደቀንስትዮ፡ ኣዝየ ዕድለኛ ምዃነይ ይነግራኒ ነይረን" ክትብል ትገልጽ።
"ኣነ ግን ዕድለኛ ኣይነበርኩ፣ ብዙሕ እየ ተሳቕየ። ኣብ ዕድመ ንእስነተይ ተሳቕየ፤ ከም ጓለንስተይትን ከም ኣደን።"
ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ነዚ ዓቢ ኣካላታ ክትሓብእ ክትፍትን ብእትኽተሎ ኣካይዳ፡ ክሳብ ሕጂ ብቃንዛ ሕቖ ከም እትሳቐ ትዛረብ።
ራቸል፡ ዮጋን ጂምን ምኻድ ከም ዘሐጕሳ ትዛረብ።
ኣብ መወዳእታ ግን ብሰንኪ ገዘፍቲ ኣጥባታ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከይትገብር ደው ኣቢላ።
ፕረዚደንት ማሕበር ስነ-ጽባቐ ፕላስቲክ ብሪጣንያ ዶክተር ኖራ ኑጀንት፡ ድሩት ምንቅስቓስን ጸገም ምንቅስቓስ ኣካላትን ገለ ካብቶም መጥባሕቲ ምንኣስ ጡብ ዘድልዮም ልሙዳት ጸገማት ምዃኖም ትዛረብ።
"ብተግባር፡ ግዝፊ ኣጥባት ክብደት ስለዘለዎ፡ ንቕድሚት ክጐተካ ይኽእል፤ ኣብ ሕቖን ክሳድን ቀጻሊ ጸቕጢ ይፈጥር" ትብል።
"ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር'ውን ኣዝዩ ዘይምቹእ ይገብሮ፣ ዝሰማማዕን ደጋፊን ብራ [ረጂቤቶ] ንምርካብ ድማ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ።"
ራቸል፡ ኣጥባታ ንምድጋፍ ጥራይ "ክልተ ወይ ሰለስተ" ረጂቤቶ ክትገብር ከምዘለዋ ትዛረብ። ከምኡ'ውን ዝሰማማዕ ንምርካብ ተወሳኺ ፋይናንሳዊ ጸቕጢ ወሲኹላ።
"ኣብ ኣርጀንቲና፡ ንዓበይቲ ኣጥባት ዝኸውን ተጅቤቶ ኣዝዩ ክቡር እዩ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Raquel
'ናጽነት ተሰሚዑኒ'

ምንጪ ስእሊ, Raquel
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኑጀንት፡ መብዛሕተአን ተሓከምቲ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጡባ ካብ 500 ግራም ክሳብ 800 ግራም ከም ዝኣልየት ትዛረብ።
"ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ክብደት ኣካላት ዓቢ መጠን ኣይኮነን፡ ንሓደ ንእሽቶ ከባቢ ግን ብዙሕ'ዩ" ክትብል ተረድእ።
ኣብ ጉዳይ ፡ ሓካይም ብድምር 2.5 ኪሎ ካብ ኣጥባታ ኣልዮም።
"ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ፡ ካብ መሬት ገለ ነገር ከልዕል ኣብ ዘድልየኒ እዋን ዝስምዓኒ ዝነበረ ቃንዛ ዘኪረ፡ ከም 'ዋይ፡ ዳርጋ ካልእ ኣካል ዝተሸከምኩ' እብል ነይረ። ሕዚ ኣዝዩ ዓቢ ነፃነት ተሰሚዑኒ።"
እንታይ ዓይነት ረጅቤቶ?
ፕሮፌሰር ጆኣና ዌክፊልድ-ስካር ብዛዕባ ሕዱር ቃንዛ ጡባ ንምዝታይ ናብ ሓኪማ ምስ ከደት፡ ጽቡቕ ዝሰማማዕ ረጅቤቶ ከም ዘድልያ ተማዒዳ።
ከም ክኢላ ባዮሜካኒክስ መጠን፡ ጽቡቕ ረጅቤቶ እንታይ ምዃኑ ክትምርምር ወሰነት።
"ብሓቂ ንምንታይ ረጅቤቶ ከምዘድልየና፣ ረብሓታት ረጅቤቶ እንታይ ምዃኑ፡ ብኸመይ ክሰርሕ ከምዘለዎ ኣዝዩ ውሑድ ከምእንፈልጥ ተረዲኡኒ" ትብል ዌክፊልድ-ስኩር።
እዚ ድማ ኣብ 2005 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፖርትስማውዝ ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ጥዕና ጡብ ዝምልከት ጕጅለ መጽናዕቲ ክትምስርት ደሪኽዋ።
ጕጅለኣ፡ ዘይመጣጠን ብራ ምግባር ኣርባዕተ ቀንዲ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለልዩ።
ቃንዛ፡ ምልጣጥ ቆርበትን መጕዳእቲ ቲሹን፡ ኣብ ኣገባብ ምስትንፋስካ ዝመጽእ ለውጢን ኣብ መንጎ ህርመታት ልቢ ዘሎ ንውሓት ግዜን፡ ከምኡ'ውን ንኣካላዊ ምንቅስቓስ ዕንቅፋት ይፈጥር።
"ከቢድ ኣጥባት እንተሃልዩኩን፡ እሞ ላዕልን ታሕትን ዝወዛወዝ እንተዀይኑ፡ ብሓቂ ንኣገባብ ኣተናፍሳኽን ክቕይሮ ይኽእል እዩ፣ መጠን ሓይሊ'ውን ይቕይሮ። ኣብ ምሉእ ንጥፈታት ኣካላትና ዝዀነ ዓይነት ጽልዋ ኣለዎ።"

