ብሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተቖጥዑ መናእሰይ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም

ምንጪ ስእሊ, EMBASSY OF ETHIOPIA, LONDON
ብሞት ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተቖጥዑ፡ ሓጺንን ተባራዒ ነገራትን ዝሓዙ መናእሰይ ኣብ ለንደን ንዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ከምዘጥቅዑ ኣብ’ቲ ኤምባሲ ሰራሕተኛ ጉዳያት ዲያስፖራን ሚድያን ኣይተ ያለው ከበደ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣይተ ያለው ከምዝበሎ፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ብሞት ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተቖጥዑ መናእሰይ ናብ’ቲ ኤምባሲ መጺኦም ጉድኣት ከምዘብጽሑ ተዛሪቡ።
እቶም መናእሰይ ባንዴራ ኢትዮጵያ ከቃጽሉ ፈቲኖም፡ ባንዴራ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ሰቒሎም፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣብጺሖም ኢሉ።
እቶም መናእሰይ ድሕሪ ቀትሪ ከምዝመጹን ናብ’ቲ ኤምባሲ ክኣትዉ ከምዝፈተኑን ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ኤምባሲ ኣገልግሎት ክረክብ ንዝመጸ ሓደ ተገልጋሊ ከምዝወቕዑ’ውን ኣይተ ያለው ተዛሪቡ።
እቶም መናእሰይ ሓጺንን ተባራዒ ነገርን ሒዞም ነይሮም ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ንብረት ካብ ዝበጽሐ ጉድኣትን ኣብ ልዕሊ ሓደ ተገልጋሊ ካብ ዝበጽሐ መውቃዕትን ካልእ ዝበጽሐ ሃስያ የለን ኢሉ።
እቲ ኤምባሲ ንፖሊስ ከምዝሓበረን፡ እቶም ሰልፈኛታት ናይ ሰልፊ ፍቓድ ከይሓተቱ ሃንደበት ብምምጸኦም፡ ብዛዕባ መንነቶም ካብ ናይ ሓለዋ ካሜራ ንፖሊስ ሓበሬታ ከምዝተውሃበ ገሊጹ።
ክሳብ ሕዚ ግን ካብ መንጎ እቶም መናእሰይ ዝተትሓዘ ከምዘየለ ተዛሪቡ። ፖሊስ ክሲ ክኸፍተሎም ምዃኑ ድማ ኣይተ ያለው ተዛሪቡ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ከተማ ለንደን ዝነበረ ሓወልቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ከምዝፈረሰ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዘርገሐ ስእልታት የርእይ።
ኣይተ ያለው ከምዝበሎ፡ እቲ ሓወልቲ ካብ’ቲ ኤምባሲ ርሒቑ ዝርከብ ምዃኑን፡ ንሱ’ውን ብዛዕባ እቲ ዝፈረሰ ሓወልቲ፡ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ከምዝረኣየን ገሊጹ።
ኣይተ ያለው፡ ዝገደደ ጉድኣት ክበጽሕ ዝኽእለሉ ዕድል ምንባሩ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብመሰረት ስምምዕ ቪየና ነቲ ኤምባሲ ሓለዋ ፖሊስ ክገብረሉ ይግባእ ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







