ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቓውኦም ንምግላጽ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።
እቶም ስደተኛታት ሎሚ ኣብ ከባቢ ቤትጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምርካብ፡ ኣብ'ቶም ኣብ ክልተ መዓስከራት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ጸዊዖም።
ብዘይካ'ዚ እቶም ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብቶም መዓስከራት ዝተፈናቐሉ ስደተኛታት ክሳዕ ሕጂ ዝተገብረሎም ሓገዝ ከም ዘየሎ ብምግላጽ ጉዳዮም ብሳልሳይ ሃገር ክረአ ሓቲቶም።
ኣብ መዓስከራት ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይንን ዘለው ስደተኛታት "ብዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከበባ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት" ከም ዘለው ብምግላጽ "ንሞት ከብዶም ሓቝፎም ይጽበዩ" ምህላዎም ኣብቲ ሰለፊ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ተዛሪቦም።
ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ 'ኣራ' ኮነ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ግቡእ ኣገልግሎት ይህብዎም ከም ዘየለው'ውን ከሲሶም።
ብሰሉስ መንግስቲ ኣመሪካ: እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ከም ዘሻቐላ ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕትን ምፍራራሕን ደው ክብል ጸዊዓ።
ውሃቢት ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጁሊና ፖርተር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን [ህወሓት] ዝምድና ዘለዎም ወተሃደራዊ ሓይልታትን ብምልሻ ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፈጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣዚና ኢና ተሻቒልና ዘለና" ኢላ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ኣብ ወርሒ ጥሪ'ውን ብወተሃደራት ኤርትራ ቅትለት፡ ጭውያን በስገዳድ ናብ ኤርትራ ምምላስን ከም እተፈጸሞም ዘረድአት እታ ወሃቢት ቃል፤ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኣካላት ንስድተኛታት፡ ሓተትቲ ዑቕባን በቲ ኲናት ካብ መንበሪኦም ንዝተመዛበሉን ሰባት ከምኡውን ንሰራሕተኛታት ረድኤት ካብ ምጥቃዕን ምፍርራሕን ክቑጠቡ ጸዊዓ።

ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ባባር ባሎች ብወገኑ: ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ'ውን፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ሓደ ስደተኛ ብዕጡቓት ከም ዝተቐትለን እቶም ስደተኛታት ንሕጽረት ቀረብ ጽሩይ ማይን መግብን ተቓሊዖም ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ተዛሪቡ ነይሩ።
ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣርደሃይ እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዓስከራት ማይ-ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ካብ ዝረክብ ክልተ ሰሙን ተቖጺሩ ምህላው እውን ገሊጹ።
ኣብ'ቶም መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 24 ሽሕ ስደተኛታት እቲ ወርሓዊ ዝወሃቦም ናይ መግቢ ሓገዝ ካብ ዝቕበሉ ሓደ ወርሒ ብምምልኡ ንጥምየት ተቓሊዖም ምህላዎም'ውን ባባር ባሎች ሓቢሩ።
"ኣብ ውሽጥን ኣብ ከባብን መዓስከር ስደተኛታት: ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ኲናት እናዓረገ ኣብ ዝመጸሉ እዋን: ዩኤንኤችሲኣር ዕጫ ናይቶም ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓስከራት ተዓጊቶም ዘለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ተሻቒሉ ኣሎ።
"ኣብ ከባቢ ማይጸብሪ ኣብ መዓስከራት ማይዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ኣስታት 24 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡ ኣብ ዘይኽእልሉ ኩነታት፡ ምፍርራሕ፡ ክትራን እናኣጋጠሞም ኣብ ቀጻሊ ጭንቀት ይርከቡ''።
ዝሓለፈ ሰሙን መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ምፍንቓል ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕትን ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም ነይሮም። እቶም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ዝተፈጺሞም ዝተባህሉ ገበናት'ውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመረሖ ዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮም ጸዎዖም።
ኩነታት ናይቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ድሕሪ ኣብ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ሓደጋ ምውዳቑ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን እውን እቲ ኲናት ናብ ክልል ዓፋር ብምልሓሙ እቶም ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከብ ካልእ መዓስከር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ኣብ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣትዮም ኣለዉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