ምንጪ ስእሊ, UEFA/UEFA via Getty Images
ቃንዛ ጡብ ንምንካይ እቲ ወሳኒ ነገር፡ ክንደይ ዝኣክል ከም ዝንቀሳቐሱ ዘይኮነስ፡ ቀስ ኢልካ ምንቅስቓስ ምዃኑ እቲ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ።
ሕጂ እታ ጋንታ ምስ ከም በዓል ላዮነስ፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ዓዲ እንግሊዝን ገለ ካብ ብሉጻት ተጻወትቲ ጎልፍ ዓለምን ዝኣመሰሉ ምሩጻት ኣትለታት ብምትሕብባር፡ ዝበለጸ ረጅቤቶ ፈጢራትሎም ኣላ።
"ከም ኤፍ.ኤ.፡ ዎርልድ ራግቢ ዝኣመሰላ ትካላት፡ ንተበግሶታት ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ንምምዋል ገንዘብ ከውጽኣ ንርኢ ኣለና፤ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ምናልባት ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ'ዩ ተራእዩ" ትብል ዌክፊልድ-ስካር።
"ብተዛማዲ ሓድሽ ተርእዮ'ዩ፡ እንተኾነ እቲ ለውጢ ክንርእዮ ምኽኣልና ዓቢ ነገር'ዩ።"
'ዝሐሽ ክነብራ ዝደልያ ይበዝሓ ኣለዋ'
ሕብረተሰብ ንገዘፍቲ ኣጥባት ብኸመይ ይርእዮን ይርድኦን ራቸል ክትገጥሞ ዝነበራ ነገር እዩ ነይሩ።
ንሳ፡ መጥባሕቲ ምጕዳል ጡብ ብምግባራ መሓዙታ ከላግጻላ ጀሚረን፡ ብዛዕባ ድርኺታ ድማ ግጉይ ኣረኣእያ ከም ዝነበረን ትዛረብ።
"መብዛሕትኦም ሰባት ጉዳይ ጥዕና ዘይኮነስ ናይ ስነ-ጽባቐ ነገር መሲልዎም ነይሩ ይመስለኒ" ትብል።
"እዚ ክገብር ከለኹ፡ ሓንቲ ሰበይቲ 'ሕጂ ኬድኪ ስብሒ ከብድኺ መጢጥኪ ክተጕድልዮ ኣለኪ " ከም ዝበለትኒ እዝከር።
ካብቲ ማሕበረሰብ ከምዚ ዓይነት ምላሽ እኳ እንተ ተዋህበ፡ ራቸል ግን ጣዕሳ ከምዘይፈጥረላ ትዛረብ።
"ኣዝየ ሕጕስቲ እየ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ንጽፈ-ጽግያት ስለ ዘለኹ፡ ከመይ ገይረ ምስ ገዘፍቲ ኣጥባት ክነብር ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን ነይረ"።
ኑጀንት፡ ቍጽሪ ናይተን መጥባሕቲ ምንካይ ጡብ ዝደልያ ተሓከምቲ እናወሰኸ ምምጽኡ፡ ኣብ ርእሰ-ሓልዮት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተገዳስነት ከንጸባርቕ ከምዝኽእል ትዛረብ።
"ብርግጽ ደቀንስትዮ ጥራይ ዘይኰና፡ ኣብ ጽቡቕ ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት ብዝሒ ይውስኽ ኣሎ" ትብል።
"እዚ ምሉእነት ምድላይ ዘይኰነስ፡ ጥዕናን ጽቡቕ ምህላውን ምድላይ'ዩ።"







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







