ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጎድኡ ሰባት ከምዘለዉ ተገሊጹ

ርዕሰ መስተዳድር አቶ ተመስገን ጥሩነህ

ምንጪ ስእሊ, AMMA

"ሸኔ" ዝተበሃለ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ክልል አምሓራ ምስ ቅትለት ስነጥበበኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ንርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል አይተ ተመስገን ጥሩነህ ብምጥቃስ ማዕኸናት ዜና ኢትዮጵያ ጸብጺበን።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ኣብ ዝርከብ ወረዳ ደዌ ኣረዋ ከምኡ ድማ ኣብ ከተማ ባቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ልውውጥ ተኹሲ ተኻይዱ እዩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ልውውጥ ተኹሲ ድማ፡ መራሒ ናይቲ ጉጅለ ከምዝተቐተለን ካልኦት ኣብቲ መጥቃዕቲ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ዕጡቓት ምስ ዕጥቆም ከምዝተትሓዙን እቶም ጸብጻባት የመልክቱ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ከምዝሓበሮ፡ አብ ከተማ ባቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ሓሙሽተ ሰባት ሓደጋ መቑሰልቲ ኣጋጢምዎም እዩ።

እቲ መጥቃዕቲ ምስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጸመ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተሓሓዝ ኣብቲ ከባቢ ሽበራ ንምፍጣር ዝዓለመ ምንባሩ ኣይተ ተመስገን ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ዝቐረበ ምስሊ፡ ገዛውትን ሓደ ኣውቶብስን ብባርዕ ሓዊ ከምዝዓነዉ የርእይ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት፡ ምስ ቅትለት እቲ ስነጥበባዊ ዝተሓሓዝ ልእኽቶ ከምዝተወሃቦም አረጋጊጽና ኢና ኢሉ እቲ ርእሰ ምምሕዳር።

ምስቶም ዕጡቓት ኣብ ዝተኻየደ ልውውጥ ተኹሲ ድማ ሓደ አባል ጸጥታ ከምዝቖሰለ ኣዘኻኺሩ።