ቀብሪ ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ከተማ ኣምቦ ተፈጺሙ

ስነ-ስርዓት ቀብሪ

ምንጪ ስእሊ, OBN

ሓመድ ድበ ስሙይ ሙዚቀኛ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ገዳመ እየሱስ ተፈጺሙ።

እቲ ውሩይ ሙዚቀኛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስተቐትለ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ዕግርግርን ወጥርን ነጊሱ ኣሎ።

ብሞት እቲ ሙዚቀኛ ኣብ ዝተልዓለ ናዕብታት ድማ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም።

እንተኾነ፡ ሕዚ’ውን እቲ ውሩይ ስነጥበባዊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዩ ክቕበር ነይርዎ ዝብሉ ተቓውሞታት ዘስምዑ ብዙሓት እዮም።

ሎሚ ንጉሆ፡ ንእሽቶ ብዝሒ ዘለዎ ሰብ ኣብ ስቴድየም ዩንቨርሲቲ ኣምቦ ተረኺቡ፡ ንሬሳ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣፋንዩ።

ብዝሒ ኣብ’ቲ ስቴድየም ዝተረኸበ ሰብ ክውሕድ ዝተገበረሉ ምኽንያት ስግኣት ጸጥታ ከምዝኸነ ተገሊጹ።

ንቐብሪ ካብ ወሰናወሰን ኣምቦ ዝመጹ ሰባት፡ ናብ’ታ ከተማ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም እዮም። እቶም ሰባት ናብ’ታ ከተማ ከይኣትዉን ናብ መዝጽሉ ክምለሱን፡ ናይ መንግስቲ ሓይልታ ትመንብዒ ትኪ ይትኩሱ ነይሮም።

ንመቕበሪ ዝተኹዓተ ጉድጓድ መሊሶም ክደፍኑዎ ዝፈተኑ ከምዝነበሩ’ውን ነበርቲ ናይ’ታ ከተማ ተዛሪቦም።

ትማሊ ብጥይት ተወቒዖም ዝተቐትሉ ኣኮ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ቀብሮም ሎሚ ቅድም ኢሉ እዩ ተፈጺሙ።

ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ታከለ ኡማን ኣብ’ቲ ቀብሪ ክርከቡ እዮም ተባሂሉ’ኳ እንተነበረ፡ ኣይተረኸቡን።

ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ ንሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓወልቲ ከምዝስረሓሉ ብቴሌቪዥን ገሊጹ እዩ።